MAP

2020.03.23 Preghiera in famiglia 2020.03.23 Preghiera in famiglia 

ኣብ ስድራ ቤትና ዘሎ ጕድኣት ሓዲጉባ ክኸይድ ንሕደጎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንወርሒ ንመጋቢት ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ይቕረታ ናይ ምግባር ጸጋ ብምርካበ ስድራ ቤታት ነቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዝህቦ ፈውስን በረኸትን ምእንቲ ኪረኽባ ኽንጽሊ ይዕድሙና ።

ብኣባ ግራንት ቶንጋይ - ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንወርሒ መጋቢት ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ምእትንቲ እተን ኣብ ቅልውላው ዘለዋ ስድራቤታት ዝምልከት ኢዩ። እተን እተበታተና ስድራ ቤታት ብይቕሬታ ፈውሲ ኺረኽባ ስለዝኽእላ ምእንትኣተን ንጽሊ። ስድራ ቤታት ነቲ ዝወረደን ጕድኣት ብምሕዳግ ነቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዝሃቦ ውህበት ከስተውዕላ እውን ንጸሊ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ስድራቤትና ዝሃበና እተፈላለየን ብዙሕን በረኸት ንኸነለሊ በዚ ጸሎት እዚ ተዓዲምና ኣሎና። ነቲ ኣብ ስድራቤትና እንረኽቦ በረኸት ከነስተብህለሉ እንኽእለሉ ሓያል፣ ኣምላኽ ናይ ይቕሬታ ጸጋ ኺህበና ብምሕታት ምዃኑ ኽንምርምር ውን ንዕደም ኣሎና። በዚ ጸጋ እዚ ኣቢልና ብሓገዝ ኣምላኽ፣ ከምቲ ኣምላኽ ገና ሓጥኣን እንከሎና ዘፍቅና፣ ንሓና ውን ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ክንቅበል ንኽእል ኢና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ዘውጽእዎ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ዝተሰምየ ሓውርያዊ ምዕዳኖም ብዛዕባ ስድራቤት ኣብ ዝገብርዎ ኣስተንትኖ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነዛ ወርሒ እዚኣ ዘቕረብዎ ሓስብ ጸሎት ክንግንዘቦ ዝከኣል ኢዩ። ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ናይቲ ሓውርያዊ ምዕዳኖም፣ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13 ዚርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ዘመልክቶም ዘደንቕ ናይ ፍቕሪ ዝማሬታት፣ ንስድራ ቤታት ብኸመይ ከም ዜመልክት ከስተንትኑ ይርከቡ። ቅዱስ ጳውሎስ ፍቕሪ ኸም ዘይትሓርቕን ጌጋታት ከም ዘይትገብርን ውን ይገልጽ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስድራ ቤታት ንድኽመታትን ጕድለታትን ካልኦት ተሪር ምላሽ ዘይምሃብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ውን የስተንትኑ። ጕድኣት ኣብ ልብና ሱር ኪሰድድን ኪዓብን ክንሓድጐ የብልናን። ሰብ ስለ ዝዀንና ካልኦት ብፍላይ ከኣ ኣባላት ስድራ ቤትና ኺጐድኡና ኸለዉ ሓያል ተሪር ምላሽ ክንህብ ንኽእል ኢና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ግን ንቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ፣ እዚ ጕድኣት እዚ ኣብ ልብና ሱር ክሰድድ ክንሓድጎ ከም ዘይብልና ይምዕዱ። ኣብ ኩራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንፍስወከፍ መዓልቲ ቕድሚ ምዝዛማ፣ መዓልታዊ ዜጕህየና ነገራት እኳ እንተ ሃለወ ንስድራ ቤትና ሓድነትና ኽንገልጸሎም ክንጽዕር ከም እንኽእል ውን ኣመልከቱ።

ነዚ ንምግባር ግን ካበይ ኢና ብርታዐ እንረክብ እንኽል? ይቕረ ንምባል ብርታዐ ኻበይ ኢና እንረክብ? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ኽንምርምር ይዕድሙና። ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና እዛ ፍቕሪ እዚኣ ግን ፈጺማ ኣይተቋርጽን እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣባና ኽሳዕ ክንደይ ዓማቝ ምዃና ኸነስተንትን እንተ ኽኢልና፣ ንኻልኦት ከም ፍቍራት ሓጥኣን ጌርና ንኽንርእዮም ውን ጸጋ ይወሃበና ኢዩ። ንርእስና ብርሕራሐ ምስ እንርኢ፣ ንኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤትና እውን ብርሕራሐ ክንርእዮምን ክንቅበሎምን ንኽእል ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ቅዱስ ጳውሎስ ፍቕሪ ትዕገስን ትልውህን ንጌጋታት ውን ኣብ ግምት ኣይተእቱን ኢያ ክብል ዝኸኣለ።

ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ነታ ይቕረ እትብለልና ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክንጥዕማ ምስ ቅዱስ ኣቦና ኮይና ንጸሊ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ኣብ ውሽጥና ዓዕሚቛ ክትኣቱ ንፍቀደላ፣ ነቶም ኣብ ስድራ ቤትና ዘለዉ ኣባላት ነቲ ኣምላኽ ብእኦም ኣቢሉ ዝህበና ውህበት ኣስተውዒልና ይቕረ ንኽንብለሎም ኣምላኽ ኪሕግዘና ንልምኖ።

05 Mar 2025, 13:46