ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ ግዜ ዓቢይ ጾም ንፍትሓዊ ሰላም ክጽለይ ይዕድሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ረቡዕ ሓሙኽሽትን (ስነ ስርዓት መኽፈቲ ዓቢይ ጾም) ኣብ ምሉእ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዙርያ መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ተኣኪባ ንሰላም ክትጽሊ ምዃና ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ ዕለት 5 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የረጋግጽ።
ሰላም ንዩክሬንን ቅድስቲ መሬትን
ነፍሲ ወከፍ ኣባል “ምእንቲ ግዳያት ኲናት ንምጽላይን ካብ ጎይታ “ብፍላይ ኣብ ዩክሬንን ቅድስቲ መሬትን ፍትሓውን ዘላቕን ሰላም” ክጽለን፣ እንተወሓደ ነዚ ሓሳብ እዚ ዘማእከለ መስዋዕተ ቅዳሴ ክውደብ ምዃኑ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የመላኽት።
ጥዕና ር.ሊ.ጳ
ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ወሲኹ፣ “ንመላእ ኣህጉር ኤውሮጳ ናይ ሕብረት ተመክሮን ርኡይ ምልክት ተስፋን” ንምሃብ ‘ቅዱስ ቊርባናዊ ሰንሰለት’ ዘተባብዕን ኣብዚ ወቕቲ ጾም፣ “ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ብዝበለጸ ንምልላይን ኲናት ከብቅዕ ንእግዚኣብሔር እንልምነሉን እዋን ጸሎት፡ ጾምን ምጽዋትን እዩ” እንክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ፣ “ምእንቲ ንጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ክንጽለ ጻውዒትና ነሐድስ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ
ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ኣብ 1971 ዓ.ም. ናይ 13 ሃገራት ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣበ መናብርት ዝሓቁፍ ኮይኑ ዝተመስረተን ኣብዚ እዋን እዚ 39 ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ዝሓቍፍ ኮይኑ፤ ኣብ 45 ሃገራት ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝውክል እዩ።
እዚ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ፥ ኣብ ኤውሮጳ ንሓድሽ ስብከተ ወንጌል ተወፋይነት ዘለዎ ኮይኑ፣ ንኹሎም ኣብዚ ተልእኾ ዝሳተፉ መሓውራት ቤተ ክርስቲያን ደገፉ የቕርብ።
ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ህዝብን ማሕበረሰባትን ንምሕቋፍ ኣብ መላእ ኣህጉር እምነትን ሓቅን ወንጌል ንምምስካር ዝዓለመ ተበግሶታት የተባብዕ። ምስ ካልኦት ኣህጉራውን ኤውሮጳውን ትካላት ብመሰረት ክርስትያናዊ ኣረኣእያ እዚ ድማ ክብሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ከም እተፈጥረ ኣፍልጦ ዝህብ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ዓውድታት ኣብ ዝካየዱ ክትዓት ብንጥፈት ዝሳተፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።