ኣብ ቤኒን ዝርከቡ ካህናት ቤተ ክርስቲያኖም ገዛእ ርእሳ ክትኽእል ይዋፈሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኮቶኑ ኣብ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ቤኒን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቤኒን ሃገራዊ ማሕበር ካህናት፣ ነቲ ዕለት 30 ጥሪ ዝተመጸ ሓድሽ ኣካል መርሕነት ሓላፍነት ኣብ ናይ ምርካብ ስነ - ስርዓት፣ ናይ ቤኒን ጳጳሳት ወኪልም ናይ ቤኒን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ከም ዝተረኽቡ ዜና ቫቲካን ናይ በኒን ሃገራዊ ማሕበር ካህናት ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሱ ይሕብር።
ክህነታዊ ሕውነትን ኣስተንትኖን ምዕባይ
ቅድሚ 56 ዓመታት ዝተመስረተ ማሕበር ካህናት ቤኒና (UCB) ኣስታት 1200 ካህናት ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ኩሎም መበቆሎም ካብ ቤኒን ኮይኖም፣ ኣብ ዓሰርተ ሃገረ ስብከታት እታ ሃገር ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘገልግሉ እዮም።
“ቀንዲ ተልእኾ እቲ ሃገራዊ ማሕበር ካህናት ቤኒን፥ ሕውነት ካህናት ምዕባይ” ዝብል ምዃኑ ነቲ ማሕበር ንኽመርሑ ዝተሓረዩ ኣባ ሁበርት ኬዶዊደ ሓላፍነቶም ኣብ ዝተረከብሉ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣዘኻኺሮም፣ ይኹን እምበር እቲ ማሕበር “ኣብ መንጎ ካህናት ብዛዕባ ብድሆታት ተልእኾ ክህነት ዝስትንተነሉ” እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ማሕበር በብዓመቱ ብደረጃ ዞባ ይኹን ብሃገር ደረጃ ምስ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ዝተኣሳሰር ጉዳያት ንምዝታይ ከም ዝእከብ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ናይቲ ሃገራዊ ማሕበር ካህናት ቤኒን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ሃገራዊ መርሕነት ኣካል ከም ዝሕድሱን እቲ ሓድሽ ፈጻሚ ኣካል ዕለት 30 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ዝተመርጸ ኮይኑ፣ እቲ ኣብ ናቲቲንጎ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ሃገራዊ ማሕበር ካህናት ቤኒን፣ ኣብቲ ናይ ዕለት 30 ጥሪ ዝተኻየደ መረጻ ነቶም ናይቲ ሃገራዊ ማሕበር ካህናት ቤኒን ዋና ጸሓፊ ኮይኖን ዘገልገሉ ኣባ ሁበርት ኬዶዊደ ከም ዝመረጹን፣ ናይ ቤኒን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት (CEB) ነቲ ዝተኻየደ ናይ መረጻ ስነ ስርዓትን ዝተመርጸ ሓድሽ መርሕነትን ኣፍልጦ ብምሃብ ከም ዘጽደቖን፣ ናይቲ ማሕበር ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣባ ፓትሪክ ሳቢ ኪሳን ሓላፍነቶም ንሓድሽ ዝተመርጹ ኣባ ሁበርት ኬዶዊደን ከም ዘረከቡ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ርእሳ እትኽእልን ኣብ ርእሳ እትተኣማመንን ቤተ ክርስቲያን ምሕናጽ
ኣብዚ ስነ - ስርዓት እዚ ንጳጳሳት ቤኒን ወኪሎም ዝተሳተፉ ናይ ቤኒን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣቡነ ኤሪክ ኦክፔይትቻ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ኣበርክቶ ናይቲ ንሓድሽ ዝተመርጸ ኣካል ሓላፍነቱ ዘረከበ ፈጻሚ ኣካል ኣጒሊሖም፣ “ለይትን መዓልትን ብተሌፎን ይኹን ኣብ ጎደናታት ዝተፈላለያ ሃገረ ስብከት ቤኒን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ውፉያት ብምዃን ዞባውን ሃገራውን ጉባኤታት ካህናት ብምውዳብ፣ ሃገራዊ ማሕበራት ውሉደ ክህነት ቤኒን ህያው ንምግባር ዝሰራሕኩም” እንክብሉ ንዒዶም፣” ነቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ኣካል ድማ ሰናይ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ብስም ጳጳሳት ቤኒን ከም እተመነዩ ማሕበር ካህናት ቤኒን ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብጹዕነቶም ናይ ቤኒን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብቲ ማሕበር ዘለዎ ትጽቢታት ድማ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።
ናይ ኮቶኑ ሜጥሮጶሊታ ናይ ቤኒን ቤተ ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሮጀር ሆንግቤድጂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ናቲቲንጎ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ማሕበር ካህናት - UCB ዝሃብዎ ትኹረት ከዘኻኽር እፈቱ፣ ብዛዕባ ኣድላይነት ካህናት ቤኒና ኣብ ጎኒ ጳጳሳቶም ኮይኖም ኣብ ምህናጽ ስምርትን፣ ርእሳ ዝኸኣለት ቤተ ክርስቲያን ልእኽትን ውፊትን ዝህቦ ኣገልግሎት ዝምስገንን ዝነኣድን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።
ንካህናት ኣብ ጸዋዕታኦም ምድጋፍ
ትጽቢት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ቤኒን ብምግንዛብን ምስ ዝመርሖ ፈጻሚ ጉጅለ ብምትሕብባር፣ "ንኣድማዒ ኣሰራርሓ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤኒን፣ ምስ ጳጳሳት ብሓባር" ክሰርሕ ቃል ብምእታው፡ ሓድሽ ልኡኽ ሃገራዊ ማሕበር ካህናት - UCB፣ ክንክን ጥዕና ካህናት ንምምሕያሽ እውን ዕላማ ኣለዎ።
እቲ ሓድሽ ፈጻሚ ኣክል፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበር “ኩሉ ምስ ሕውነት ዝተኣሳሰር ጉዳያት” ንምሕያል ዝዓለመ ኮይኑ፣ እዚ ድማ “ነቶም ዝኽሪ ክህነቶም ዘብዕሉ ወይ ዝዓረፉ ካህናት ንምዝካር” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ምስ ጳጳሳቶም ጸገማት ዘጋጥሞም ወይ ዘለዎም ካህናት ጉዳይ ሞንጎይና ኮይኑ ክሽምግልን ክመያየጥን ሓሳብ ብምቕራብ” እውን ዘገልግል ከም ዝኾነን እዚ ተወፋይነት እዚ፣ ኣብ ቤኒን ጽንዓትን ርእሳ ዝኸኣለት ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ዝዓለመ፣ ቀጻሊ ተወፋይነት ንተልእኾኦምን ንማሕበረሰቦም ንምሕያልን ዝዓዪ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር ሕውነት ካህናት ቤኒን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።