MAP

2025.03.03 ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ባንኮክ፥ ምእመናን ከም ነጋድያን ተስፋ ውፉያት ንተሓድሶን ኣገልግሎት ወንጌልን  2025.03.03 ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ባንኮክ፥ ምእመናን ከም ነጋድያን ተስፋ ውፉያት ንተሓድሶን ኣገልግሎት ወንጌልን  

ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ባንኮክ፥ ምእመናን ከም ነጋድያን ተስፋ ውፉያት ንተሓድሶን ኣገልግሎት ወንጌልን

ናይ ታይላንድ ርእሰ ከተም ባንኮክ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዛቪየር ቪራ ኣርፖንድራታና ብወግዒ ሓዋርያዊ መንበሮም ከም እተቐበሉ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ባንኮክ ናይ ሃገራት እስያ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣባይቲ ዝሓቁፍ ናይ ፈደርላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ መንበር እውን ከም ዝኾነት ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እብቲ ብወግዒ መንበሮን ንኽቕበሉ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ መላእ ታይላንድ ዝተዋጽኡ ካህናት ጳጳሳትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምመናንን ከም ዝሓበሩን፣ ብጀካ ካቶሊካውያን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ታይላንድን (ቡድሃ፡ እስልምና፡ ክርስትና፡ ብራህማኒን-ሂንዱን ሲክን) ወከልትን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላት እውን ከም እተረኸቡ ኢካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ኣብ ታይላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ብራያን ዌልስ ብስም ቅድስቲ መንበር ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ "እዚ ዘሐጉስ ኣጋጣሚ ንቤተ ክርስቲያን ታይላንድን ንርእሰ ሰበኻታት ባንኮክን በረኸት እዩ” ብምባል፣ ንቤተ ክርስቲያን ታይላንድ እቲ ኣጋጣሚ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ሊቀ ጳጳሳት ኣርፖንድራታና ንድኻታትን ዝተገለሉን ዘለዎም ተወፋይነት ንኢዶም፣ እዞም ሓድሽ ዝተመዙ ሊቀ ጳጳሳት ባንኮክ ነቲ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ርእሰ ሰበኻታት ንኽመርሑ ንዝሓረይዎም ቅዱስ ኣቦና ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ ኣብዚ እግዚኣብሔር ዝጸወዖም ኣገልግሎቶም ድማ ደገፍ እግዚኣብሔርን ጸሎት ምመናንን ከም ዘይፍለዮም ርግጸይና ምዃኖም ኣብ ሰዝምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ “ብፍላይ ኣብዚ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ እቲ ዝተዋህቦም ሓዋርያዊ ሓላፍነት ክጅምሩ ዓቢይ ጸጋ” እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣስተንትኖ ሊቀ ጳጳሳት ኣርፖንድራታና

