MAP

FILES-MYANMAR-CONFLICT-MSF FILES-MYANMAR-CONFLICT-MSF  (AFP or licensors)

ኣብ ሚያንማር ሓደ ማእከል ሓውርያዊ ጉስነት ተደብዲቡ

ኣብ ሃገረ ሚያንማር ኣብ መንጎ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ውጥረትን ውግእን፣ ዕጡቓት ሰራዊት በርም ንሓደ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ምያንማር ዝርከብ ካቶሊካዊ ማእከል ሓውርያዊ ጉስነት ብደብዳብ ቦምብታት ኣዕንዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ወተሃደራት ምያንማር ንሓደ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ካቺን ዚርከብ ካቶሊካዊ ማእከል ሓዋርያዊ ጉስነት ብደብዳብ ቦንብታት ኣዕንዮም ክብል ዜና ቫቲካን የመላኽ።

ብመሰረት እቲ ፊደስ እተሰምየ ኣገልግሎት ቫቲካን እተዋህበ ጸብጻብ፣ እቲ ኣብ ገጠራት ናን ሃሊንግ ኣብ ሰበኻ ባንማው ዚርከብ ካቶሊካዊ ማእከል ሓዋርያዊ ጉስነት ቅዱስ ሚካኤል፣ ብዕለት 3 መጋቢት ሰራዊት በርም ብዝፈጸሞ ደብዳብ ቦምብታት ተወቒዑ ዓነወ። እዛ ቤተክርቲያን እዚ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ ታሪኽ ኣለዋ ኢያ ዝነበረት ።

ሓጋዜ ቆሞስ እዛ ቤተክርስቲአይን ዝኾኑ ኢየሱሳዊ ካህን ክቡር ኣባ ዊልበርት ሚረ ንኣገልግሎት ዜና ፊደስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ሓሙሽተ ከበድቲ ቦምብታትን ክልተ ናይ ኣየር ቦምባታትን ኣብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያኖም ህንጻ ኸም ዝወደቐን፣ ነቲ ህንጻ ድማ ከም ዘይነበረ ከም ዘዕነዎን፣ እንተዀነ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ከም ዘየጋጠመ ኣመልኪቶም።

ኣብ ግዝኣት ካቺን ዝነብሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጥቓ ኸተማ ባንማው ስልጣን ዝሓዙ ስርዓታውያን ሰራዊትን ቀቢላታት ካቺንንዝ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብርቱዕ መከራ ኢዩ ዝወርዶም ዘሎ ።

እቲ ኣብታ ሃገር ርእሰ-ውሳነ ንምግባር ዝቃለስ ዘሎ ሰራዊት ናጽነት ካቺን (KIA) ሓደ ኻብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ንጡፋት ዝዀኑ ብሉጻት እተወደቡ ቀቢላታት ሚሊሽያ ኢዩ፣ ኣንጻር እቲ ገዛኢ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሥርዓት ድማ ኢዮም ዝቃለሱ ዘለዉ።

ቀጻሊ ወጥርን ግጭታትን

ኣብ ግዝኣት ካቺን ሰራዊት በርም ካብ መብዛሕትኡ ኽሊ እቲ ዞባታት ኺርሕቕ ስለ እተገደደ፣ ኣብ ብረታዊ ቃልስን ኣብ መጥቃዕቲ ኣየርን ድማ ኢዩ ዝውከል ዘሎ።

ብመሰረት እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ምንጭታት ከም ዘመልክቶ፣ ብሰንኪ እቲ ንባንማው ንምቍጽጻር ዚግበር ቀጻሊ ቓልሲ መብዛሕትኦም ተቐማጦ እታ ኸተማ ሃዲሞም እዮም፣ 20,000 ተቐማጦ ጥራይ ከኣ ኣባኡ ተሪፎም ዘለዉ።

እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ኣብቲ ንድሕነት ዘድሊ ነገራት ብቐሊሉ ዘይርከበሉ ዱርን ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከባ ኣቝሻትን ኢዮም ተዓቝቦም ዘለዉ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ቅድሚ እቲ ብ2021 እተገብረ ዕልዋ እውን ከይተረፈ፣ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምያንማርን (KIA) ድሮ ኣስታት 120,000 ሰባት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ ኣሎ።

እቲ ውግእ እናገደደ ስለ ዝኸደ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ከኣ ካብቲ ኣብ ሰበካ ባንማው ዚርከብ ዓሰርተ ሰለስተ ቍምስናታት ንትሽዓተ ቍምስናትት ጸልይዎም ኣሎ፣ እዚ ድማ ቍጽሪ ስደተኛታት ከም ዝውስኽ ጌርዩ ይርከብ።

ዕንወት እዃ እንተ ሃለወ፣ እምነቶም ግን ድልዱል ኢዩ ዘሎ

ክቡር ኣባ ሚረ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ጸብጻብ ንምሃብ ኤለክትሪክን ኢንተርነትን ዘለዎ ቦታ ንምርካብ ናብ ርሑቕ ቦታ ክኸዱ ከም ዘለዎም ውን ኣመልከቱ።

"ካብ ወርሒ ሓምለ 2024 ኣትሒዙ ኤለክትሪክን ኣገልግሎት ተሌፎንን መሳለጥያታትን ኣብቲ ከባቢና ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ኢዩ ዘሎ" ብምባል ውን ይገልጹ።

እዞም ኢየሱሳዊ ካህን ኣብዚ መጥቃዕትታት እዚ ምዉታት ብዘይምህላዎም ድማ ዘለዎም ምስጋና ገለጹ፣ እንተዀነ ግን "ኣብዚ ቦታ እዚ ዘለዉ ሰባት ብህይወት ንምንባር ይቃለሱ ኢዮም ዘለዉ፣ ከመይሲ ኣብያተ-ትምህርቲ ሕክምናታት ወይ ማእከል ንግዲ የብሎምን" ብምባል ውን የጠንቕቑ።

ደድሕሪ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ እውን ከይተረፈ "እቶም ምእመናን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ከዕቍቦም ብምምፃን ይጽልዩ ኢዮም ዘለዉ። ቈልዑን መንእሰያትን እውን ከይተረፉ ይዝምሩ ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ዋልታን ከለላን ኪዀኖም ይልምኑ ኣለዉ።"

ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምጽናሕ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ኣእዋም ኢዮም መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርጉ።

"መከራን ጸበባን እኳ እንተበዝሓና እምነትናን መንፈስናን ግና ድልዱል ኢዩ ዘሎ" በሉ።

እቲ ዝዓነወ ካቶሊካዊ ማእከል ሓዋርያዊ ጉስነት ኣብ ሚያንማር
እቲ ዝዓነወ ካቶሊካዊ ማእከል ሓዋርያዊ ጉስነት ኣብ ሚያንማር   (AFP or licensors)
07 Mar 2025, 13:42