ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዚምባብወ ኣብ ሞንጎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው፣ ፍትሕን ተሓድሶን ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እታ ቅድሚ ረቡዕ ሓሙኽሽቲ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ስርዓተ ኣምልኾ ምጅማር ዓቢይ ጾም ሒደት መዓልታት ናይ ዚምባብወ ጉባኤ ጳጳሳት፣ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ 21 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዓቢ ህዝባዊ ዕዳ ኣብ እትጻወረሉ ዘላ እዋን፣ እቲ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ ሰፊሑ ብዘሎ ምግባረ ብልሽውናን፡ ምዕጻው ዓበይቲ ትካላትን ሰፊሕ ክሳራ ስራሕን ተጋዲዱ፣ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ ዝያዳ እናዓበየ ይኸይድ እውን ምህላዉ ኣብቲ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የመላኽቱ።
ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ኣውጅ
“ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር ክሰብኽ ለኣኸኒ” (ሉቃ 4፡19) ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዛምቢያ ጉባኤ ጳጳሳት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ ኣብ መንፈሳውነት እቲ ‘ነጋድያን ተስፋ’ ዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዝገበረ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ኮይኑ፣ እቶም ጳጳሳት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ናይ ኢዮቤል መትከላት ተወኪሶም፣ እዚ ድማ ዕዳ ምስራዝ፣ ማሕበራዊ ፍትሕን ምምላስ ክብሪ ውጹዓትን ዘጉልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ እዚ ነቲ ዜጋታት ዚምባብወ ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሕዝን ክውንነት ዘጉልሕ እውን ከም ዝኾነን፣ ልዑል ጾር ዕዳ እታ ሃገር ንልምዓት ብቐጻሊ የተዓናቕፍ ከም ዘሎን፣ ብኣህጉራውያን ትካላት ቍጠባ ዝሕንጸጽ ልዕሊ ዓቐን ወለድ ንዚምባብወን ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ኣብ ቁጠባዊ ጊልያነት ኣእትዩወን ከም ዘሎ ኣምሪሮም ይዛረቡ።
ከፋፋሊ ፖለቲካ ትኹረት ዝሰርቕ እዩ
እቶም ጳጳሳት ነቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ምፍዋስ ዕዳ ወሳኒ ስጉምቲ ክውሰድ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም፣ ኣብ ቃልሲ ዝርከባ ሃገራት ካብ ዑደት ድኽነት ክወጻ ዘኽእለን ዓለማዊ ቁጠባዊ ጽገናታት ክካየድ ኣተሓሳሲቦም። ኪኖ ቁጠባዊ መዓት፡ ዚምባብውያን ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ ዛኑ - ፒኤፍ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥርን ይቃለሱ ኣለዉ። ዓመጽ ኣለዓዒልካ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ጋዜጠይና ብለስድ ምህላንጋ ምእሳሩ፡ ስግኣት ፖለቲካዊ ዓፈና ዝያዳ ኣዕሚቑዎ ከም ዘሎ ድማ ኣመላኺቶም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ንርእሰ ብሔር ኢመርሰን ማናንጋግዋ "ንሳልሳይ ግዜ" ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል ንምግባር ዝብል ሓሳብ ምግምማዕ ብዝመልኦ ህዝባዊ ክትዕ ተዓብሊሉ ከም ዘሎን፣ እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ኣብ ሕብረተሰብ ጋግ ፈጢሩ ከም ዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝንባል ኣቓልቦ ካብ ከም ድኽነት፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ብልሽውናን ዝኣመሰሉ ተኣፋፊ ሃገራዊ ጉዳያት ከም ዘስግል ብዓቢይ ጓሂ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።
