MAP

2023.04.23 Presa di Possesso Cardinal Robert Walter McElroy 2023.04.23 Presa di Possesso Cardinal Robert Walter McElroy  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ካርዲናል ማክኤልሮይ ምእንቲ ጥዕና ር. ሊ. ጳ. ጸልዮም፣ ሰላም ንኽሰፍን ቅዱስነትም ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ውን ዘኪሮም

ካርዲናል ሮበርት ማክኤልሮይ ካብ ሰበኻ ሳን ዲየጎ ቕድሚ ምስንባቶም ኣብ ዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እዞም ሓድሽ ሊቐ ጳጳሳት ዋሽንግተን ዲ. ሲ. ምእንቲ ጥዕናዊ ኩነታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ከም ዝሰለዩ ብምምልካት፣ ነቲ ቅዱስነቶም ኣብክንቲ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኮይኖም ንዘቕረብዎ ምሕጽንታ ውን ዘከሩ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ሓድሽ ሊቀ-ጳጳሳት ዋሽንግተን ዲ. ሲ. ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ማክኤልሮይ ኣብቲ ብ27 ለካቲት ካብ ሰበኻ ሳን ዲየጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅድስሚ ምስንባቶም ናይ መወዳእታ ዋዕላ ምስ ጋዜጠኛታት ኣካይዶም። ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ሻምናይ ሊቀ-ጳጳሳት ዋሽንግተን ንምዃን ድማ ሰሉስ ዕለት 11 መጋቢት ብወግዒ መንበሮም ክቕበሉ ኢዮም።

ምእንቲ ር.ሊ.ጳ.ን ዓለምለኻዊ ሰላምን ዝዓረገ ጸሎት

ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ሕቶታት እኳ እንተ ተቐበሉ ፈለማ ግን ምእንቲ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝጸለዩ ብምምልካት ብዛዕባ ሓድነት ሰበኻኦም ክዛረቡ ደለዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ኵሎም ቤተክህነት ሰበኻ ሰበ-ስልጣን ሳን ዲየጎ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብመንፈሳዊ ሕብረት ምእንቲ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ናይ ጸሎት ንምክያድ ከም እተኣከቡ ውን መስከሩ። ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዘመነ ጵጵስናኦም ህውከትን ጸገማትን ቃልሲን መከራን ዝመልኦ "ንኵሉ ዅነታት ዓለም ብምትንካፍ ሓደም ምክልት ጸሎት" ከም ዘቕረቡ ከምኡውን ጸሎትና ከም ምላሽ "ኣብ ስቓዮም ክሕግዞምን ጥዕና ክረኽቡን ከምኡ ውን ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ኢዩ" ዝነበረ ክብሉ ገለጹ።

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ናይ ጕስነት ተጸምዶ ብምንኣድ ድማ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ንተነቀፍቲ ኣካላትን እትገብሮ ዘላ ንምድንፋዕ ንእተካየዶ ዘላ ጳጳሳዊ ጻዕርታት ዘለዎም ሰፊሕ ሞሳ ድማ ገለጹ። ኣብዛ ብዙሕ ህውከትን ግጭትን ዘለዋ ዓለም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ  ብዛዕባ ፍቕርን ድንጋጽን ሓልዮትን ዝገልጽ መልእኽቲ ወንጌል ንዓለም ምክፋል ክቕጽሉ ምዃኖም ውን ኣመልከቱ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ማኬልሮይ

ንሰበኻ ሳን ዲየጎ ዘሎኒ ሞሳ

ኣብቲ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ነቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዘገልገሉሉ ሰበኻ ሳን ዲየጎ ምስጋና ብምቕራብ ተሰናቢቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ ነዚ ሰበኻ እዚ ብምግልጋል ዝረኸብዎ ሓጐስን ናይቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ዘርኣይዎም ድልዱል ማሕበረሰብን ሓድነትን ባሕላዊ ውህደትን ውን ዘከሩ።

