MAP

ዜና ካብ ምብራቕ - 28 ለካቲት 2025 እተላእከ ዜና

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን እተላእከ ዜና፣ ተኸተልቲ ሥርዓተ ግዕዝ ዝኾኑ ክርስቲያን ጾመ 40 ከም ዝጀመሩን፣ ዓቢይ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ንሳልሳይ ዓመት ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብምልካት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን የመልኽት።

ኣባ ተወልደ መራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምጅማር ጾመ 40

ዝሓለፈ ሰኑይ እተን ስርዓተ ግዕዝ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኤርትን ጾመ ዓርብዓ ጀሚረን። ምእመናን ናይዘን ኣብያተ ክርስቲያን ካብ ካልኦት ክርስቲያናዊ ሥርዓታት ንላዕሊ ን55 መዓልታት ዝኣክል ካብ ኵሉ ዓይነት ፍርያት እንስሳታት ብምሕራም ጽኑዕ ጾም ኢዮም ዘካየዱ። እዚ እዋን ጸሎትን ጾምን እዚ በዓለ ፋሲካ ብምኽባር ኢዩ ዝዛዘም፣ እዚ በዓል እዚ ኸኣ ንትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍሉይ መንገዲ ዘኽብር ክብረ በዓል ኢዩ።

ሳልሳይ ዓመት ውግእ ዩክረይን

ነቲ ሩስያ ብዕለት 24 ለካቲት ንሃገረ ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ዝወረራሉ ሳልሳይ ዓመት ንምዝካር፣ እቶም ዓቢይ ሊቀ-ጳጳሳት ናይ ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ናብ ምእመናን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየዱሉ ዝነበሩ ምስ ዩክረይናውያን ካህናትን ከምኡውን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኣመሪካን ተራኺቦም። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ድማ ነቶም ምስ ሃገረ ዩክረይን ወተሃደራታን ሲቪልዊ ሓይልታታን ደው ዝበሉ ሰባት ምስጋናኦም ገለጹሎም፣ ምእመናን ድማ ብተስፋ ክጸንዑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

 

03 Mar 2025, 15:48