MAP

ጳጳሳት ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዳሬ ኤል ሳላም ብዛዕባ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ሰላም ዘትዮም ጳጳሳት ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዳሬ ኤል ሳላም ብዛዕባ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ሰላም ዘትዮም 

ጳጳሳት ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዳሬ ኤል ሳላም ብዛዕባ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ሰላም ዘትዮም

ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት “ብብዙሕ ደረጃታት ጾር ስእነት ሰላም ዝተሰከመ ኮይኑ ዘሎ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣባላት ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ማእከላይ ኣፍሪቃ (ACEAC) ከም ዝዘተዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር መልእኽቲ፣ ነቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንጹሃት ሰላማውያን ግዳያት ዝገበር ዘሎን ናይ ሞት ባህሊ ይኹንኑ።

ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም

“እቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ኣፍደገ ምፍንጃር እዩ ዘሎ፣ ንስግኣት ሓፈሻዊ ቀታሊ ኲናት ተቓሊዑ ኣሎ” እክብሉ ጳጳሳት ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብሓባር ዝኸተምዎ “ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም”ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የጠንቂቖም፣ “በቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት ኣዝዮም ዝተተንከፉን ዝተጎድኡን” ካቶሊካውያን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካብተን ሰለስተ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያት - ብሩንዲ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን ዝመጹ - ኣብቲ ንኡስ ዞባ እናበዝሑን ሞት ዝዘርኡን ዕጡቓት ጉጅለታት፡ “ሕቶታቶም ንምክልኻል ንናይ ገዛእ ርእሶም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝቐትል ኣጽዋር ምጥቃም ደው ከብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣስያፍ ናብ ማሕረሻ ምቕያር

ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትን ሃገራትን ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ንምዕማቕ ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳረስ ሰላም ዝተኣከበ ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ማእከይ ኣፍሪቃ፣ ኣብቲ ዝተዋሃሃደ ናይ ሰላም መስርሕ ናይሮብን ሉዋንዳን ዘለዎ እምነትን ተስፋን ገሊጹ፣ “ብሰንኪ ወንጌላዊ ተልእኾና ቀንዲ ተዋሳእቲ ብምዃን ኣብ ህንጸት ሰላም ኣበርክቶ ክንገብር ድልውነትናን . . . ሃገራትና ንልምዓት እቲ ንኡስ ዞባ ንዝቐትል ኣስያፍ ናብ ማሕረሻ ክቕይራ እናተመነና ነረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ካብዚ ሓሊፉ መራሕቲ ሃገራት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪቃን ገለ ካብ ሓሳባትን ውሳኔታትን ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ማእከላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ክምርምሩ ከም ተላበዉ ኣፍሊጡ።

መስርሕ ናይሮቢን ሉዋንዳን

ብመሰረት እቲ ኣብ ዳረ ኤል ሳላም  ዕለት 8 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ዝተኻየደ ታሪኻዊ ሓባራዊ ዋዕላ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC)ን - ማሕበረሰብ ልምዓት ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ (SADC)ን፣ መስርሕ ሰላም ሉዋንዳን ናይሮቢን ኣብ ምድልዳል ኣገዳሲ ከም ዝነበረን፣ እቲ ኣብ ዳረ ኤል ሳላም ዝተኻየደ ሓባራዊ ዋዕላ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዑ’ኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ውጽኢት ከም ዘይረኸበን፣ እቲ ዋዕላ “ስጉምትታት ሓይሊ ምክልኻል ሩዋንዳ ደው ክብልን ሓይልታቱ ካብ ዲ.ሪ.ኮንጎ ከውጽእን መስርሕ ሰላም ሉዋንዳን ናይሮቢን ብህጹጽ ክተባባዕን ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ማእከላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝሓተተ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

01 Mar 2025, 17:28