MAP

ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዘተ ክካየድ ይላበዋ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዘተ ክካየድ ይላበዋ 

ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዘተ ክካየድ ይላበዋ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻርን ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ይላበዋ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብያተ ክርስቲያናት ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ቀዳማይ ምክትል ርእሰ ብሔር መራሒ ዓመጽቲ ነበር ሪክ ማቻርን ዝተራእየ ሓድሽ ምልዕዓል ውግእን ወጥሪን ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ዘጥሕል ልዑል ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ስክፍታአን ይገልጻ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ መራሕቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ምርጫ ብተደጋጋሚ ምስግጋርን፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንማቻርን ህዝባዊ ምንቅስቓስ - ተቓወምቲ ሓርነት ሱዳንን (SPLM-IO) እሙን ዝኾነ ምልሻ፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ላዕለዋይ ኣባይ ንዝነበረ መደበር ሰራዊት ብምሓዝ ሓያሎ ላዕለዎት ብጾት ማቻር ብሓይልታት ጸጥታ ምስ ተታሕዙ ኣብታ ሃገር ወጥሪ እናዓበየ ዝኸይድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ምንጭትት ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ጠቒሱ የመላኽት።

ዕለት 26 መጋቢት ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ማቻር

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ማቻርን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝኾነት በዓልቲ ቤቱን ዕለት 26 መጋቢት ዝተፈጸመ ማእሰርቲ፣ እታ ሃገር ናብ ብርቱዕ ወጥሪ ገጻ ተብል ከም ዘላ ዘርእይ ምልክታት ይቀላቐል ከም ዘሎን፣ ብፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እታ ሃገር ኣብ ጫፍ ዳግማይ ኲናት ሓድሕድ ትርክብ ኣላ እንክብል መጠንቀቕታ ከም ዘመሓላለፈ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ድሕሪ ጸብጻባት ምእሳር ማቻር፡ ሓላፊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኒኮላስ ሃይሶም፣ ኩሎም ወገናት ነቲ ካብ 2013 - 2018 ዓ.ም. ዝነበረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ብወግዒ ክብቅዕ ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ከኽብሩን ክድግፉን” ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ኣብያተ ክርስቲያን ንዘተ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ናብ ሓድሕድ ኩናት ዝድርኽ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ግብረ መልሲ ብምሃብ፣ ፍልልያት ንምፍታሕ ዘተ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪበን፣ "ፖለቲከይናታት ነቲ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ሓድነት ከዕብዩን ኣብ ሰላማዊ ዘተ ክዋፈሩ” ናይ ሰበኻ ዋው ጳጳስ መቲው ረሚጅዮ ኣዳም ግቢቲኩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ጠቒሱ የመላክት።

ቤት ምኽሪ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ደቡብ ሱዳን፣ ሱር ጠንቂ ናይዞም ግጭታት ንምልላይ "ዘይሻራዊ መርመራ" ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ ኣብያተ ክርስቲያናት ብተወሳኺ "ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምህላዎም ዘለዎም ስክፍታ" ብምግላጽ፣ "ጉዳያት ጸጥታ ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ጽምዶ ክፍታሕ፣ ሃገራዊ ልኡላውነትን ምርግጋእን ክኽበር" ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብ 2013 – 2018 ዓ.ም. ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን

ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2013 ዓ.ም. ዝተወልዐ ኮይኑ፣ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ዓ.ም. ካብ ሱዳን ናጽነታ ምስ ረኸበት ድሕሪ ክልተ ዓመት፣ ነታ ሃገር ብዓሌት መስመራት ዝተወደበት ኮይና ሓይልታት ኪር ብቐንዱ ካብ ጉጅለ ​​ዲንካ፡ ማቻር ድማ ካብ ኑኤር ደገፍ ዝረኽቡ ኮይኖም፣ እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሞት ሓደጋ ከም ዘቃለዐን፣ ሰፊሕ ምምዝባል ከም ዘስዓበን፣ እዚ ድማ ምርግጋእን ጸጥታን ሰላምን እታ መንእሰይ ሃገር ኣዝዩ ከም ዝሃሰየ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ግጭት ብወግዒ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ከም ዘብቀዐን፣ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ መራሕቲ ዝቕጽል ዘሎ ወጥርን ውዳበ ጸጥታዊ ጉዳያት ምሕደራን ዶባት ግዝኣታትን ዝፍጠር ዘይምርድዳእን እታ ሃገር ብቐሊሉ ንወጥሪ ዝተቓልዐት ክትከውም ከም ዝገበራን፣ እዝን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ደቡብ ሱዳን ንትግባረ መስርሕ ሰላም ዝያዳ የተሓላልኾ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ ላዕልዎት ኣካላት" ደቡብ- ሱዳናውያን ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብተወሳኺ፣ ኣብ ዘይምርግጋእ ኣበርክቶ ዝገብሩ ከባብያውን ቀቢላውን ግጭታት እውን ትሳቐ ከም ዘላን። “ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ዓመጽ ዘሰክፍ ተኣፋፊ ጉዳይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ግዝኣታት ዋራፕን ጆንግለይን ዘመተ ከብትን ኣብ ገለ ክፋል ኢኳቶርያ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ጓሶትን ዝፍጠር ግጭትን ሓዊሱ።”

ፍራንቸስኮ ንሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ተበግሶታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ሽግር ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘለዎም ስክፍታ ክገልጹ እንከለዉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ሓያሎ ጻውዒታት ሰላም ከም ዘቕረቡን ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ተበግሶታት እውን ክካየድ ከም ዝገበሩ ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ካብዚኦም እቲ ዕለት 23 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክካየድ ዝገበርዎ መዓልቲ ጸሎት ንደቡብ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከምኡ’ውን ዕለት 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ደጊሞም ዝጸውዕዎ መዓልቲ ጸሎትን፣ ብተወሳኺ "ር.ሊ.ጳ. ንደቡብ ሱዳን" ዝብል ዘበገስዎ ጎስጓስን፣ በዚ መደብ እዚ ዝተረኽበ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ኣብታ ሃገር ንዝካየዱ ውጥናት ጥዕና፣ ትምህርትን ሕርሻን ሓገዝ ከም እተዋፈረን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቀጺሉ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣንክግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ነበር ዌልቢን ብሓባር ንላዕለዎት ሰበስልጣ መንግስትን ቤተ ክርስትያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ሱባኤ ዓዲሞም፣ ኣብ መዓጸዊ እቲ ሱባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ንኽልምኑ እግሪ ርእሰ ብሔር ኪርን መወዳድርቱ ማቻርን ተንበርኪኾም ከም ዝሰዓሙን እዚ ድማ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ምልክት ትሕትና ንሰላም ከም ዝመስከሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 9 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ሊቀ ጳጳሳት ዌልቢ ምስ ናይ ሽዑ ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ መጋቤ ጂም ዋላስ ብምዃን ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ሓባራዊ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ኣብ መስርሕ ሰላም ዝተራእየ ምዕባለ ዕግበቶም ገሊጾም፣ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን፣ “ምሉእ ፍረ ናጽነት ከስተማቕር፣ ዝዓበየ ጻዕሪ" ምግባር ከምዘድሊ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ኩነታት ኣብ ዝፈቐደሉ ድማ ቀልጢፎም ናብ ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹን ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንህዝብታት ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዘለዎም ፍቕሪ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ዕለት 2 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ዘለዎም ድልየት ኣረጋጊጾም፣ ህዝቢ “ዘለዎ ተስፋ ንኽምንዛዕ” ከይፈቅድ ከም እተማሕጸኑን ካብ ዕለት 31 ጥሪ - ዕለት 5 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ እውን ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

29 Mar 2025, 17:14