ፓትርያርክ ፒዛባላ ፦ “ይቕረታ ኻብቲ ዓመጽ ዝመልኦ ቃላት ጽልኢ ይሕይል”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዘመነ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒዛባላ ናይታ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽትለ ቤተክርስቲያን ኢየሩሳሌም ፓትርያርክ፣ ንክርስትያን ምእመናን ናብቲ ማእከል በዓል ትንሳኤን፣ ምንጪ ተስፋ ዓለምን ዝኾነ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ውግእን ስስዐን ዓመጻን እንውከሎ መስቀል ክርስቶስ ኣቢሎም ኪጥምቱ ተማሕጸንዎም።
ብፁዕ ካርዲናል ፓትርያርክ ኢየሩሳሌን ኣብቲ ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ሰብ እቲ "ናይ ሕሰምን ጽልእን ዘረባ፣ ናይ ድርቅና ዘረባ ከምኡውን ናይ ቅምን በቐልን ዘረታት፣ ንኣምላኽ ካብቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢሉ ዝገብሮ ናይ ዕርቲ ተግባር ክዓግቶ ከም ዘይክእል" ክግንዘብ ከም ዘለዎ ቢሎም ብምግላጽ - ሰላም ንዓኻ፣ እቲ እንኮ ተስፋን ዝኾንካ መስቀል! በሉ።
ሓድሽ ዕድል
እቲ ኣብ ጐድኒ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ምድረ-በዳ ኣብ እንሙከረሉ፣ ውህበት ጸጋን ይቕረታን ናይ ምርካብ ወትሩ ሓድሽ ኣጋጣሚ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።
ፓትርያርክ ፒዛባላ "እዚ ነቶም ሓያላትን ጥበበኛታትን ናይዛ ዓለም እዚኣን ናይዚ ግዜና ዕሽነትን ዝመስል ቃል መስቀል የድልየና ኢዩ" በሉ። እዛ ቃል ተስፋ እዚኣ "ዓለማዊ መለክዒታት ብምፍራስ መገዲ ተስፋን ሰላምን ከም ብሓድሽ ክትከፍት እተኽእል እንኮ ቃል እያ። ነዚ በቲ ብኸቢድ መገዲ መስቀል እንመሃሮ እኳ እንተ ዀንና፣ እቲ ህያብን ይቕረ ምባልን ዜምጽኦ ሓድሽ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ፣ ሰብኡትን ኣንስትን መንእሰያትን ዓበይትን ስድራ ቤታትን ቈልዑን ኣተሓሳስባኦምን ኣረኣእያኦምን ብምሕዳስ ኪመላለሱ ድሉዋት ኢዩ ዝገብሮም። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና ብዛዕባ መጻኢ ሰላም ተስፋ ኽንገብር እንኽእል።"
ሰላምን ዕርቅን
ብፁዕ ካርዲናል ፒሳባላ ነቶም ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ናይ ስምዒት ዛንታታት ንኸንብቡን ከምኡ ውን ናብቲ ጐይታ ዝሓለፎ ቦታታት ቀራንዮን ጐልጐልታን ንኽበጽሑን ግዜ ክረኽቡ ዓደምዎም።
ዕርቂ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ምግልጋል ጥራይ ምዃኑ ውን ኣዘኻኸሩ።
"እቲ ዝወሃበና ጸጋ ስሒራዊ ህያብ ኣይኰነን፣ የግዳስ ክንቕበል ክንምስክር ብህይወት ክንነብር ከምኡውን ክንካፈሎ ኣሎና" በሉ። ስለዚ ዅላትና ካህናት ምእመናን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ ቃልን ኣገልግሎትን ዕርቂ ናብ ዓለም ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ይሰምዓና።"
ኣብ ምልክት እቲ ዝተንስአ ጐይታ
