MAP

ማሕበር ታሊታ ኩም፡ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብእምነትን ብግብርን! ማሕበር ታሊታ ኩም፡ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብእምነትን ብግብርን! 

ማሕበር ታሊታ ኩም፡ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብእምነትን ብግብርን!

መበል 11 ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ሰንበት ዕለት 8 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ይኽበር። ኣብ ቃልሲ እዚ ዘመናዊ መዓት፡ ብቐዳምነት ጣሊታ ኩም እተሰምየ ካቶሊካዊ መርበብ ማሕበራት ደናግል ይጥቀስ፡ እዚ መረብታዊ ማሕበር ካብዚ ዘመናዊ መዓት እዚ ንዝደሓኑ ብህይወት ዝተረፉ ንምክልኻልን ንምድጋፍን ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብእናቴ ኣቢ ኣቨሊኖ ዝምራሕ ዝተፈላለየ ማሕበራት ደናግል ዝሓቁፍ ማሕበር መርበብ ታሊታ ኩም ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 6000 ኣባላት ዘራኽብ ኮይኑ፣ ዕዮኡ ድማ ኣህጉራት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ንቕሓት ምዕባይ፡ ግዳያት ምድሓንን ምስ ሓንጸጽቲ ሕጊ ብምትሕብባር፣ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ንግድ ሰብን ንምፍራስን ንዝደሓኑ ሰባት ፍትሒ ንምርግጋጽን ዝዓለመ እዩ። ነዚ ሕቡእ ገበን ኣብ ምምካት ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣናቴ ኣቢ ኣቨሊኖ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘክየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፣ ኣብዚ መዳይ ጎስጓስ ዘካይድ እውን ምዃኑ የመላኽታ።

ናይ ሎሚ ዓመት ጎስጓስ መርሕ ቃል “ልኡኻት ተስፋ፡ ብሓባር ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት” ዝብል ምዃኑ ገሊጸን፣ ምስ’ቲ ናይ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ንኩላትና ንግዳያትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ተቓላዕቲ መንእሰያትን ተስፋ ንምምጻእ ከም ዝተጸዋዕና የዘኻኽረና” እንክብላ ገሊጸን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድ ሰብን ዝጥቀመሉ መርበባት ነቲ ዓለም በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ተጠቃሚ ብምዃኑ፡ ነቲ ገበን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ይገብሮ ከም ዘሎ ኣብሪሀን፣ “ምስግጋር ደቂ ሰባት ሕቡእ ገበን ስለዝኾነ፡ ኣሰጋገርቲ ሰባት ንምክትታል ዝያዳ ኣጸጋሚ ይኸውን ኣሎ። ነዚ እዩ ድማ ጎስጓሳት ንቕሓት፡ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ምስ መንግስታትን ትካላትን ምትሕብባር ወሳኒ ዝኸውን” ይብላ።

ካብ ሞት ዝደሓኑ ነቲ ቃልሲ ይመርሑ

ፓውሊን ኣኪንዩ ጁማ፡ ልእኽቲ መንእሰያት ታሊታ ኩምን መስራቲት ትካል ዳግመ ልደት ንግስቲ ኬንያን፡ ምስ ዜና ቫቲክን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፡ ራዕዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብቐጥታ ትፈልጦ እያ። ትካላ ነቶም ካብ ጾታዊ ዓመጽን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝደሓኑ ሰባት ሓይሊ ብምሃብ፡ ቁጠባዊ ዕድላት ዝረኽብሉን ዛንታታቶም ዘካፍልሉ መድረኽን ዝህቦም ምዃኑ ሓቢራ፡ “ኣብ ኬንያ፡ ብዙሓት ክሳብ ሕጂ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ከም ክውንነት ኣፍልጦ ኣይህቡን እዮም። ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ንፍትሒ ይቃለሱ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብሰንኪ ስራሕና ስግኣት የጋጥመና” ቢላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ብኣኣ ዝተመስረተ ትካል 38 ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ከም ዝርከቡን፡ እቲ ትካል ድሩት ጸጋታት ዘለዎ ብምዃኑ ከምቲ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ይጽገም። "ብመንግስቲ ዝምወል መዕቆቢታት እንተዘይሃልዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ዝዕቆቡሉ ቦታ የብሎምን፡” ምእንቲ እዚ ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ብህጹጽ ከምዘድሊ ድማ ትሕብር።