ንመሰል ስደተኛታት ምኽባር

ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ብዛዕባ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ከተማ ሮማ ዝገበርዎ ርክብ ምስ ተሓተቱ ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዶባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ዘሎ ዅነታት ንስደተኛታት ከኣ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ጽዑቕ ዝኾነ ከባቢታት፣ እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ኸም ቅዱስነቶም ከም ዝሓተትዎም ኣመልከቱ። ኣስዒቦም ድማ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣገልግሎታት ርካል ግብረ - ሰናይ ንስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝልግሶ ኣድላዪ ሓልዮት ብምሃብ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ ሸሞንተ ሚእቲ ንዝዀኑ ሰባት ኣገልግሎት ጥዕናን መሰረታዊ ነገራትን ንኽረኽቡ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ዘከሩ። እቶም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ዘለዉ ሰባት ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ዕቝባ ወይ ኢድ ናይ ምሓብ ንዝቕርብዎ ሕቶ ጕዳዮም ክሳዕ ዚሰምዕ ብሕጋውን ግዝያውን መገዲ ኣብታ ሃገር ውሕስነት ከም ዝረኽቡ ውን ገልጹ።

ብዛዕባ እቲ ብዕለት 18 ለካቲት ኣብ ትሕቲ እዚ ሓዲሽ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቐረበ ጥርዓን ቤት ምኽሪ ብፁዓ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ተሓቱ ድማ እቲ ቐንዲ ምኽንያት መንግስቲ ነቲ እዘን ኣብዚ ከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ንዝህባኦ ኣገልግሎት ብሃንደበት ደው ስለ ዘበሎ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ውን ዘከሩ። ብፁዕነቶም ብዛዕባ እቲ ንስደተኛታት ብዘይ ሰነድ ንዝርከቡ ዘይሕጋውያን ኸም ምዃኖም ብምምልካት ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንዅላቶም ከም ገበነኛታት ገይሮም ከም ዝርእይዎም ኣስፊሖም ብምግላጽ፣ ብዛዕባ እቲ ዚካየድ ዘሎ "ሰፊሕ ባህላዊ መጥቃዕቲ" ዘለዎም ሻቕሎት ኣካፈሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ነቶም ኣብ ዓዶም ካብ ሽግርን ዓመጻን ወይ ዘስካሕክሕ ቍጠባዊ ዅነታትን ዝሃደሙ ሕጋዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ብምዝካር፣ ብዛዕባ እዚ ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባ እዚ ኣጠንቀቐ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆታት ኣብ እንቃለሰሉ ብቐዳምነት ዀነ ወትሩ ሰብኣዊ ኽብሪ ክንዝክር ከም ዝተላበዉ ውን ገለጹ። ብፁዕነቶም ኣስዒቦም "ስደተኛታት ዘስዕብዎ ሓቀይና ጸገማት እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ድማ ብኸመይ ከም እንሕዞን እንተላይ ዶብ ምዕቃብ እንተዀነ ውን ንሰባት ከም ገበነኛታት ገይርና ብምቕራብ ንኢሰብኣዊ ተግባራት ክንምርምር" ከም ዘድልየና ኣመልከቱ።

ንወንጌል ምምስካር

ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ብዛዕባ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ግደ ምስ ተሓተቱ ድማ፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ህዝባዊ ስርዓት ፍሉይ ፖለቲካዊ ግደ ስለ ዘይብላ የግዳስ "ብዛዕባ ፖሊሲታት ሓሳብ ንምሃብን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ንትምህርትታት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ መምርሒታት ሓሳብ ንምሃብን፣ ስነ-ምግባራዊ ግደ ስለ ዘለዋ" ንእምነትና ኽንምስክር ከም ዘሎና ገለጹ።

ነቲ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንዓለምን ሎሚ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላዋት ድማ ኣፍልጦ ሃቡሉ። "ኣብ ሕብረተሰብና ርሕሩሕ ሕብረተሰብ ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ? ኣብ ማዕርነት ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ንኣምን ኢና ኽንብል ኪበሃል ከሎ ከ እንታይ ማለት እዩ? ነዚኸ ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ? ቤተ-ክርስትያን ነዚ መዳያት ምስክርነት እዚ ክትሰርሓሉ እተጸውዐት ይመስለኒ። . . . ኣብ ታሪኽ ሃገርና ነጥበ መቐይሮ ስለ ዝዀንና ኣብቲ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ዘተ ፍሉይ ኣትኵሮ እዩ ዚህልወና።"

ብፁዕ ካርዲናል ማክኤልሮይ ብሓጺሩ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ጕዳያት ንምምላስ ኣብ እንገብሮ ምይይጥን ፖሊሲታት ኣብ ምውጻእን ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወንጌል ምስክርነት ክትህብ ከም እትግደት ብምግላጽ ድማ ደምደሙ።

03 Mar 2025, 15:42