ሓቀይና ሃገራዊ ለውጥን ተሓድሶን
ጳጳሳት ዚምባብወ ኣብ መልእኽቶም ብተወሳኺ፣ ብልሽውና ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሐ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ቁጠባ ከምዝኣተወ እውን ኣጒሊሖም፣ መብዛሕቲኡ ህዝቢ ክሳቐ፣ ውሑዳት ሃብቲ ከኻዕብቱ ዘኽእል ስርዓተ ምሕደራ ዝፈጥረሎም ከቢድ ስክፍታ ብምግላጽ፣ “ንሃገር ዘድምዩ ምግባረ ብልሽዋት ዘይነቅፍን ካብኡ ሓሊፉ እውን ተሸለምቲ ዝገብር ኣካይዳ ዘሎ እዩ ዝመስል፣ ነዚ ብድሆታት እዚ ንምስጋር ድማ እቶም ጳጳሳት፣ ሃገራዊ ሓቀይና ንስሓን ለውጥን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ዚምባብወ ካብ ውልቃዊ ለውጢ ንላዕሊ፣ ፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ንምድንፋዕ ኣብ ኣተሓሳስባ፡ መምርሕታትን ትካላዊ መሓውራትን ሓባራዊ ለውጢ የድልያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መንግስቲ ካብ ምስራዝ ፍርዲ ሞት ዝረኸቦ ቅሳነት
መግንስቲ ካብ ናይ ሃገር መቕጽዒ ሕጊ ነቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝፈቕድ ዓንቀጽ ምስራዙ ንኢዶም፡ ክብሪ ሰብኣዊ ምኽባር ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ ስጉምቲ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ይኹን እምበር ኣብ ምሕደራን ሕብረተሰብን ፍትሓውነትን ማዕርነትን ግብረ ገባዊ ኵለንተናውነትን ንምምላስ ዝያዳ ስራሕ ከምዘድሊ ኣጉሊሖም፣ ዚምባብወ ኣብዚ ቅዱስ ወቕቲ ዓቢይ ጾም ኣብ እትኣትወሉ ዘላ እዋን፡ እቶም ጳጳሳት፣ ኩሎም ምእመናን ብዛዕባ ዓሚቝ ትርጉም ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከስተንትኑ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓመት ኢዮቤል- ይቕሬታን ምሕዳስን ፍትሕን
መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኢዮቤል ናይ ይቕሬታን ተሓድሶን ፍትሕን ግዜ ምንባሩ ጳጳሳት ዚምባብወ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ንህዝቢ ኣዘኻኺሮም - እዚ ድማ ንእዋናዊት ዚምባብወ ኣዝዩ ዘድልያ ራእይ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፣ “ብመንፈስ ዓመት ኢዮቤልን ዓቢይ ጾምን፡ ሓቀይና ለውጥን ሓቀይና ተሓድሶን . . . ለውጢ ልቢ፡ ለውጢ ኣገባባትን ለውጢ ባህርን ክህሉ ንጽውዕ፣ ሓቀይና ለውጢ ኪኖ ውልቃዊ ፍርሃተ እግዚኣብሄር ናብ ሕብረተሰባዊ ጽገና ዝሰፍሕ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስተብሂሎም፣ ቀንዲ ጽምብል ዝኽሪ መበል 12 ዓመት ሕርያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 13 መጋቢት ኣብ ሃራረ ክካየድ ከም ዝኾነን፣ ኣብ ዚምባብወ ዝርከቡ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ኣብ ሰበኻታቶምን ተልእኾኦምን ንዝኽሪ መበል 12 ዓመት ሕርየት ቅዱስ ኣቦና መደባት ጸሎት ክሰናድዉ ተላብዮም፣ ዚምባብወውያን ቁጠባዊ ጸገማትን ፖለቲካዊ ዘይርጉጽነትን ማሕበራዊ ምፍልላይን ኣብ ዝጻወሩሉ ዘለዉ እዋን፡ መልእኽቲ ጳጳሳት ክብሪ ንምምላስ፡ ንበደል ንምምካትን ኣብዚ ፈታኒ እዋን ሓቀይና ‘ነጋድያ ተስፋ’ ንምዃን ጻውዒት ስጉምቲ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።