ሞንጎላውያን ኢዮቤል ተስፋ የብዕሉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 29 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ሞንጎልያ ኡላንባታር ካቴድራል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ፣ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብኽብሪ ዝኸፈቱ ካርዲናል ማረንጎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣
ተሓድሶን ዳግማይ ልደትን
ኣብ ቅዱስ ዓመት ሕንጸት ምእመናን ቀጻሊ ትኹረት ንጥፈታት ከም ዝኸውንን፣ እዚ እውን ናይ ምሉእ 2025 ዓ.ም. ትምህርተ ክርስቶስ ሕመረት ከም ዝኸውን ኣብሪሆም፣ "ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ከመይ ገርና ከም እንረክብ መብርሂታት ዝሓዘ ጽሕፋት ከም እተዘርገሐን፣ ነቲ ኩላትና ክንገብሮ ንፍትን ዘለና ናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ሓቀይና ትርጉም ዘጉልሕ ኮይኑ፣ ምልዋጥ ብቀጻሊ ምንጻሕ ልቢ ዝብገስ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ንጸጋ ኢዮቤል ንምቕባል ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ፍቕርን ግብረ ሰናይን ምዃኖም ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።
መደብ ንግደት
ምመናን ሞንጎሊያ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናብ ሮማ ንኽነግዱ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ - እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ነዊሕ ርሕቐትን ዝሓቶ መጻኢታትን ዝፈጥሮ እኳ እንተኾነ፣ "ጸጋታት ኢዮቤል ኣብ ዘለናዮ ስለ ዝበጽሓና፣ ምስ መዓልታዊ ህይወት ብዝተኣሳሰር ተበግሶታት፣ ጸሎትን ሓልዮትን ምሕረትን ኣቢልና ክነብሮ ኢና” ምስ በሉ፣ ኪኖ እቲ ምእመናን ናብ ካቴድራል ኡላንባታር ክገብርዎ ዝኽእሉ ንግደት፣ ብፍላይ ንመንእሰያት ዝዓለመ ኣብ ተስፋ ዘማእከለ መደባት ህንጸት ኣብ ትሽዓተ ቁምስናታት ክቐርብ ምዃኑ ይሕብሩ።
ኣጠማምታ ማርያም
ኣብ ኡላንባታር ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ኣጠማምታ እኖ መንግስተ ሰማይ ዝተበገሰ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ እዚ መጸውዕ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ መንጎልያ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን፣ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ዘሎ ዓቢይ ናይ መጉሓፊ ስፍራ ብሓንቲ ካቶሊካዊት ዝተረኽበትን ኣብ ካቴድራል ሓዋርያዊ መስተናብር ዝተነብረን ንእሽቶ ሓወልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝሃብዎ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ምእመናን ንቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም እኖ መንግስተ ሰማያት ገዛእ ርእሶም ከወፍዩን በማላድነታ ጸሎት ከዕርጉን ብዛዕባ እኖ መንግስተ ሰማያት ዝምልከት መደባት ህንጸት ክቐርብ ምዃኑ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።