ካርዲናል ኩፒች ነቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ጳጳሳት ኣመሪካ ብዛዕባ ስደት ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ብሓጎስ ይቕበሉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ብላዘ ኩፒች ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ቺካጎ፣ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓጎስ ተቐቢሎም፣ ካቶሊካውያን ብግቡእ ዝሕነጽ ሕልና ከማዕብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪክ ናታ ገይራ ከም እተቃልሖ ኣረጋጊጾም፣ ብጹዕነቶም ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናብ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንጳጳሳት ስለ እቲ ናይ መተባብዒ ቃሎም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ ኣብዚ መልእኽቲ ድማ ጳጳሳት እታ ሃገር መሰልን ክብርን ስደተይናታት ንምሕላው ንዝገብርዎ ጻዕሪ ድጋፎም ከም ዘረጋገጹ ይሕብሩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም፣ "ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጃምላ ናይ ምጥራዝ ዝብል መራሓ ግብሪ ትግባሬኡ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢ ቕልውላው ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ኣመላኺቶም፡ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኵሎም ሰባት ክኽበሩን ክብሮም ክሕሎን ይጠልብ እንክብሉ ኣጉሊሖም፣ ንጻዕርታት ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝነኣዱ ካርዲናል ኩፒች ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትንቢታዊ ምስክርነት ኣዝየ እየ ዘድንቖ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እዋን’ዚ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳትን መላእ ቤተ ክርስቲያንን፣ ዝዓበየ ህጹጽ ዛዕባ ሓለዋን ምክልኻልን ክብሪ ስደተይናታት ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ይሕብሩ።
ካርዲናል ኩፒች ኣስዒቦም፣ "ብጅምላ ብዘይ ኣፈላላይ ምስጓግን ስደተይና ምዃን ከም ገበን ምቑጻርን ዝነቐፉ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምትብባዕ፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ጳጳሳት ክሰምሩን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ስደተይናታት ሰብኣዊ ክብሮም ክሕሎ፡ ንመሰልን ክብርን ስደተይናታት ስለ ዝጣበቑ አመስግኖም" ቢሎም፣ "ብፍላይ ነቲ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ብግቡእ ዝተሓንጸ ሕልና ንኸማዕብል ዝሓትት ዝቐረበ ጻውዒት ኣርዚነ ኢየ ዝርእዮ፡ ነፍሲ ወከፍና ብሓይልን ብዝተዛብዐን ብሓሶትን እተሃንጸ መመሓደሪ ሕግታት ክንፈርድን ክንቀፍን መሰል ኣሎና” እንክብሉ ይሕብሩ።
ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ዕለት 20 ጥሪ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ምስ ጉዳይ ስደተይናታት ዝተኣሳሰር ተኸታታሊ ተፈጻሚ ትእዛዛት ብኣዋጅ መልክዕ ከም ዘመሓላለፈን፡ እዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝርከቡ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተይናታት ንምጭቋን መንገዲ ዝኸፍት እዩ። ትራምፕ ኣብ ልዕሊ 21 ስጉምትታት ንገለ ክፋል መመሓደሪ ስደተይናታት ኣብ ኣሜሪካ ምጽጋን ካብ ዝብል መስርሕ ክንየው ዝኸይድ እዩ ምስ በሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዕለት 10 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ናብ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቲ ኣብ ዙርያ ናይ ስደተይናታት ናይ መመሓደሪ ሕጊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ዝተሓላለኸ ክውንነት ኣፍልጦ እኳ እንተሃቡ፡ መዐቀኒ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ግን ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ኣባላቱ ብኸመይ ከም ምዝሓልይ እዩ እንክብሉ ንጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዘዘኻኸሩ ካርዲናል ኪፒች ገሊጾም፣ "እቲ ሕጋዊ ምቁጽጻር ስደት ነቲ ኣገዳሲ ክብሪ ደቂ ሰብ ፈጺሙ ከዳኽሞ የብሉን" እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ዘስመሩሉ ኣሓሳብ ጠቒሶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።