ኣብ ሕ. መ. ኣሜሪካ ዝርከቡ 10 ሚልዮን ክርስትያን ስደተይናታት ንምስጓግ ሓደጋ ይቃልዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ክርስትያን ስደተይናታት፡ ክጥረዙ ዝኽእሉ ግዝያዊ ሓለዋታት ዝተዋሃቦም ሓዊሱ፡ ንውሳኔ መስጎግቲ ተቓላዕቲ ምዃኖም፣ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ምስ ሃገራዊ ማሕበር ወንጌላውያን ብምትሕብባር ዓለማዊ ረድኤትን ዓለም ሓቆፍ ማእከል መጽናዕቲ ክርስትናን ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የመልክት። ዳርጋ 7 ሚልዮን ዜጋታት ኣመሪካ ዝኾኑ ክርስርቲያን ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ናይቶም ናይ ምስጓግ ሓደጋ ዘለዎም ሰባት ይነብሩ። 18 ሚእታዊት ካቶሊካውያን፣ 6 ሚእታዊት ድማ ወንጌላውያን ከም ዝኾኑን ይሕብር።
ክፋል ናይ ሓደ ኣካል
ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ኣመሪካ ብዛዕባ ጽልዋ መምርሕታት ምስጓግ (ምጥራዝ) - ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣባላት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰቦም ዘሕድሮ ጽልዋ ንምምልካት ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ። ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሽማግለ ጉዳይ ስደተይናታት ኣቡነ ማርክ ሰይትዝ ኣብ መእተዊ ናይቲ ጸብጻብ፣ "ልክዕ ከምቲ እግሪ ዘማስን ስቓይ እንተድኣ ሃልዩ እታ ኢድ ከይተረበሸት ዕዮኣ ኽትፍጽም ዘይትኽእል ሓንቲ ኽፋል ቤተ - ክርስትያን ክትሳቐ እንኮላ ብምልእታ ቤተ ክርስትያን እያ ሓቢራ ትሳቐ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣሜሪካ 20 ሚልዮን ሰባት ንናይ ምስጓግ ሓደጋ ተቓሊዖም ይርከቡ
እዚ ግብረ ገባዊ ግዴታ ርህራሄ እዚ፣ እምነቶም ብዘየገድስ፡ “ ብባህርያዊ ክብሪ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥሩ (ዘፍጥረት 1፡27፣ 9፡6፡ ያዕቆብ 3፡9)” ንዅሎም ሰባት ዝዝርጋሕ ምዃኑ እቶም ፈረምቲ እቲ ሰነድ ይገልጹ።
እቲ ጸብጻብ ስደተይናታት ዘይንጸል ኣባላት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምዃኖም ዘጉልሕን መብዛሕትኦም ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ዝኣተዎ ከም ዝኾኑን፣ ርኡይ ቁጽሪ ስደተይናታት ድማ ብሰንኪ ዘይተረጋገጸ ወይ ዘይምህላው ሕጋዊ ኩነታት ንመስጎግቲ ተቓላዕቲ ኮይኖም ከም ዘለዉን እዚ ተቓላዕነት እዚ እቲ ትራምፕ ን20 ሚልዮን ሰባት ዒላማ ክኸውን ዝኽእል ጃምላዊ ምስጓግ ንምፍጻም ዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ እቲ ሰነድ የስተብህል።
ጓሳዊ ጻውዒት ርህራሄ
እቶም ፈረምቲ እቲ ጸብጻብ ፖለቲካዊ ልመና ተገይሩ ከይሕሰብ ድማ ኣጠንቂቖም፣ ኩሉ ምስጓግ ዘይፍትሓዊ እዩ ዝብል እውን ኣይኮነን። የግዳስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ብዘይ ኣፈላላይ ዝግበር ዘሎ ጸቕጥን ዓሚቝ መንፈሳውን ዝምድናውን ሳዕቤናት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንኽግንዘቡ ዝድርኽ ጉስነታዊ ጻውዒት ምዃኑ ኣብሪሆም።
ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ማእከላይ ርድኢታት፣ መብዛሕትኦም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወይ ንኽስጎጉ ዝተቓልዑ ስደተይናታት፣ ብሓቂ ካብ ሓሙሽተ እቶም ኣርባዕተ ክርስቲያን ምዃኖን ዘመላኽት ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ንገለ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሕልናኦም ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ዘሰንብድ ጸብጻብ ኮይኑ፡ እቶም ኣዝዮም ንሓደጋ ምስጓግ ዝተቓልዑ ርሑቓት ጓኖት ዘይኮኑስ ኣመንቲ ብጾቶም ምዃኖም ዘይግንዘቡ ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ ካብዚ ከምዚ ዓይነት ሸለልትነት ንኽላቐቑ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ እቲ ጸብጻብ ብውልቃዊ ተክለ ሰብነታዊ ጉዳያት ዝድገፍ ጭብጥታት ብኣሃዝ ትንተና ዝህብ፣ ካብ ክልቲአን ካቶሊካውያንን ፕሮቴስታንት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መላእ ሃገር ዝተወሰደ ከም ዝኾነን፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዓሰርተ ክልተ ክርስትያን ሓደ ንሓደጋ ምስጓግ ተቓላዒ እዩ ወይ ድማ ምስ ሓደ ተቓላዒ ዝኾነ ሰብ ከም ዝነብር ይገልጽ። እዚ ድማ ንኣተገባብራ ህዝባዊ መመሓደሪ ጉዳይ ስደተይናታት ዝምልከት ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ ቀጥታዊ ንጉስነታዊ ጉዳይ ዝምልከት ስክፍታ ከም ዝኸውን እቲ ጸብጻብ ብኣጽንዖት ከም ዝሓበረ የመላኽት።
ንሕግን ፍትሕን ምሕረትን ሚዛን ምሃብ
እቲ ጸብጻብ መንግስታዊ ስልጣን ምኽባር ዝብል ዝተዋህበ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ኣፍልጦ ብምሃብ (ሮሜ 13)፣ ብዝኾነ ኣብ ሕጊ ጉዳይ ስደተይናታት ፍትሕን ርህራሄን ዘጠቓለለ ሚዛናዊ ኣቀራርባ ክህሉ ይጣበቕ።
ምስጓግ ሓደ ካብቲ ሕጊ ንምትግባር ዝሕግዝ መንገዲ ምዃኑ ኣብያተ ክርስቲያናት ይሙግታ፣ እንተኾነ ግን እቲ እንኮ ወይ ኩሉ ግዜ እቲ ዝያዳ ስነ - ምግባራዊ ዝኾነ መንገዲ ኣይኮነን። ንብዙሓት ስደተይናታት ናብ ሕጋዊ ደረጃ ንምስግጋር ዘኽእሉ ተግባራዊ ዝኾኑ ኣማራጺ ስርዓት ምሕደራ ኣለዉ፡ እዚኦም ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዕ ብዕቱብ ክሕሰበሎም ከም ዝግባእ እቶም መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝኸትምዎ ሰነድ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጻውዒት ስጉምቲ
እቲ ብመራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተኸተመ ጸብጻብ፣ ኣመሪካውያን ክርስትያን ኣብዚ ናይ ዘይርጉጽነትን ፍርሕን ህሞት ዘለዎም ተራ ክምርምሩ ብትሪ ተማሕጺኑ፣ ወንጌል ዮውሓንስ ምዕ. 13, 35 ብምውካስ ንሓድሕድካ ምፍቃር ናብ ጭቡጥ ተግባራት ክትርጎም ዘለዎ ቀንዲ ምልክት ደቀ መዛሙርቲ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ኣብ ቅድሚ መከራ ብፍላይ እቲ ስቓይ ንብጾቶም ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ክጸልዎም ከሎ ክርስትያን ማሕበረሰብ ክጽልዩን ክጣበቑን ክዋስኡን ጻውዒት የቕርብ።