MAP

2023.11.10 Dichiarazione Assemblea Vescovi 2023.11.10 Dichiarazione Assemblea Vescovi  

ጳጳሳት ኤውሮጳ፦ ዩክረይን እትገብሮ ቓልሲ 'ንመጻኢ ኣውሮጳን ዓለምን ወሳኒ እዩ'

ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንዩክረይን ንሕዝባን ምድጋፍ ኣድላዪ ምዃኑ ኣልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ሕብረት ኤውሮጳ ብ4 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ሃገረ ዩክረይን ንሰላም እትገብሮ ዘላ ቓልሲ "ንመጻኢ ኣውሮጳን ዓለምን ወሳኒ ኩነት ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ።

መልእኽቲ ጳጳሳት ሕብረት ኣውሮጳ ከም ዘመልክቶ ነቶም "ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት በቲ ሃገረ ሩስያ ዝገበረቶ ዘይርትዓዊ ወራር፣ ምሉእ ብምሉእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሕዝቢ ዩክረይን" ብቐጻሊ ከም ዝደገፍዎም ዘረጋግጽ ኢዩ ዝነበረ።

ድርህርት ዶባት ዝኾነ ጽሕፍቶ

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ነቶም ዝሞቱ ዝቘሰሉ ወይ ምእንቲ ሃገሮም ዝዋግኡ ዘለዉን ከምኡውን ነቶም ብሰንኪ እቲ ውግእ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ቀጻሊ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ውን ኣመልከቱ።

እዚ መግለጺ እዚ ነቶም ውሳነ ዝወሰዱ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዩክረይን ንህዝባ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰብኣዊ ፖለቲካዊ ቍጠባዊ ከምኡውን ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃቦም" ዘለዎም ምስጋና ይገልጹ።

እዞም ብፁዓን ጳጳሳት ንሓሳባቶም ጥራይ ዘይኰነስ፣ እቲ ንዩክረይን ኣጋጢምዋ ዘሎ ኩነታት ካብ ዶባታ ሓሊፉ ብኸመይ ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ ከም ዝህልዎ ውን ንምጕላሕ ወግዓዊ መግለጺ ኢዮም ዘመሓላለፉ።

ሓድሽ ምዕራፍ ውግእ

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ናይ ገሊአን ሃገራት "ጂኦፖለቲካዊ ሕልኽላኻትን ዘይተጸበይዎ ስጕምትን" ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ኣህጉር ኣውሮጳን ኣባላታን "ንዩክረይንን ንህዝባን ምድጋፍ ኣብ ዝገብርዎ ቘራጽነት ሓድነት ክህልወን" ጻውዒት ኣቕረቡ።

ደድሕሪ እቲ ሃገረ ሩስያ ዝኣወጀቶ ምሉ ወራር ዝኽሪ ሳልሰይቲ ዓመት፣ እዚ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳስት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነቲ መጥቃዕቲ "ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብጋህዲ ምጥሓስ ኢዩ" ክብል ጸውዖ፣ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ጨካን ተግባር ከኣ "ፍትሕን ተሓታትነትን ንምርካብ ከም ዝጠልብ" ገለጹ።

ሰላም ብከመይ ክመስል ኣለዎ?

እዚ ተሓታትነት እዚ ኣብ ዩክረይን ሰፊሕን ቅንዕናን ነባርን ሰላም ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። እዚ መግለጺ እዚ ብዓለምለኻዊ ሓድነት እናተደገፈ ከምኡውን ንሃገረ ዩክረይን ኣብ ምይይጥ ብምክፋል ጥራይ ኢዩ ኣብዚ ክብጻሕ ዝከኣል። ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ "ንሓቅነት እዚ መጥቃዕትታት እዚ ንምጥዋይ ንዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ ኣጽኒዖም ይኹንንዎ።"

ሰላም ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ፣ ስድራቤታት ዩክረይን እንደገና ንኽሓብራ ከምኡውን "ኣብታ ሉዓላውን ናጻን ሃገሮም ክብርን ድሕንነትን ናጽነትን ዘለዎ ህይወት ንኽነብራ" ዘኽእለን ኣድላዪ ሃዋህው ዝፈጥር ውን ክኸውን ኣለዎ።

እንተዀነ ግን እዞም ጳጳሳት ንመሰላት ኵሎም ማሕበረሰባት እንተላይ ነቶም ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝዀኑ ውሑዳን ማሕበረሰብ ውን ምጥባቕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም ኢዮም። እዚ ኽፍሊ ዳግመ ህንጸት ሃገረ ዩክረይን ክኸውን ኣለዎ፣ ከምኡውን "ሩስያ ኣብዚ ጻዕሪ እዚ ብዝግባእ ክትሳተፍ ኣለዋ" ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ብዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሓድነትን እተፈጥረ ሰላም ክኸውን ኣለዎ ።

እዞም ጳጳት ኤውሮጳ ንሃገረ ዩክረይን ኣባል ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ንኽትከውን "ኣብ ግዜኡን ፍትሓውን ብዝኾነ መገድን" ብምጽንባር ንቕድሚት ክትግስግስ ክገብሩ ካብ ምትብባዕ ድሕር ኣይበሉን። ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መግለጺኦም፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኸም መተባብዒ ወይ ከኣ "መልህቕ ሰላምን ርግኣትን ንጐረባብታን ንዓለምን" ኰይና ጸዋዕታኣ ንኽትቅጽል ዘለዎም ተስፋ ውን ይገልጹ።

ቤተክርስቲያን ኣብዚ ንዘመነጾም ንምጅማር ኣብ እትዳለዉ ዘላ እዞም ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ኣማላድነት ንግስተ ሰላም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምሕጻን ንዩክረይንን ኣውሮጳን፣ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕድሪ ኣወፍዮም።

05 Mar 2025, 13:54