ክርስትያን ምእመናን ምስ ኣምላኽ ክዕረቑ ኸለዉ ምስ ነንሓድሕዶም ንኽዕረቑን፣ ነቲ ዕርቂ ንዅሎም ደቅሰብ ንከካፍሉን ዓሚቝ ስምዒት ክስምዖም ኣለዎ" ውን በሉ።
ምእመናን ከም ስድራ ቤት መጠን ብሓባር ክጾሙን ክጽልዩን ውን ዓደምዎም፣ እዚ ኸኣ ካብ ስስዐ ዝመልኦ ሓልዮት ሓራ ምስ ዘውጽእን ንኻልኦት ዘድልዮም ነገራት ከም እንፈልጥ ምስ ዝገብረናን ውህበት ክፍጸም ከም ዝኽእል ኣመልከቱ።
"ነዚ ብምሕረት ኣምላኽ እተዋህበና ግዜ ኣይነባኽኖ" ብምባል ውን ጻውዒት ኣቕረቡ። "እዚ ካልእ ጾም ኣይኰነን - እንተ ደሊና ግን ፍልይ ዝበለ ወይ ሓድሽ ጾም ክንገብሮ ንኽእል ኢና! እዚ ቅዱስ ግዜ እዚ ማለት ዓመተ ኢዮቤል፣ ዘመነ ምጽንናዕን ዕርቅን ናይዛ ሃገርና ክኸውን ይኽእል ኢዩ" ብምባል መልእኽቶም ዛዘሙ።
ፍራንዝ ፓቶን - 'ጽልኢ ሞትን ጥፍኣትን ኢዩ ኣምጺኡ'
ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ስፍራን ንብረትን ዓቃቤ ዝኾኑ ክቡት ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት፣ ነቲ ንክርስትያን ምእመናን ንቅድስቲ መሬት ዓመታዊ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዘወፍይዎ መባእን ኣበርክቶም ኽገብሩ ዝዕድም ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
እቲ ውግእ ኣብቲ ኸባቢ ዘስዓቦ ስቓይ ሞትን ዕንወትን ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎ ጽልኢ ኣዘኻኸሩ።
ክቡር ኣባ ፓቶን ኣብ መልእኽቶም ከምዚ ይብሉ - "ብዙሓት ስድራቤታት ብዘይ ስራሕ ተሪፈን ኢየን፣ ንደቀን ናብ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ ወይ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ሕክምናዊ ኽንክን ንምግባር ድማ ይቃለሳ ኢየን ዘለዋ።" ኣስዒቦም ድማ “ብዙሓት መንእሰያት ሰብ ሓዳር ስድራቤት ንምምስራትን ቈልዑ ናብ ዓለም ንምውላድን ዝነበሮም ትምኒት ናብ ካልእ ግዜ ከመሓላልፉ ተገዲዶም ኣለዉ" ክብሉ ነቲ ዘሎ ኩነታት ገለጹ።
ጻውዒት ንልግሲ
ነቶም ኣብ ኣብያተ-መቕደሳትን ኣብ እተፈላለየ ማሕበራዊ ስራሓትን ዚሕግዙ መምህራንን ተሓባበርትን ደሞዝ ንምኽፋል ከምኡውን ነቲ ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠነ ናህሪ ዋጋታት መነባብሮ ንምጽዋር ስለ ዘጸገሞም፣ ነዚ ቕልውላው ንምቝጽጽር እታ ቅድስቲ መሬት ከም ዘይከኣለት ውን ኣመልከቱ።
ክቡር ኣባ ፓቶን ኣስዒቦም "ይኹን እምበር ሳላ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናን፣ ምሳና ብዘለዎም ሓድነት እተጋህደ መለኮታዊ ሓልዮት ሓያሎ ቝጠባዊ ተስፋታት ክንፍጽም ክኢልና ኢና፣ እዚ ኸኣ ብናይ ግብረ ሰናይን ትካላትን እዩ ዝካየድ ዘሎ" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት ንዝገብርዎ ወፈያ፣ ነቶም ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክዝክርዎም ጻውዒት ኣቕረቡ።
"ንሕና በታ ኣድማሳዊት ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ንመቕደሳት እታ ቕድስቲ መሬትን፣ ነቶም ኣባኡ ዝነብሩ ክርስትያን ምእመናንን እንከናኸን ካህናትኩም ከይርስዑና ኣተባብዓኩም ኣሎኹ" በሉ።