ኣባ ፋልጣስ፥ ብዝሒ ኣብ ቓዛ ዝተቐትሉ ህጻናት ዘሰንብድ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ቓዛ ዳግማይ ዝተጀመረ ውግእ ብብዝሒ ዝሞቱ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብፍሉይ ዝልለ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣብ ቅድስቲ መሬት ምኽትል ዓቃቤ ቅዱሳት ስፍራ ቅድስቲ መንበር ኣባ ኢብራሂም ፋልጣስ እቲ ኩናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ንህጻናት ቓዛ ንምድጋፍን ካብ ሓደጋ ንምድሓንን ከይተሓለሉ ዘገልግሉ ብዛዕባ እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘስዕቦ ኩለ መዳያዊ መጉዳእቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
ኣብ ካልእ ኩናት ከምዚ ዝኣመሰለ ልዑል ሚእታዊት ሞት ህጻናት ኣይተራእየን። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ክትገልጹልና ትኽእሉ ዶ?
ኣብ ቓዛ ብዝሒ ስድራ ቤትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኣዚዩ ልዑል እዩ፣ ስለዚ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንማህሰይትን ሞትን ብቐሊሉ ዝቓልዑ ስለ ዝኾኑ። ብዝሒ ሞት ህጻናት ካብዚ ስነቐለ ክኸውን ይኽእል፣ ነቲ ኣብ ቓዛ ውሉዶም ዝቕተልዎም ወለዲ ዘጋጥሞም ስቓይ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ዘይጓድኡ ሰላማውያን ንጹሓን ሕጻናት ምቕታል ወዲ ሰብ ካብ ታሪክ ኺድምስሶ ዘይክእሎ በሰላ እዩ። ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ቘልዑ ዘሰምብድ ኢዩ። ነቶም ካብ ሓደጋ ሞት ዝተረፉ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ሓዲግዎ ዝሓልፍ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸቕጢ ከቢድ እዩ። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን እሱራትን ብዙሕ ኣይዝረብን እዩ። ካብቶም ግዳያትን ቍሱላትን እቶም ዝበዝሑ ድማ ሕጻናት ቆልዑ እያቶም። እዚ ብሓቂ ዘሕዝን ልብኻ ዝሰብርን ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ዘቕረቦ መረዳእታ ዘሰንብድ እዩ፣ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ክሳብ ሕጂ 15,613 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክሞቱ እንከለዉ፣ 33,900 ድማ ቆሲሎም። እቶም 876 ሓደስቲ ዝተወልዱ ዕሸላት ጥራይ እዮም፣ 4,110 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እያቶም፣ ይኹን እምበር ብዝሒ ህጻናትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዘኽታማት ዝኾኑ መረዳእታታት የለን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝኾነ ሓበሬታ ኣለኩም ዶ? ክንደይ ዘኽታማት ከም ዘለዉ ይግመት? ሕጂ ድማ መን ይከናኸኖ ኣሎ?
ኣስታት 20 ሽሕ ህጻናት ዘኽታማት ኮይኖም ከምዝተረፉ ግምታት ይሕብሩ። እቲ ቁጽሪ ልዑል እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እውን ክውስኽ ይኽእል፣ ምኽንያቱ ክንደይ ሬሳታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ከምዘለዉ ስለዘይፍለጥ። መብዛሕትኡ ግዜ ዓበይቲ ቈልዑ ነቶም ነኣሽቱ ኣሕዋት ከም ዝከናኸኑ፡ ሓላፍነት ናይ ሓደ ዓቢ ሰብ ከም ዝስከሙ ይንገር እውን። ብፍላይ ናይዚ ኲናት መዓት፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክብ ዘይምኽኣሉን፣ ውሑዳት ወለንተይናታት ጥራይ እዮም ናብ ቓዛ ዝኣተዉ፣ ስለዚ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኹሉ በቶም ውሑዳት ወለንተይናታት ኣቢልካ ከተቕርብ ድማ ዝከኣል ኣይኮነን።
ልዕሊ 200 ውጉኣት ወይ ዝሓመሙ ህጻናት ካብ ቓዛ ክወጹን ኣብ ኢጣሊያ ሕክምና ክረኽቡ ብምስ መግንስቲ ኢጣሊያ ብምትሕብባር ብምስሪ ኣቢሎም ኢጣሊያ ክኣትው ጌርኩም ኢኹም፣ ተመሳሳሊ ስርሒታት ክቕጽል ይኽእል ዶ?
ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም. ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 200 ህጻናት ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ሕክምና ሕክምና ክረኽቡ ክኢሎም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እውን እንተኾነ ሳላ እቲ ተኸቲሙ ዝነበረ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ካልኦት ህጻናት ካብ ቓዛ ብምስሪ ኣቢሎም ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ ተገይሩ እዩ። ኣብ ሕዳር 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድክዎ ርክብ፣ ምስ ብዙሓት ደገፍቲ ብምዃን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ከይዶም ነቶም ኣብቲ ቤት ህኽምና ዝርከቡ ሕጻናት ከም ዝበጽሕዎምን ምስ ወለዲ እቶም ሕጻናትን ዝኣልይዎም ሓኻይምን እውን ከም እተራኸቡ ሓቢሮም፣ መንግስቲ ኢጣልያ ነቲ ዕላማ ንምዕዋት መስመራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ብምትብባዕ እዚ ጉዳይ እዚ ክሳለጥ ገይሩ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ንመንግስቲ ኢጣሊያን ህዝብን ከመስግን እፈቱ፣ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ቓዛ ንዝመጹ ሕሙማን ህጻናት ምሉእ ኣገልግሎት ሕክምና ይህባ ኣለዋ፣ ዝርዝር ናይቶም ሕክምና ዘድልዮም ህጻናት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፣ ካብ ቓዛ ከተውጽኦም ቀሊል ኣይኮነን። ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ህይወት ናይቶም ድሮ ኣዝዮም በሰላ ናይቲ ውግእ ዘለዎምን ዝተሃስዩን ህጻናት ከድሕን ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ኢጣልያ ዘኽታማትን ኣብ ጸገም ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ህጻናት ንምእላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጎስጓሳት ኣበጊስኩም ኢኹም፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሳን ማሪኖ፡ ኣብ ኡምብሪያ እውን። ገለ ካብኣቶም ሎሚ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኮይኖም ኣለዉ። ሎሚ ተመሳሳሊ ስርሒት ክትጅምሩ ትሓስቡ ዶ? ድሮ ኣብ ኢጣልያ ኣንፈት ርክባት ኣበጊስኩም ዲኹም?
ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ውጥን ካብ ዝብገስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሳን ማሪኖ መበል 25 ዓመት ዘኪርና፣ እዚ ውጥን እዚ ብኣቡነ ፒየትሮ ሳምቢ፣ ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ዘበገስዎ እዩ። ኣብ መጀመርታ 2000 ዓመታት ኣብ ቅድስቲ መሬት ከቢድ ግጭትን ወጥሪን ዝነበሮ እዋን ዝተብገሰን ምስኡ ድማ ድልድል ጭቡጥ ምትሕግጋዝ ክንፈጥር ዘኽኣለናን፣ ብዙሓት ካብ ቤተልሄም ዝመጹ ህጻናት ብሳማሪናውያን ወለዲ ተኣንጊዶምን ተቐባልነት እውን ረኺቦም ኣብ ምዉቕ ስድራ ቤት ክዓብዩ ኪኢሎም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ተራኺበዮምን ብሓቅ ድማ ኣብ ጽቡቕን ርጉእን ኩነታት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጸ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሳን ማሪኖ ኮነ ኣብ ኢጣልያ እውን እንተኾነ ዘሎ ሕጊ ብዛዕባ ምርዓም ጽኑዕ እዩ። ዘኽታማት ቆልዑ ፍቕርን መጻእን ክህብዎም ብዝኽእሉ ኣባይቲ ስድራ ተቐባልነት ረኺቦም ክዓብዩ ምሕጋዝ ዓቢ ኣድላይነት ዘለዎ ሰብኣዊ ጉዳይ እዩ። እቲ መደብ ሎሚ እውን ዝከኣል ኮይኑ ክቕጽል ተስፋ ንግበርን ንጸልን!
በዚ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ብዝምልከት ዝክረ ነገር ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተራኺብኩምን ተዘራሪብኩምሉን ኢኹም፣ ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ሓሳብ ኣቕሪቦምልኩም?
ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዕለት 3፣ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ናብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ምእታዎም፣ ተራኺበ። ነቲ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ህጻናት “ንፍተዎምን ንሓልዎምን” ብዝብል ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ኣርእስቲ መርሕ ዝገበረ ብዛዕባ ህጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ጸዊዖምን ተኻይዱን እውን እዩ፣ ድሕሪ እቲ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣልያ ተቐባልነት ዝተገብረሎምን ካብ ዞባታት ኲናት ዝመጹን ህጻናት ተራኺቦም እዮም። ደቂ ቓዛ ብሕያዋይ ዓይኒ ዝጥምቶም ፈቃር ኣቦሓጎ ከም ዝረኸቡ ድማ ሓቢሮምኒ። ኣብተን ዓሰርተው ክልተ ዓመት ር. ሊ. ጵጵስናኦም ምስ ቅዱስነቶም ብዙሕ ግዜ ተራኺበ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብተደጋጋሚ ክራኸቦም ዕድላት ረኺበ እየ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኩነታት ቅድስቲ መሬት፣ ብዛዕባ ህይወት ህዝብን ብፍላይ ድማ እቶም ንኣሽቱን ይሓተኒ። ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ መጻኢ ወለዶታት ብዕምቆት ይግደሱ፣ ኣብ ዕብየትን ምዕባለን ህጻናት ዘማእከለ ምስ ራእይ ሓላዊ፣ ንቑሕን ፍትሓውን ኣቦነት ክህሉ ዘተባብዕ እዩ። ወትሩ ንህጻናት ብፍላይ ድማ ንትምህርትን ሰላምን ኣብ ዝምልከት ውጥናት የተባብዑኒ።
እቲ ኲናት ዝሓለፈ ሰሉስ ዳግማይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ህጻናት ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ለይቲ ጥራይ 130 ሕጻናት ተቐቲሎም። ካብ ቓዛ እንታይ ሓበሬታ ይበጽሓኩም ኣሎ?
እቲ ዘሕዝን ግን ድሮ እቲ ቁጽሪ ዝቕተሉ ሕጻናት ምውሳኹ እዩ። ኣጽዋር እንተዘይተዓጊቱ ዝያዳ ክውስኽ እዩ። ካብ ቓዛ ዝበጽሓኒ ሓበሬታ ብሓቂ ብዙሕ ዘረጋግእ ኣይኮነን። ዳግማይ ምጅማር እቲ ኲናት ኣዝዩ ከቢድን ሃንደበታውን እዩ ነይሩ። እዚ እዋን ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣገዳሲ ግዜ እዩ፣ ንኣስላም ወርሒ ሮሞዳን፣ ንክርስትያን ድማ እዋን ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ እዋን እዚ ሰባት ናይ ነንሕድሕዶም ስርዓታትን ቅዳሴን ትውፊትን ዘኽብሩሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ቅንያት እዚ ዝወሃብ ሓበሬታ ሞትን ጥፍኣትን ዝያዳ ልቢ ዝሰብር እዩ፣ ሞት ንጹሓትን ንጹሓንን ድማ ኩሉ ግዜ ኣዚዩ ዘሕምም እዩ።
ዕጫ እዞም ቆልዑ ዓቢ ድንጋጸ ዝፈጥር እዩ። ኣብዚ ኣብ ኤውሮጳ ነቲ ንስኹምን ካልኦት ከማኹምን ኣብ ፍልስጤም እተሳልጥዎ ክቡር ዕማም ንምድጋፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል?
ዓለም ንህጻናት ርህራሄን ለውሃትን ዘለዋ፣ መሰላቶም፣ መጻኢኦም፣ ኣገደስቲ ድሌታቶም ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ዝስምዓ ክትከውን። እዚ በቶም ሞትን ስቓይን ህጻናት ዘስዕቡ ሰባት ዝካፈልዎ ስምዒት ዘይምዃኑ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ናይቲ ቅድሚ 800 ዓመት ናይ ዝተበገሰ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ቦታታት ኣብ ናይ ምዕቃብ ተልእኾ ዘገልግል ካህን እየ። በዚ ተልእኾ መሰረት ድማ ንብዙሓት ድሌታት ስራሕ፣ ትምህርቲ፣ መንበሪ ገዛን ደገፍን ይቐርብ። ኣብዚ ዓመታት ብሰንኪ ኲናት፣ ቀጻሊ ወጥሪ፣ ለበዳን ዓበይቲ ጸገማት ኣጋጢሙና ኣሎ። ብሓልዮት እግዚብሔርን፣ ብገበርቲ ሰናይን ንህጻናት ንቅድስቲ መሬት ኣገልገልቲ ክንከውን ንሕገዝ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ ስቕለት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝፍጸም ስርዓተ ኣምልኮ ዝእከብ ምጽዋት ንናይ ቅድስቲ መሬት ሓገዝ ዝውዕል እዩ፣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ኩሉ ዝከኣሎ ክወፍይ እላበው. . . እቲ ክቡር ህያብ ሰላም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናት ምእንቲ ክበጽሕ፣ ብቐንዱ ኣብ ጸሎት ኩሉ ሰብ ንውከል። ቅዱስ ህጻን ቤተልሔም ነቶም ህጻናት ይሓልዎም፡ ይድግፎምን ፍሽኽታኦም ይሓሉ! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።