ሕጋዊ ኣረኣእያ፡ ቃልሲ ሮማንያ

ማሪዮ ዝተባህለ ካብ ሮማንያ ዝመጸ ጠበቓ፣ ነቶም ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝደሓኑ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝሰርሕ ኮይኑ፣ ምስ ክኢላታት ስነ - ኣእምሮ፡ ጠበቓታትን ኣኽበርቲ ሕግን ብምትሕብባር፡ ንግዳያት ዝምልከት ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ምውህሃድ እውን ዝነጥፍ፣ ኣብቲ ምዝ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ "ብዙሓት ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብመንጽር ጾታዊ ምዝመዛ ጥራይ እዮም ዝሓስብዎ፡ እንተኾነ ግን ግዱድ ስራሕ፡ ስእለ ጽዩፍ ህጻናትን ግዱድ ልመናን እውን የጠቓልል" ክብል ኣስተብሂሉ። "ተራና ግዳያት ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ንኽንቀሳቐሱ ምሕጋዝ እዩ፣ ትካላት ድማ ዝያዳ ርህሩሃትን ደገፍትን ክኾና ምጥባቕ እዩ” ይብል።

ሓደ ዓቢ ዕንቅፋት ንሰበ ስልጣን ዘይምእማን ዝብል ፈተና እዩ፣ “ግዳያት ይኣምኑና እዮም፡ እንተኾነ ግን ነቲ ሕጋዊ ስርዓት ንምእማን ይቃለሱ። ሕጋዊ መስርሕ ዝያዳ ግዳያት ማእከል ዝገበር ክኸውን ኣለዎ፣ ክብርን ምርድዳእን ከነረጋግጽ መታንም።”

ኣብ ጃፓን ንቕሓት ምዕባይ

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጃፓን እትነብር ዝነበረት ልእኽቲ መንእሰያት ሜክሲኮ ናና፡ ምስ ታሊታ ኩም ኣብ ጻዕርታት ምክልኻል ኣተገልግል ብፍላይ ኣብ ትምህርትን ጎስጓስን እትዋፈር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፣ “ኣብ ጃፓን፡ ግዳያት መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓሸ ዕድላት ዝደልዩ ስደተይናታት ኮይኖም፡ ነቲ ሓደጋታት ዘይፈልጡ እዮም። ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታትን ተነጽሎን ሓገዝ ንምርካብ ዝያዳ የጸግሞም” ቢላ፣ እቲ ንሳ እትውክሎ ጉጅለ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ናብ ጉጅለታት መንእሰያትን ብምኻድ ንመንእሰያት ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይምህር። "ንጉዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ጥራይ ምላሽ ኣብ ክንዲ ንህብ፡ ኣብ ምክልኻል ኢና ንሰርሕ።” ስለዚ እዚ ጸረ ክብሪ ሰብ ዝኾነ ተግባር ከይህሉ ንምግባር ህንጸትን ንቕሓትን ወሳኒ እዩ ትብል።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀሰባትን ትካላትን ኪኖ ቃላት ከብልኑን ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስዱን ማሕበር ጣሊታ ኩም ጻውዒት የቕርብ።

መልእኽቲ ኬንያዊት ፓውሊን ንጹር እዩ፡ “ንሕና መንእሰያት ለውጢ ንምምጻእ ግዜን ጉልበትን ኣሎና። ካብ ንቕሓት ሓሊፍና ናይ ተግባር፣ ናይ ደገፍን ምጉስጓስን መርበብ ክንሃንጽ ኣለና።”

ኣናቴ ኣቢ ኣስዒበን፣ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ሓድነት ክህሉ ጸዊት ኣቕሪበን፣ “እምነትና ይኹን ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ . . .  ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ልኡኻት ተስፋ ክንከውንን ኢና ተጸዊዕና” ትብል።

06 Feb 2025, 17:00