MAP

ፖለቲካዊ ክትዕ ኣብ ኣውስትራሊያ ፖለቲካዊ ክትዕ ኣብ ኣውስትራሊያ  (ANSA)

ጳጳሳት ኣውስትራልያ ካቶሊካውያን ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ተስፋ ከምጽኡ ይላቦ

ኣውስትራልያ ናብ ዕለት 3 ግንቦት ዝካየድ ፌደራላዊ ምርጫ ኣብ እትምርሸሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝረአ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናንን ኩሎም ካቶሊካውያን መብራህቲ ተስፋ ክኾኑ ጳጳሳት ኣውስትራልያ ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ዜጋታት ኣውስትራሊያ ዕለት 3 ግንቦት ንሃገሮም ዝመርሕ ፖለቲካዊ መግንስቲ ክመርጹ እዮም፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንፖለቲካዊ ውድብ ዕዮ ዝውክል መራሔ መንግስቲ ኣንቶኒ ኣልባነዘ ኣንጻር መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፒተር ዱተን፣ መራሒ ማእከላይ - የማናይ ናጻዊ - ሃገራዊ ጥምረት ዝውክል ክገጥሞ እዩ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ዕለት 7 ሚያዝያ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ክትዕ ከም ዘካየዱን ዋጋ መነባብሮ፣ ኣባይቲ፣ ከምኡ’ውን ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና፣ ስደተይናታትን፣ ገበንን ስጉምትታት ብዛዕባ ለውጢ ከካቢያዊ ኣየርን ምህዳርን፣ ቀንዲ ጉዳያት ናይቲ ኣብ ሞንጎ ቁጠባዊ ቃልስታት፣ ኣህጉራዊ ዘይርጉጽነትን ፖለቲካዊ ምትፍናንን ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ምርጫ እዮም።

ናይ ሓባር ረብሓ ንምስጓምን ንተስፋ መንገዲ ንምጽራግን ዝሕግዝ ዕድል

ቅድሚ እቲ ዕለት 3 ግንቦት ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ጳጳሳት ኣውስትራልያ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቶሊካውያን መረጽቲ ብናይ ኢዮቤል ዓመት ተደሪኾም “ናይ ተስፋ ሰባት” ክኾኑ፣ ከምኡ’ውን ግብረ ገባውን ማሕበራውን ኣንፈት ሃገር ኣብ ምቕራጽ ዘለዎም ተራ ኣፍልጦ ክህቡ ይላበዉ።

“ድምጺ ምሃብ ዜግነታዊ ግዴታ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ረብሓ ንምስጓምን ንተስፋ መንገዲ ንምጽራግን ዕድል ምዃኑ ኢዮቤል የዘኻኽረና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውልትውና ንማሕበራዊ ምትእስሳር የበላሽዎ

ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ክትዓት ኣውስትራልያ፣ “ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘፍርስ” ዝብሉዎ ዘሰክፍ ምልዓል ውልትውና ይርአ ምህላዉ ብሓቂ ዘሕዝን ምዃኑ ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ገሊጾም፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ ናብ ዓመጽ ተቐይሩ ከም እተራእየን ሓቢሮም፣ ንኹሉ ዓይነት ጽልእን ኣድልዎን፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ቓዛን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኣውስትራልያ ዝተላዕለ ጸረ - ሴማውነት ደጊሞም ከም ዝኾነኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ኣብዚ ድሕረ ባይታ እዚ፡ . . . ጳጳሳት ግጭት ብዓመጽ ወይ ብፍርሒ ዘይኮነስ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ንመረጽቲ “ዝኾነ ፖለቲከይና ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ንነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ክፈትሖ ወይ ከም ፍጹም ወኪል ከገልግል ኣይክእልን እዩ” ብምባል ኣዘኻኺሮም፣ [ዲሞክራሲና ብዘተን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ጉዳያት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብዘለና ተወፋይነት ዝግለጽ ’ዩ።]

 ሕመረት ናይቲ መልኽቲ ጳጳሳት፣ ካቶሊካውያን ውሳኔታቶም ነቲ ሓቀይናን ጽቡቕን ፍትሓውን ከም ዝድግፉ ብምርግጋጽ፣ ከመይ ከም ዘድምጹ ክመርሕ ዝግበኦ ጽቡቕ ቅርጺ ዘለዎ ሕልና ዘጉልሕ እዩ። “ከም ካቶሊካውያን መጠን፣ ብቓላት ቅዱስ ጳውሎስ፣ ‘ንሓሳብ ክርስቶስ ከነስተንትን’፣ ብስነ - መጐትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ብትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ሕልናና ክንሃንጽ ግዴታ ኣሎና።”

"ሕልና ውሽጣዊ መሪሕና እዩ፣ ቅኑዕ ካብ ጌጋ ንምፍላይን ሰናይን ፍትሓውን ንምፍራድን የኽእለና፣ ብተኣማንነት ክንስዕቦ ድማ ግዴታ ኣሎና። እዚ ድማ ነቲ ሓቅታትን ድሕረ ባይታ ውሳነታትና ብጥንቃቐ ንምሕሳብ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ድማ ንጸሎት ተወፋይነት ይሓትት።"

ካቶሊካውያን ከስተንትኑሉ ዝግባእ ቀንዲ ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ጉዳያት

እቲ መግለጺ፡ ካቶሊካውያን ቅድሚ ድምጺ ምሃቦም ከስተንትኑሉ ዝግባእ ገለ ወሰንቲ ስነ - ምግባራውን ማሕበራውን ጉዳያት ዘጉልሕ እዩ። ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ቅድስና ሕይወት ምድጋፍ፤ ንኣባይቲ ስድራ ዝግበር ደገፍ፤ ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልናን ናጽነትን መሰላትን፤ ሓላፍነታዊ መጋቢነት ፍጥረት ኣምላኽ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ምድንፋዕን፣ “ኩሎም ኣውስትራሊያውያን ክስስኑሉ ዝኽእሉ” ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ምምዕባልን ዝብሉ ነጥብታት ዝተነብሮ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ዝህቦ መምርሕን ብጸጋኡ ህይወቶም ክልውጦን ዝምህለል ጸሎት ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መትከላት ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ጳጳሳት ኣውስትራልያ ኣርባዕተ መሰረታዊ መትከላት ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ናይ ሓባር ረብሓ ምድንፋዕ፤ ትሕተ - ቅርጽን ምትሕብባርን እዚ ድማ እቶም ብውሳነ ወይ ብስርዓተ ሕጊ ብቐጥታ ዝጽለዉ ሰባት ወይ ጉጅለታት ኣብ ምዕባለኦም ክድገፉን ይጠልብ፣ እዚ ድማ “ደቂ ሰባት ኣብ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ዝቖሙን ሃገራዊ፣ ዓሌታዊ፣ ባህላዊ፣ ቁጠባውን ስነ - ሓሳባውን ፍልልያት እናሃለወ ኣብ ነንሕድሕዶም ሓላፍነት ዘለዎም ማሕበራዊ ፍጡራት ምዃኖም ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።

09 Apr 2025, 16:33