ጳጳስ ደቡብ ሱዳን፡ ንኹሉ ህዝብታት ተስፋ ከነምጽእ ዝተጸዋዕና ኢና!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ኣብ ኣፍደገ ዓመጽ ትርከብ። ኣብ መንጎ እቲ ንርእሰ ብሔር ሳልቫኪር እሙን ዝኾነ ሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ንቀዳማይ ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻር ዝድግፍ ምልሻ ሰራዊት ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ነቲ ነኣፋፊ ሰላም ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከም ዘሎን፣ ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ፈለማ ኣብ ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ናብ መወዳእታ 2026 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ መደብ ፖለቲካዊ ምርጫ ዝፈጥሮ ዘሎ ዘይምርግጋእ ነቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብብርቱዕ ጻዕረ ዝተረኽበ ስምምዕ ሰላም ንሓደጋ ከቃልዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ይንገር።
ንህዝቢ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን
ኣብዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ ናይ ሰበኻ ቤንቲዩ ጳጳስ ክርስቲያን ካርላሳረ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ሰላም ንምህናጽን ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ተስፋ ንምሃብን ዝኣመተ ተወፋይነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ “ኣብቲ ዞባ ኣስታት 450,000 ካቶሊካውያንን 350,000 ፕሮቴስታንትን ዝነብሩሉን እቶም ዝተረፉ ድማ ባህላዊ ሃይማኖታት ዝኽተሉ ምዃኖም ገሊጾም፣ “ከም ኣማንያን መጠን ንዅሉ ተስፋ ከነቕርብ ንጽዋዕ” ምስ በሉ፣ ሰበኻኦም 38 ሺሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝሽፍን፣ ሸውዓተ ሰበኻታት ዘለዎን ነፍሲ ወከፈን ብመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዝድገፋ ኮይነን፣ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ከም ዘለወንን ትሽዓተ ካህናት ሃገረ ስብከት ከም ዘለዉን፣ ኣብታ ሃገር ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ዓለማውያን ምእመናን ወሳኒ ምዃኑ ይገልጹ።
ቤንቲዩ ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዘለዋ ድኻታት ዞባታት ሓንቲ ከም ዝኾነትን፣ ኣብ መንጎ 2013ን 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ዓመታት ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ፣ ነቲ ከባቢ ከም ዘዕነወን፣ ብዙሓት ሰባት ክሳብ ሎሚ፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ከነብሩ ከም ዘገደደን፣ ኣብቲ ዞባ ካብተን ክልተ ቀንዲ ብሄራት ኑየርን ዲንካን ዝኾኑ ብብዝሒ ዝርከብዎም ኣስታት 1,130,000 ሰባት ከም ዘለዉን፣ "ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጉጅለታት ዘሎ ርክብ ብሓቂ ቀሊል ኣይኮነን፣" ስለዚ እቲ ሃገረ ዝብከት ድልድል ኣብ ምሕናጽ ዝዋፈር ምዃኑ የስተብህሉ።
ብግርጭትን ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየርን ዝመዛበሉ
ኣቡነ ካርላሳረ ጳጳስ ሰበኻ ቤንቲዩ፣ ኣብቲ ኣብ ሰበኻኦም ዝርከብ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝተሰርሐ ካብቶም በቲ ዘሎ ዓመጽ ካብ ጠቕላላ 800 ሺሕ ተመዛበልቲ፣ እቶም 140 ሽሕ ተመዛበልቲ ዝርከብዎ እቲ ዝዓበየ መዓስከር ስደተይናታት ከም ዝርከብ ሓቢሮም፣ ብተወሳኺ ኣስታት 130 ሽሕ ሱዳናውያን ስደተይናታት ብቐንዱ ካብ ብሔር ኑባ ኣብ ከባቢ ኢዳን ጃም ጃምን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ከም እተዓቖቡን፣ እዚኦም እውን ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሃገረ ስብከት ቤንቲዩ ዝርከቡ ምዃኖም ገሊጾም፣ ዋላ'ኳ ኣብ ስምምዓት ሰላም እንተተበጽሐ፣ ተመዛበልቲ ክሳብ ሕጂ ናብ ኣባይቶም ክምለሱ ከም ዘይከኣሉ ሓቢሮም፣ ብጀካ ስእነት ሰላም፣ ብዙሓት ናብ ኣባይቶም ንኸይምለሱ ዝድርኾም ካልእ፣ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምዝባዕ ከባብያዊ ኣየር ምዃኑ ገሊጾም፣ ብርቱዕ ድርቅን ብርቱዕ ዝናብን ዝረኣየሉ እዋናት ከምዘሎ ኣመላኺቶም፣ "ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ከቢድ ውሕጅ ከምዝተራእየን፣ ዓመታዊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ከም እተመዛበሉ ዝሕብር ጸብጻብ ምህላዉ ሓቢሮም፣ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፣ “እቲ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዘዕነወ ብምዃኑ፣ ነዚ ስዒቡ ዘጋጥም ስእነት መግቢ ቀሊል ኣይኮነን፣ ደርቅን ከቢድ ውሕጅን ዝፈጥሮ ዝተፈላለየ ሕማም እውን ህዝብን ዘቤታውያን እንስሳታት ንሞትን ንዝተፈላየ ሕማምን የቃልዕ ምህላዉን እዚ እውን ብዙሓት ከባቢኦም ሓዲጎም ንኽመዛበሉ ይድርኽ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ውጥረት የለዓዕል። ኣብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባብን ትካላት መጻርዪ ነዳዲ ኣብ ጥቓ ኣገደስቲ ሩባታት ዝርከብ ብምዃኑ፣ ነቲ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ማያት ይብክል፣ እዚ እውን ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ግጭት ዘጋድድ ረቛሒ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ተጻዋርነቱ የዳኽምን ንዝተፈላለየ ቅልውላው ዝያዳ ተቓላዒ ይገብሮም ኣሎ።
ካልእ እቲ ዓቢ ጸገም ኣብ ሱዳን ዓመጽ ዝመልኦ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓደሕድ ብዙሓት ዜጋታት ሱዳን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ናብ ደቡብ ሱዳን ይስደዱ ምህላዎም ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ተመዛበልቱ ሱዳናውያን ተአንግድ ኣላ። እቲ ዘሕዝን ድማ ገዛእ ርእሳ ኣብ ከቢድ ጸገም ስለ ዘላ ነቶም ስደተይናታት ዘድሊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ዓቕምን ብቕዓት የብላን፣ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታዊ ማሕበርሰብ ዓለም ነቲ ዞባ ዘደሊ ሓገዝ ከቕርብ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒት የቕርቡ።
ጻውዒት ሓድነት
ናይ ደቡብ ሱዳን ህዝቢ መጻኢ ርጉጽ ስለዘይኮነ፣ ፖለቲካ ህድኣትን ምርግጋእን ከምጽእ ዘይክእል እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካ ንገዛእ ርእሱ ጠንቂ ዘይምርግጋእ እዩ ኮይኑ ዘሎ ምስ በሉ፣ ነቲ ክካየድ ኣብ መደብ ተታሒዙ ዘሎ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ምርጫ ዕዉት መታን ክኸውን፣ "ንቕሓት መራጺ ህዝቢ ክብ ምባል፣ ብዛዕባ ምርጫ ህንጽት ክረኽቡ ምግባርን ኣብዚ መዳይ ዝሰርሑ እውን ምህናጽን ሕጹያት ተመረጽቲ ድማ ኣብ ቀቢላዊ ዋንነቶም ዘይተመርሱን፣ ከምኡ'ውን ንረብሓ ገለ ጉጅለታት ምጥባቕ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝረሓቒ ክኾኑ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም፣ ህዝቢ ብሓቂ ንሓባራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝሰርሑ ፖለቲከይናታት ክመርጽ ክድገፍን ክህነጽን ኣለዎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ 85% ካብ ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር ካብ ሃብቲ ነዳዲ ዝመጽ ብምዃኑ፣ እዚ ኣብ ሓደ እዋን ከም መሰረት ምርግጋእ ይረአ ነይሩ። ሎሚ ግን ምኽንያት ግርጭትን ምፍልላይን ኮይኑ ከም ዘሎ ሓቢሮም፣ “ደቡብ ሱዳን ብናይ ነዳዲ ሃብታ ክትምዕብል ትጽቢት ይግበር ነይሩ፡ ኣብ ክንድኡ ግን እዚ እቶት እዚ ኣብ ዓመጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎ ኮይኑ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ . . . ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ናሰር ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ደገፍቲ ተቓወምትን ዘጋጠመ ግጭት ብምዝካር፣ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ኣድላይነት ዘተ ኣጉሊሖም፣ “እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምስሕሓብ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ፣ ከቢድ እውን እዩ፣ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ መጺእካ ዘይጎነጻዊ ፍታሕ ንኽርከብ ዝገብር ጻዕሪ ዘሰናኽል እዩ . . . ደቡብ ሱዳን ብሰላም ኣብ ሓደ ንምምጻእ" ራእይ ሓድነት ወሳኒ ምዃኑ ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ተስፋ
ኣብ ሞንጎ እዚ ብድሆታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ደው ብምባል "ብቐዳምነት ናይ ዕርቂ ድልድላት ኣብ ምህናጽ ትዓዪ ከም ዘላ እውን ኣረጋጊጾም፣ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ዘይርጉጽነትን ስደትን ምዝብልናን ከምኡ እውን ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየርን ኣብ እትገጥመሉ ዘሎ እዋን፣ ቤተክርስትያን ብሓድነትን ፍትሕን ነባሪ ሰላም ዝርከብ ምዃኑ ትሓንጽ፣ተልእኾኣ ድማ ተስፋ ምቕራብ እዩ፣ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።