መልእኽቲ ዓቢይ ጾም ጳጳሳት ጋና፣ ተስፋ ኣብ ዓወት ክርስቶስ ከም ዝተሰረተ ንካቶሊካውያን የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳት ጋና ናይ እዋን ኣርብዓ ጾም ሓዋርያዊ መልእኽቶም ኣስተንትኖ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ መሰረት ገይሮም፣ ተስፋ ኣብ ዓወት ክርስቶስ ብጽኑዕ ከም ዝተሰረተ ንምእመናን ኣረጋጊጾም፣ ኣብ 40 መዓልታት ናይ ዓቢይ ጾም ጉዕዞኦም ነዚ መንፈስ እዚ ክሓቑፉ ንምመናኖም ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ሓላፊ ስምዒት ኣይኮነን
ሓቀይና ተስፋ ኣብ ሓላፊ ኩነታት ዘይኮነስ ኣብቲ ነቕ ዘይብል መሰረት ትንሳኤ ክርስቶስ ዝተሰረተ ምዃኑ ጉባኤ ጳጳሳት ጋና ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ ንኣመንቲ ሕዳሴን ሓይልን ዘምጽእ ምዃኑ ከም ዘብርሁን፣ “ኣብዚ ናይ ኢዮቤል ዓመት ተስፋ፡ መልእኽቶም፣ ፋሲካ ብዓብይ ሓይሊ ይቃላሕ። እዚ ዝቃላሕ ድምጺ፣ ተስፋ ሓላፊ ስምዒት ዘይኮነስ ኣብ ዓወት ክርስቶስ ዝተሰረተ ጽኑዕ መረጋገጺ ምዃኑ የዘኻኽረና። ኣብዚ እዋን ዓቢይ ይ ጾም ምእመናን ነዚ ርግጸይናነት እዚ ብተስፋ ክቕበሉ ዝገብርዎ ምድላዋት፣ ህይወቶም ይቕይርን፣ ነዚ ተስፋ እዚ ንኻልኦት ከካፍሉ ዘነቓቕሖም ምዃኑ ጉባኤ ጳጳሳት ጋና ኣብቲ ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ማቲው ክዋሲ ጂያምፊ ዝኸተምሉ መልእኽቶም የረጋግጹ።
“ኣብ ማእከል እቲ ንጋና ዘጋጥማ ዘሎ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማትን ብድሆታትን፣ ዘለኣለማዊ ተስፋ ትንሳኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹላትና የሰንየና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ መከራ ህልው እዩ
ዓቢይ ጾም ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ኣብ መከራ እውን ከይተረፈ ህልው ምዃኑ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘዘኻኽር ናይ ተስፋ ወቕቲ እዩ። ብመስዋእትን ንስሓን ዝልለይ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ወቕቲ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ኣብ ክርስቶስ ዝርከብ ተስፋ ዘመልክት ኮይኑ፣ ዓመት ተስፋ ኢዮቤል ዘደልድሎ ከም ዝኾነን፣ ምመናን ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መብጽዓ ድሕነትን ሓድሽ ሕይወትን ክውከሉ ድማ ተላብዮም፣ ካቶሊካውያን ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝነብርሉ እዋን፣ ነቶም ዝተገለሉ ብምድጋፍ፣ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ምጽንናዕ ብምሃብ፣ ኣብዛ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽን ብጸገምን ዝመልአት ዓለም ብህይወት መሰኻኽር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኮይኖም ብምግልጋል፣ ኣብ መዓልታዊ ተግባራቶም ተስፋ ዘንጸባርቑ ክኾኑ እቶም ጳጳሳት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
“እዚ ናይ ኢዮቤል ዓመት ተስፋ እውን ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም፣ ምድራዊ ቃልስና ግዝያዊ ምዃኑ፡ ናይ መወዳእታ ተስፋና ድማ ኣብ መብጽዓ መንግስተ ሰማይ ከም ዘሎ ዘዘኻኽረና ስለ ዝኾነ፡ ንኹላትና ብዛዕባ ተስፋ ዘለኣለማዊ ሕይወት ከነስተንትነሉ ይዕድመና። እዚ ኣረኣእያ እዚ ንኣመንቲ ዋላ ኣብ ቅድሚ ጸገማት ብዕላማን ብትብዓትን ብሓጎስን ክነብሩ የተባብዕ” ዝብል ሓሳብ ኣብ መልእኽቶም ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓቢይ ጾም፣ ጸጋ ዝመለኦ ወቕቲ
ጉባኤ ጳጳሳት ጋና ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፣ “ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዝንበር ብጸጋ ዝተመልአ ዓቢይ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቲ ንኹሎም ዝደልይዎ ምሕረት ኣምላኽ ዘዘኻኽር ምዃኑ የብርህ፣ “ክርስትያን ብጸሎት ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ይቐርቡ፣ ኣብ ህላዌኡ ተስፋ ይረኽቡ። ጾም ርእስኻ - ምግታእ ዝምህርን ንኣመንቲ ኣብ ኣምላኽ ጽግዕተይና ምዃኖም ዘዘኻኽርን ክኸውን እንከሎ፡ ምጽዋት ድማ ዝያዳ ፍትሓዊትን ርህሩህን ዓለም ናይ ምህናጽ ተስፋ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ብእንነብሮ ዓቢይ ጾም ኣቢልና ኣብ ማሕበረሰባት ክርስትና ዝረአ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ፍረን ብልጫን ክንርኢ ንጽሊ” ቢሎም፣ ኣብ መደምደምታ፣ እዚ ናይ ጾም ዘመን ምእመናን ኣብ ህላወ እግዚኣብሔር ክውከሉ መዘኻኸሪ ኮይኑ ከም ዘገልግል፣ ኣብ ሕይወት ኣዝዩ በዳሂ ህሞታት ከይተረፈ ከም ዘገልግል ኣጒሊሖም፣ ክርስትያን ምእመናን ብእምነትን ብኣገልግሎትን ንኻልኦት ተስፋ ብዝያዳ ብንጥፈት ክዝርግሑ ይግባእ፣ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።