ሓለፍቲ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ኣፍሪቃ፥ ጻዕርታት ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት የሐድሳ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ ክርስቲያን ናይ ድሕነትን መንፈሳዊ መምርሕን ግብረ ገባዊ መሪሕነትን ክትከውን ትጽቢት ስለ ዝግበረላ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህስያ ዘይስነ - ምግባራዊ ኣካይዳ ከምኡውን ምጥሓስ ሰብኣዊ ክብረት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ ዕቝባ ቘልዑን ተነቐፍቲ በጽሕታትን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ወሳኒ ጕዳይ ምዃኑ፣ ኣብቲ “ኣብ ምሕላው ህጻናትን ተቓላዕቲ በጽሕታትን ንቕሓት ምፍጣር፡ ኣረኣእያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተካየደ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዋዕላ ከም እተመልከተን፣ እቲ ካብ ዕለት 24 ክሳዕ ዕለት 27 ለካቲት ኣብ ዳር ኤል ሳላም ዝተኻየደ ዋዕላ - ኣብ ቤተ - ክርስትያን ከም ኣገልግሎት ምክንኻን ምልክት ማህሰይቲ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ምክንኻን ምስ ግዳያት ማህሰይቲ ብሓባር ምስራሕ ብዛዕባ ሳዕቤናት ማህሰይቲ ናይ ወሲብ ዓመጽን ነዚ ጉዳይ እዚ ብማዕቅፍ ሕግን ሕገ ቀኖናን ኣብ ዝምልከቱ ካልኦትን ኣርእስታት ከም እተመያየጠ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሃይማኖታውያን መብራህቲ ተስፋ እዮም።
ብኣባላት ማሕበር ደናግል ብተወፋይነት ንኣገልግሎትን ጸሎትን ፍትሕን ከም ምልክት ጽንዓትን ጸጋን ኮይነን ደው ክብላን፣ ምእመናን ናብ ተስፋን መንፈሳዊ ምሕዳስን ዝሰረተ መጻኢ ክመርሓ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፣ ኣብዚ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፡ ተስፋ ስምዒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክብርን ድሕነትን ፍትሕን ንኹሉ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ መንጎና ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ዝኽበረሉ ዓለም ንምህናጽ ንጡፍ ተወፋይነት እውን ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከም እተሰመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ተሸከምቲ ብርሃን ኮይነን ብሓድሽ ትብዓትን ቆራጽነትን ክነብራ ከም ዘለዎም እቲ ዓውደ ጉባኤ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፣ “ዝገብርኦ ኩሉ ጻዕሪ ናይ ለውጢ ማዕበል ከም ዝፈጥር ኣስተውዒለን፣ ንኽብሪ ተቓላዕቲ ደው ብምባል ድማ መጋበርያ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔር ክኾና ከም ዘለወን” ክም እተሰመረሉ ኣፍሊጡ።
ቀጻሊ ስልጠናታት
እተን ኣሓት ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕቲ በጽሕታትን ዘለወን ሓላፍነት ንምርዳእ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ስልጠና እኳ እንተወሰዳ፡ ኣብዚ ናይ ምክልኻል ኣገግልግሎት ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ዝኣመሰሉ ቀጻሊ ስልጠናታት ክካየድ ከም ዘለዎ እውን እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣዘኻኺሩ፣ እዚ ድማ እቶም ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት እዋናዊ ሓበሬታ ንኽህልወንን ዝኾነ ሓድሽ ብሉጽ ልምድታት ንኽተኣታቶን መትከላት ምክልኻል ንምድልዳል ዝሕግዝ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ "ብተወሳኺ ንዝፍጠር ዝኾነ ስክፍታታት ንጹርን ተበጻሒን ኣገባብ ጸብጻብ ምፍጣርን በብእዋኑ ዝካየድ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ምግምጋም ተሓታትነት ዘረጋግሕ ከም ዝኸውን እውን ከም ዘነጸረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።