MAP

ናይ ናይጀሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሉሲዩስ ኢወይሩ ኡጎርጂ ናይ ናይጀሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሉሲዩስ ኢወይሩ ኡጎርጂ 

ጳጳሳት ናይጀርያ ኣብ እዋን ሮሞዳን ኣብ ገለ ሰሜናዊ ዞባታት ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ምዕጻው ውሳነ ይቃ

ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብገለ ኣመሓደርቲ ሰሜን ናይጀርያ ኣብ እዋን ሮሞዳን ኣብ በብግዝኣታቶም ኣብያተ ትምህርትን ኩሉ ስነ ትምህርታዊ ንጥፈታትን ንሓሙሽተ ሰሙን ክዕጸዉ ዝወሰድዎ ውሳነ ስክፍታኦም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብገለ ኣመሓደርቲ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እዋን ሮሞዳን ንሓሙሽተ ሰሙናት ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ዝተመሓለፈ ውሳነ ንሰናይ ሂወት ተማሃሮ ኣስላም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብተን ግዝኣታት ንዝነብሩ ክርስትያን ተማሃሮ እውን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

መንግስታውን ውልቃውን ኣብያተ ትምህርቲ ዝሃስይ ውሳነ

ማዕከናት ዜና ናይጀርያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዝገለጸኦ፣ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ባውቺ፣ ካትሲና፣ ካኖን ከቢን፣ ኣብ እዋን ሮሞዳን ኣብያተ ትምህርቲ ክዓጽዋን ኩሉ ስነ ፍልጠታዊ ንጥፈታት ንሓሙሽተ ሰሙን ደው ከብልን ድሌቶም ንህዝቢ ኣፍሊጦም። ብጀይካ ካኖ፣ ግዝኣታት ካትሲና፣ ከቢን ባውቺን ካብ ሽዑ ጀሚረን ኩለን መንግስታውን ውልቃውን ኣብያተ ትምህርቲ ንመላእ ወርሒ ሮሞዳን ክዕጸዋ መምርሒ ከም ዝሃባ ክፍለጥ እንከሎ፣ “እዚ ንተማሃሮ ኣስላም ጥራይ ዘይኮነስ ንተማሃሮ ክርስትያንን ብክርስትያን ዝውነና ኣብያተ ትምህርትን ዝጸሉ ውሳነ፣ ብዛዕባ ዓለማዊ ባህሪ ሃገርናን መሰል ኩሎም ዜጋታትን ከቢድ ሕቶታት ዘለዓዕል ምዃኑ፣ ኣብቲ ብኣቦ መንበር ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ናይጀርያ (CBCN) ሊቀ ጳጳሳት ሉሲዮስ ኡጎርጂን ዋና ጸሓፊ ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቡነ ዶናቱስ ኦጉን ክታትሞም ዘንበርሉ መልእኽቲ፣ መሰል ኩሎም ናይጀርያውያን፡ እምነቶም ወይ ባህላዊ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ውሕስነት ምሃብ መሰረታዊ ምዃኑ ገሊጾም፣ “ቤተክርስትያንን መንግስቲ ናይጀርያን’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ “መንግስቲ ናይጀርያ ዘይሃይማኖታዊ እዩ፣ እዚ መትከል ተራ ኣዋጅ ኣይኮነን፤ ንኹሉ መዳያት ሃገራዊ ሕይወትና ክመርሕ ዘለዎ መትከል እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ደጊሞም ኣብ ዝኸተውምዎ መልእኽቲ የዘኻኽሩ።

ኣብ ዓለም ዝለዓለ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾኑ ህጻናት

እቶም ጳሳት “ብፍላይ እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዘሎ ድሮ ዘሰክፍ መጠን ካብ ትምህርቲ ዝርሕቑ ህጻናት ዓቢ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ሻቕሎቶም ገሊጾም፣ ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን፣ ናይጀርያ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ቁጽሪ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾኑ ህጻናት ዘለዋ ሃገር ኮይና፣ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህጻናት ናብ ትምህርቲ ከም ዘይከዱ ክፍልፈጥ እንከሎ፣ እዚ ውሳነ እዚ ነዚ ቅልውላው ዘጋድዶን ኣብቲ ዞባ ውጽኢት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝግበር ጻዕሪ ዘዳኽምን ጥራሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ጣልቃ ቅድሚ ምእታዉ እቶም ጳጳሳት “ኣመሓደርቲ ናይተን ዝተጎድኣ ዞባታት ነዚ ውሳነ ዳግማይ ክምርምሩን መሰልን ናጽነትን ኩሎም ዜጋታት ዘኽብር ኣማራጺ ከናድዩ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ክርስቲያንን በርገሳውያን ማሕበራትን ንልምዓት

ማሕበር ክርስትያን ናይጀርያ (CAN)፣ ግዝኣታት ባውቺ፡ ካትሲና፡ ካኖ፡ ከቢ ኣብ እዋን ሮሞዳን ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ዝወሰድኦ ውሳነ ኮኒኑ። ብደረጃ ዓለም ከም ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ኣስላም ሃገራት - እስልምና ማእከላይ ዝኾነለንን ሮሞዳን ብዕምቆት ዝኽበርን - ንሙሉእ ናይ ጾም ግዜ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘይዓጽዋ ገሊጹ። "ኣብ ክንድኡ፡ ትምህርቲ ምስ ሃይማኖታዊ ልምዲ ንምምዛን መደባት የመዓራርዩ፡ ሰዓታት የሕጽሩ ወይ ተዓጻጻፍነት ይህቡ" እንክብል ኣቦ መንበር ማሕበር ክርስቲያን ናይጀሪያ ዳንኤል ኦኮህ ከም ዝገለጸን፣ ክርስትያናት ጥራይ ኣይኮኑን ነቲ ምዕጻው ዝቃወሙ ዘለዉ፣ ሳሃራ ሪፖርተርስ እተሰምየ ንተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኦሞየለ ሶዎረ ብምጥቃስ፡ ስለምንታይ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ኣብ ትምህራዊ ንጥፈታት ጣልቃ ክኣቱ ይፍቀደሉ ኣሎ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። ሃገራዊ ማሕበር ተማሃሮ ናይጀርያ፡ ሰሜናዊ ግዝኣታት ውሳኔኦም እንተዘይሰሪዘን፡ ብደረጃ ሃገር ተቓውሞ ከምዘካይድ ምዃኑ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ናይጀሪያ ጠቒሱ የመላኽት።

05 Mar 2025, 16:29