MAP

ሓይሊ ወለንታዊ ዕዮ ኣብ ሕብረተሰብ ሓይሊ ወለንታዊ ዕዮ ኣብ ሕብረተሰብ 

ሓይሊ ወለንታዊ ዕዮ ኣብ ሕብረተሰብ

ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣባላት ማሕበራት ወለንተይናታት ዘሳተፈ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኢጣሊያ ዛካየዶ ናይ መጽናዕቲ ሰንድ ወግዓዊ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ወለንተይናነት መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ስራሕ ናይ ምስላጥ ዓቕሚ ጥራይ ዝገልጽ ዘይኮነስ፣ ሕብረተሰብ ኣብ ሰብኣውነትን ብኣረኣእያ ሓባራዊ ረብሓን ክዓቢ ዝሕግዝ እዩ”፣ ነዚ ዝበሉ እቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ወግዓዊ ንግምባር ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ማርኮ ፓኚየሎ ሓቢሮም እቲ ምስ መንበረ ጥባብ ሮማ ትረ ብምሕብባር ዝተኻየደ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ኢጣሊያ ምኽትል ምኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ መምርሕታትን ማርያ ተረዛ በሉቺ እውን ተርኺባ መደረ ከም ዘስመዐት ዜና ቫቲካን  ኣፍሊጡ።

ወኪላት ለውጢ

ካብቶም ካብቲ መጽናዕቲ ዝወጹ መዳያት፡ ወለንታዊ ስራሕ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ከም ልምዲ ምትሕግጋዝ ዝቑጸር ኮይኑ፣ ነቶም ዘስተማቕርዎ ግን፣ ናይ ስልጠና፣ ውልቃዊ ዕብየትን ቀጻሊ ትምህርትን ዝወሃበሉ ቦታ’ውን እዩ። ወለንተይናታት ንነብሶም ከም መጋበርያ ለውጢ ይርእይዋ፣ ንጥፈታቶም ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘሎ ክውንነትን ኣብ ገዛእ ርእሶምን ርኡይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይኣምኑ። “ንልምዓት ወለንታዊ ኣገልግሎት ዘተባብዑ መምርሕታት ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ካብተን ናብ ዜጋታት ዝቐረባ መንግስታዊ ትካላት ጀሚርካ ንኹሉ ዝጠቕም ምዃኑ ኣባ ፓኚየሎ ገሊጾም።

ዓሰርተ ሽሕ ወለንተይናታት ዘሳተፈ መጽናዕቲ

እቲ ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ወለንተይናታት ዘሳተፈ መጽናዕቲ፣ እቲ ቀንዲ ድርኺት ወለንይናታት ንማሕበረሰብ ኣበርክቶ ምቕራብ (87.6 ሚእታዊት ዝሽፍን) ምዃኑ ከም ዝረጋገጸን ብፍላይ ኣብቶም ዝነኣሱ ግን፣ ብቕዓትካ ናይ ምምዕባል ተኽእሎን ዕድል ሞያዊ ምህብታምን ፍሉይ ኣገዳስነት ይወስድ። ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ወለንተይናታት ተወፋይነቶም ኣብ ምቕያር ክውንነት ሓያል ጽልዋ ከምዘለዎ ዝኣምኑ ኮይኖም፣ ልዕሊ 75 ሚእታዊት ድማ ወለንታዊ ስራሕ ንኣተሓሳስባኦም ብዓሚቕ ከም ዝቐየሮ ይዛረቡ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ትምህርታዊ ጽልዋ ወለንታዊ ስራሕ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ምትሕግጋዝ ተወፋይነት ንዕቤት “ልኡም ክእለት” ዝበሃሉ፡ ከም ውልቃዊ፣ ማሕበራውን ዜግነታውን ክእለት ብኸመይ ከም ዝድግፍ ኣጉሊሑ፣ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ካብቶም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ሰባት ኩሉ ግዜ ወይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ወለንታዊ ንጥፈታቶም ይጥቀሙሉ።

ንማሕበረሰባት ንምድጋፍ

ኣብ እዋን ናይ ምትሕግጋዝ ተወፋይነቶም፣ መብዛሕትኦም ኢጣልያውያን ወለንተይናታት ዝተፈላለየ ስግረ - ዶባዊ ክእለት የማዕብሉ፣ ከም ናይ ምትሕብባር ክእለት፣ ስምዒታቶምን ነውጽታቶምን ምምሕዳር፣ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ምምዕባል፣ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ህይወት ምምሃርን ለውጢ ምግጣምን ዝኣመሰሉ። “ካብቲ መጽናዕቲ፣ ወለንተናታት ንማሕበረሰቦም ገለ ነገር ንናይ ምግባር ድሌት ከም ዝድረኹ ይግለጹ”። እዚ ብውልቃውነትን ዘይምግዳስን ኣብ ዝተለለየ ታሪኻዊ ህሞት ኣዝዩ ዘጸናንዕ ሓቂ እዩ። "ወለንተይናታት ብተወፋይነቶም ኣብቲ ንጽቡቕ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ዝግበር ለውጢ ውጽኢታዊ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ'ውን ይፈልጡ እዮም። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ዕብየት ዝጅምር ለውጢ። እዚ'ውን - ይብሉ ኣባ ፓኚየሎ ኣብ መዛዘሚ መደረኦም- ብዛዕባ ወለንተይናነት ከምኡ'ውን ወለንተናታት፡ ከም ሓደ ካብቶም ክቡራት ጸጋታት ሃገርና ምዃኖም ኣፍልጦ ክህልወና ይገብር" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Apr 2025, 17:51