ኣብ ደ. ረ. ኮንጎ ናይ ከተማ ጎማ ጳጳስ፥ ወተሃደራዊ ስጉምቲ መፍትሒ ኣይኮነን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ኤም - 23ን ወጥርን ግጭትን ይቕጽል ኣሎ። ዋላ’ኳ ብዘተ ኣቢሎም ሰላም ንምድልዳል ሓያሎ ዝፈሸሉ ጻዕርታት እንተሃለዉ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ካብ’ቲ ኲናት ሓድሕድ በርቲዑ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ንደሓር፣ “እቲ ኩነታት ብዙሕ ዝተቐየረ ኣይመስልን” እንክብሉ ጳጳስ ዊሊ ንጉምቢ ንገገለ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ማእከል ዓመጽ፣ ህዝቢ ነዚ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ቅልውላው ኣብ ምግጣም ዘርእዮ ዘሎ ትብዓትን ቆራጽነትን ይንእዱ።
ዜጋታት ብፍርሒ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ
ጎማ ብዓመጽቲ ኤም - 23 ካብ እትታሓዝ ዳርጋ ክልተ ወርሒ ተቑጽር ኣላ፡ ጳጳስ ንገገለ ድማ እቲ ኩነታት ብዙሕ ከምዘይተቐየረ ገሊጾሞ። “እቲ ፍልልይ ድሕሪ ሕጂ እቲ ኲናት ኣብ ጎማ ዘይኮነስ ናብ ካልእ ከባቢታት ሃገረ ስብከት ተሰጋጊሩ ምህላዉ ጥራይ’ዩ . . . ጭውያታትን ቅትለታትን ኣካል ናይዚ “ሓድሽ ስርዓት” ብምዃኑ ዜጋታት፣ “ብፍርሒ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። መዓልታዊ ህይወት ኣዝዩ ተቐይሩን፣ “ዕጡቓት ሸፋቱ ገንዘብ ክምንዝዑን ክዘምቱን ናብ ናይ ግሊ ገዛውቲ ስለ ዝኣትዉ ለይቲ ምድቃስ ዘይከኣል ኮይኑ ኣሎ” ይብሉ።
ኣብ ወቕቲ ዓቢይ ጾም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት
እንተኾነ ግና ዋላ እኳ እቲ ግጭት እንተሎ፣ ዕለት 5 መጋቢት ኣብ መኽፈቲ ዓቢይ ጾም ስርዓተ ኣምልኾ ኣብ ጎማ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብምእመናን ኣዕለቕሊቓ ከም ዝነበረት ገሊጾም፣ “ኣብ ኩለን ሰበኻታት እታ ከተማ ዋላ’ኳ ኩነታት ጸጥታ ዘይተኣማምን እንተነበረ - ቢሎም - ካብ ሕቶ ድሕንነት ንላዕሊ፣ ቁጠባዊ ኩነታት እውን ጽዑቕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ዓመጽቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ንከተማ ጎማ ካብ ዘጥቅዑ ንደሓር፣ ባንክታት ተዓጽየን ኣለዋ። “ሰባት ብፍላይ ድማ ነጋዶ ዕዮታቶም ንኸሳልጡ ዘኽእሎም መንገዲ ተሓሪምዎም ኣሎ፣ ካብኡ ሓሊፉ ሰራሕተይናታት መንግስቲ ደሞዞም ይኽፈሉ ስለ ዘየለዉ ድማ ኣባይቲ ስድራ ንብዙሕ ጸገማት ተቓሊዖም ኣለዉ።
ዋላ እኳ እቲ ግጭት እንተሃለወ ዓቢይ ጾም ምንባር
ኣብቲ ከባቢ ደረጃ ድኽነት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነዚ ናይ ዓብይ ጾም ወቕቲ “ዝሓሸ መጻኢ፡ ሰላማዊ መጻኢ ንምትስፋው” ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም፣ ዋላ’ውን ብዙሕ ብድሆታት ይሃሉ ህዝቢ፣ “ብፍላይ ንድኻታት፣ ብኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት፣ ብዙሓት ካብኣቶም ወተሃደራት ስድራቤታት ዝኾኑ፡ ነንሕድሕዶም ይደጋገፉን ይተሓጋገዙን ኣለዉ።”
እቶም ናይቲ ከባቢ ክርስትያን ነቲ ናይ ዓቢይ ወቕቲ ጾም ንምንባር፣ ንግደት - ካብ ጎማ ወጻኢ - ከምኡ’ውን ብደረጃ ሰበኻ ሱባኤታት ኣዳልዮም ኣለዉ። ማእከል ጉስነት ሃገረ ስብከት ምስ ካህናት ናብ ሰበኻታት ብምኻድ ወፍሪ ወንጌል ንምውዳብ ጉጅለታትን ኣነቓቓሕን ተወዲቦም ኣለዉ። እቲ መደባት ዓቢይ ጾም “ንጸላኢኻ ምፍቃር፡ ይቕረ ምባል፡ ወይ ምክፋል ዝብሉ ቀሊል ዘይኰነ መልእኽቲ እምነት ክርስቲያን ዝዝትይን ዘስተንትንን ካብ ቃል ናብ ተግባር ምስግጋር ዝብልን” ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን፣ “ሕውነታዊ ፍቕርን ክርስትያናዊ ሓድነትን፡ ንኻልኦት ክፉት ምዃንን፡ ዋላ ነቶም ካቶሊካውያን ዘይኰኑ፡ ዝምክስሩ እዮም” እንክብሉ ይሕብሩ።
ወተሃደራዊ ስጉምቲ መፍትሒ ኣይኮነን
ዕለት 18 መጋቢት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዓመጽቲ ኤም - 23ን ኣብ ሃገረ ኣንጎላ ከተማ ሉኣንጋ ዘተ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ከም ዝነበረን ግን ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ጉጅለ ኤም - 23 ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝተወሰነ ኣህጉራዊ እገዳ፣ ንዘተ ዕንቅፋት ምዃኑ ብምግላጽ፣ በዚ ምኽንያ እቲ ጉጅለ ኤም - 23 ካብቲ መደብ ዘተ ምንስሓቡ ድሕሪ ምግላጹ፣ ከም እተሰረዘ ዜና ቫቲካን ኣዘካኺሩ፣ ጳጳስ ንገገለ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ብዘይምክያዱ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፣ ዘተ ኣብ ምዕዋት ሰላም ኣገዳሲ ኣካል እዩ። እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ንዘተ ክጣበቑ ምዃኖም ዘለዎም እምነት ገሊጾም። “ኲናት ህይወት ኣሽሓት ሰባት ስለ ዘጥፍእን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናይ ድኽነት ክፍተት ከዕምቖን ስለዝኾነ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ፍታሕ ብዙሕ ኣይንኣምንን ኢና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።