ሊቀ ጳጳሳት ኣርፖንድራታና ሓዋርያዊ መንበሮም ብወግዒ ቅድሚ ምቕባሎም ምስ ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣባይ እምነት ኣሕዲሮም፣ ነዚ ሓድሽ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ክሰምዩኒ ኣዚየ አመስግኖም። ነዚ ስምየት እዚ ድማ ኣብ መለኮታዊ ሓልዮትን ደገፍን እየ ዝቕበሎ - ምስ በሉ - ምእመናን ንጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መዓልታዊ ክጽልዩ ድማ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ናብ ዝተወለድኩሉ ርእሰ ሰበኻታት ባንኮክ ብምምላሰይ ሕጉስ እየ: እዚ ንዓይ ገዛይ እዩ . . . ናብቲ ቅድሚ 44 ዓመት ማዕርገ ክህነት ዝተቐብልሉ ሃገረ ስብከት ምምላሶም ዘሕደረሎም ሓጎስ ገሊጾም፡ “Omnia Facio Propter Evangelium - እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘለኹ”  ዝብል፣ ካብ 1ቆሮ 9፡23 ዝተወስደ ቃል ናይ ኤጲስቆጶሳዊ ኣገልግሎቶም መርሕ ቃል ክኸውን ድማ ከም ዝሓረዩ ገሊጾም፣ ነዚ መርሕ ቃለ ወንጌል ብምሕቋፍ ንወንጌላውነት ዘለዎም ተወፋይነት ዘረጋግጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድሚኦም ዝንነበሩ ካርዲናል ሚካኤል ሚቻይ ኪትቡንቹን፣ ካርዲናል ፍራንሲስ ኻቪየር ክሪንግሳክ ኮቪታቫኒጅን ዓሚቝ ኣድናቖቶም ብምግላጽ፣ ብፍላይ ካርዲናል ፍራንሲስ ዛቪየር ክሪንግሳክ ኮቪታቫኒጅ 12 መደበራት ተልእኾ ንምቛም ዝወሰድዎ ተበግሶ ብምንኣድ፣ ምስ ማሕበር ተልእኾ ታይላንድ ብምትሕብባር ድማ ክዓዩ ምዃኖም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቶም ካህናትን ምእመናንን ክብደት ናይቲ ሓድሽ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ኣፍልጦ ሂቦም፣ "ኣነ ዝበለጸ ከምዘይኮንኩ እፈልጥ እየ፡ እንተኾነ ግን ርእሰ ሰቨጃታት ባንኮክ ሓቀይና ማሕበረሰብ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክኸውን፡ ሓድሽ ስብከተ ወንጌል ክእውጅ ምሳኹም ብምትሕብባር ዝከኣለኒ ክገብር እየ" ከም ዝበሉን፣ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ኣርፖንድራታና ምእመናን ኣብ ትሕቲ ነጋድያ ተስፋ ብዝብል መርሕ ቃል ተመሪሖም ተሓድሶ ክሓቍፉ ኣተባቢዖም፣ብጸሎት፣ ብንግደት፣ ብተግባራት ምጽዋትን ዕርቅን እምነትና ነሐድስ” እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም። ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓንቲ ብሕብረት እትመላለስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ራእይ ብምድጋም ኣገዳስነት ሲኖዳውነት እውን ኣስሚሮም፣ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓንሳብ ክንመላለስ፣ ብልቢ ንሓድሕድና ክንሰምዕ ይጽውዑና ኣለዉ። ድሌተይ ምስማዕ’ዩ – ንመንፈስ ቅዱስ፡ ንሕዋተይ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ገዳማያንን ገዳማውያትን ዓለማውያንን – ብትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተመሪሕና፡ ብእምነት፡ ብሓጐስን ብድሆታትን እናሰገርና ሓቢርና ክንመላለስ፡ ነቲ ሓጐስ ዝመልኦ ብስራት ወንጌል ናብ ኩሉ ከነብጽሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ምሻሞም ሊቀ ጳጳሳት ኣርፖንድራታና ሓዋርያዊ መስተናብር ባንኮክ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝጸንሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዛቪየር ዝተወልዱ ኮይኖም፡ ብ1981 ዓ.ም. ብናይ ሽዑ ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ሚቻይ ኪትቡንቹ ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ንኡስ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምኽትል ሓለቓን፣ ዋና ኣመሓዳሪ ማእከል ትምህርተ ክርስቶስ ሃገረ ስብከትን፣ ጸሓፊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ታይላንድን ሓዊሱ ኣብ ጉስነትን ስነ ሕንጸትን ትምህርትን ከም ዘገልገሉ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ሳሌዝያን ሮማ ብስነ ሕንጸት መንእሰያትን ትምህርተ ክርስቶስን ሊቕነት ከም ዘመስከሩን ኣመላኺቱ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ፈለማ ብ1662 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ባንኮክ ቆይሙ፣ ንልዕሊ 122,000 ካቶሊካውያን ዘገልግል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብላጺ ህዝቢ እታ ሃገር ሰዓብቲ ሃይማኖት ብድሃ ኣብ ዝኾነላ ታይላንድ 0.9 ሚእታዊት ጥራይ ዝሽፍን እዩ። 11 ዞብታት ዝሽፍን ሽዱሽተ ርእሰ ዕቁባን ሃገረ ስብከታት ማለት ቻንታቡሪ፡ ቺያንግ ማይ፡ ቺያንግ ራይ፡ ናኮን ሳዋን፡ ራትቻቡሪን ሱራት ታንን ዘጠቓልል እዩ።

ሊቀ ጳጳሳት ቪራ ኣርፖንድራታና ነዚ ሓድሽ ተልእኾ ኣብ ዝጅምሩሉ ዘለዉ እዋን፡ እምነትን ሓድነትን ማሕበረሰብ ካቶሊክ ንምሕያል ከም ዝጽዕሩን፣ ዓሚቝ ጉስነታዊ ልብን ቅንኣት ስብከተ ወንጌልን ዘለዎ መሪሕነቶም ኣብ እምነትን ተስፋን ከም ወንጌላውን ደቀ መዛሙርቲ ሓባራዊ ጉዕዞን ንዝተሰረተት ቤተ ክርስቲያን ታይላንድ ሓድሽ ምዕራፍ ዘመልክት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

Photogallery

ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ባንኮክ፥ ምእመናን ከም ነጋድያን ተስፋ ውፉያት ንተሓድሶን ኣገልግሎት ወንጌልን
04 Mar 2025, 16:22