ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ላይበርያ፦ "ንኻልኦት ቅብኣት ክንከውን ኢና ተቐቢእና"
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኤርቢ ኣብ መደረኦም ጸጋ ኣምላኽ ንህይወቶም ዝተንከፎ ህሞት ክሓስቡሉ ተማሕጸንዎም። "በታ ነፍሲ ወከፍኩም ንጐይታ ሕራይ ዝበልኩምላ መዓልቲ፣ እዚ ሕራትይ እዚ ኣብቲ ንጐይታ ዝገብረልና ሰናይ ኩሉ ዘሎና ምስጋና እተመስረተት እያ።" ኣስዒቦም ድማ ብፁዕነቶም "ንኻልኦት ቅብኣት ክንኮኖም ድማ ኢና ተቐቢእና" ዚብል ሓሳብ ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ።
ዚድግፍ ማእሰር ሕውነት
እቶም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ነቶም ካህናት ኣብ ጽንኩር እዋናት ንሓድሕዶም ክደጋገፉ ብምምሕጻን፣ ጥቡቕ ማእሰር ሕውነትን ሓድነትን ስለ ዝዓቀቡ ምስጋናኦም ገለጸትሎም።
ከምእኡ ውን ነቶም ካህናት ምእንቲ ጥዕናን ሕውየትን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምጽላይ ክቕጽሉን ተላበውዎም፣ ቅዱስነቶም ነታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምምራኽ በረኸትን ሓለዋን ኣምላኽ ከይፍለዮም ከማልዱ ድማ ተማሕጸንዎም።
ቍምስናዊ ማሕበራት ብእምነት ይዓቢ ከም ዘሎ
ብተወሳኺውን እዞም ካህናት ብመሰረት እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕጊ ቀኖና ቍ. 529, §2 ንቍምስናታቶምን ክርስትያናዊ ማሕበረሰቦምን ብምጕሳይ ኣብ ምትሕግጋዝ እቶም ላዕለዎት ኣሕሉቕ ቤተክርስቲያንን ጳጳሳትን ገዛእ ርእሶም ቅሩባት ክገብሩ ተላበውዎም።
እቲ ቐኖና ከም ዘመልክቶ ሓደ ካህን እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ማሕበረሰብ ቁምስናኡ ብእምነት ይዓብዩ ምህላዎም ወትሩ ኼረጋግጽ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝገልጽ። ኣብ መንጎ ኣባላት ቍምስናኡ ናይ ሓድነት መንፈስ ከም ዝህሉ እውን ውሕስነት ንኽኾኑ ኣተባብዕዎም። እዚ ቐኖና ነቲ ሓደ ካህን ኸም መንፈሳዊ መራሒን ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-ክርስትያን ንናብራ ማሕበረሰብ ዝሓልን መጠን ዘለዎም ግደ ውን የጕልሑ።
መጋቢነት ስጋዊ መነባብሮ
እቶም ካህንት ምስቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ላይበርያ ዀነ ኣብታ ዝሰፍሐት ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ናይ ሓልዮት መምርሒታት ብምስምማዕ፣ ንመንእሰያትን ንመሳኪን በጽሕታትን ኣብ ትሕቲ ኽንክን ጕስነቶም ብጽኑዕ ክድግፍዎም ከም ዘለዎም ተላበውዎም።
ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ እተላዕለ ኻልእ ስክፍታታን ሓባራዊ ውሳኔታትን ከኣ እቶም ካህናት ኣብ ንብረት ቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ዝስምዖም ክኾኑን፣ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ንምድንፋዕ ከምኡውን ነቶም ምእመናን ኣብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ግቡእ እጃሞም ንኸበርክቱ ህያው ተበግሶታት ዘጠቓልል ሓሳባት ውን ኣካፈልዎም።