MAP

SYRIA-CONFLICT SYRIA-CONFLICT  (AFP or licensors)

'ምድኻም ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ሶርያ ዘሕዝን ጕድኣት ኢዩ ዝኸውን'

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ኣውሮጳ (COMECE) ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ዅነታት የስተንትኑ፣ ብፍላይ ከኣ ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ከም ዘሻቕሎም ገለጹ፣ ኣብ ሶርያ 'ምድኻም' ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ፣ ንሶርያ ጥራይ ዘይኰነስ ርግኣት ናይቲ ዞባን ዓለምን እውን ከም ዝትንክፍ የጠንቅቑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኣውሮጳ (COMECE) ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ ማሪያኖ ክሮስያታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ዅነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፦ "ምድኻም ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ፣ ንሶርያ ጥራይ ዘይኰነስ ርግኣት ናይቲ ዞባን ዓለምን እውን ዘሕዝን ጕድኣት ኢዩ ዘኸትል" ክብሉ ኣመልከቱ።

መግለጺ ብፁዕ ኣቡን ክሮስያታ ነቶም ናይ ሶርያ ካቶሊካዊ ሊቀ - ጳጳሳት ሰበኻ ሆምስ ብፁዕ ኣቡነ ዩልያን ዣክ ሞራድ ንዝለኣኹሎም ደብዳበ መልሲ ንምሃብ ኢዩ ዝነበረ።

ብፁዕ ኣቡነ ክሮስያታ ከምዚ ብምባል ይጅምሩ - "ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት እተኻየደ ግጭትን ዓመጽን መከራን ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ስክፍታታትን ኣብ ሶርያ ቀጻሊ ዝዀነ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘሎኒ ዓሚቝ ሻቕሎት ኢየ ዝገለጽኩሎም።" ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ናይታ ሃገር ንመጻኢ ህዝባ ዘለዎም ተስፋ" ውን ገለጹ፣ ብዛዕባ እዚ ዕላማ እዚ ድማ ጸልዮም።

ክግመት ዘይከዐል ጸገማት

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣስዒቦም፣ ህዝቢ ሶርያ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ድሕረ-ባይታኦም ብዘየገድስ ከም ምምዝንባላት ድኽነት ኣባይቶምን መነባብሮኦምን ማሕበረሰቦምን ምስኣን ዝኣመሰለ "ክግመት ዘይከዐል ጸገማት" ከም ዘጋጠሞም ዘሎ ውን ይዝክሩ።

"ብፍላይ ናብቲ ንዘመናት ዘይተነጻጸልን ኣድላዪን ዝኾነ ክፍሊ ታሪኽን ባህልን ናይቲ ዞባ ዀይኑ ዝጸንሐን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓዶም ታሪኻዊ ቀጻልነቶም ንምዕቃብ ንዝቃለሱን ዘለዉ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ሶርያ ዘጋጥሞም ዘሎ ዅነታት ከቕልበሉ እደሊ ኣሎኹ" ብምባል ውን ኣመልከቱ።

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጵሳት ሕብረ ኤውሮጳን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ሶርያ ተነቃፊ ምዃኑ ኣፍልጦ ኽህቡሉ ውን ተማሕጸኑ ።

ምውሓስ መሰረታዊ ኣድላይነታት

ኣብ ርእሲ እዚውን ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ሕብረት ኤውሮጳ "ንህዝቢ ሶርያ ብፍላይ ከኣ ንኣንስትን ቈልዑን ኣረጋውያንን ስንኩላንን ንኡሳን ሃይማኖታትን ሓዊስካ ኣድላይነታት ናይ እቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ቀዳምነት ብምሃብ ውሕስነቶምን ድሕንነቶምን ብልጽግናኦምን ንምርግጋጽ ቁም ነገር ዘለዎ ስጕምትታት ክወስዱ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ክሮስያታ ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ሓላፍነት እዚ ብህጹጽ ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎታት ካብ ምግባር ንላዕሊ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ፣ ንህንጸት ሰላምን ዳግመ ህንጸትን ዕርቅን ዝኸውን ነባሪ ውጥናት እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ብፁዕነቶም "ስለዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣባላታን ከም ምግብን መጽለልን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት እንተላይ ንበሰላታቶም ናይ ምሕዋይ ከምኡውን ዕድል ትምህርቲ ንዅሎም ሶርያውያን ንምምላእ ነቶም መሻርኽቶም ዝኾኑ ቀጻልን እኹልን ገንዘባዊ ሓገዛት ክገብሩሎም ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

ንመሰላት እቶም ንኡሳን ማሕበረሰባት ምሕላው

ብተወሳኺውን እዞም ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነቲ ናይ ብሕቲ ትካላት ግቡእ ዕቝባን ውሕስነትን ንምሃብ ኣብታ ሃገር ክዓዪ ዘፍቅድ ምድላው ክግበር ምሕጽንታ ኣቕረቡ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ብፁዕ ኣቡነ ክሮስያታ ወሲኾም ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ "ማሕበረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ እገዳታት በብቝሩብ ንምቅላል ዝገበረቶ ውሳነ ሓንጐፋይ ቢሎም ከም ዝቕበልዎን፣ እዚ ድማ ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ሶርያ ኣወንታዊ ጽልዋ ኽህልዎ ኢዩ" በሉ።

ከም ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ መጠን፣ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣባላታን መሰላት እቶም ኣብ ሶርያ ዚርከቡ ሒደት ማሕበረሰብ ንምሕላው ኪዓዩ "ኣብ ቅዋማዊ መስርሕን ዳግመ ህንጸትን ምእንቲ ኺጠቓለሉ ማዕረ ዜጋታት ከም ዝዀኑ ኣፍልጦ ምእንቲ ክወሃቦምን ዘለዎም ተስፋ ንምርግጋጽ " ኬተባብዕዎም ከም ዘለዎም ኣመልከቱ።

ኣብ ርእሲ እዚ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንሕብረት ኣውሮጳን ንኣባላታን ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ማሕበረሰብ ሶርያ ዝኻየድ ዘተ ዕርቀ ሰላም ከምኡውን ዳግመ ህንጸት ዘተባብዕ ተበግሶታት ክድግፉ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ብምባል ውን የጠንቅቁ - "ነቶም ነቲ ናይ ቀደም ስርዓት ይድግፉ ነይሮም ቢሎም ዝሓሰብዎ ሰባት፣ ሕነ ኽፈድዩ ኣብ ዝኽእሉሉ እዋን፣ ሕነ ምፍዳይን ከምኡውን ናይ መሰጋገሪ መምርሒ ፍትሓውን ሓፈሻውን ብዝዀነ መገዲ ዝዕየየሉ ሕጋዊ መሰረት ምቛም ኣድላዪ ኢዩ።"

ደገፍ ቤተ ክርስትያን ምርግጋጽ

ብፁዕ ኣቡነ ክሮስያታ ኣብ መግለጺኦም "ቤተ-ክርስትያን ነቶም ሶርያውያን ስደተኛታትን ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ሰባት፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ዓመጻ ዝሃድሙ ሓንጐፋይ ኢላ ኽትቅበሎምን ክትድግፎምን ከምኡ ውን ውሕስነትን ኣኽብሮትን ከም ዝረኽቡ ከተረጋግጸሎም ኢያ" ብምባል ኣመልከቱ።

ኣብ መወዳእታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣባላታን ንስደተኛታትን ስድራቤቶምን ብደሓንን ብፍታውን ናብ ኣባይቶም ንኽምለሱ ዘኽእሎም ኵነታት ንምፍጣር ክዓዩ ከም ዘለዎም ውን ተላበዉ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም "ከም ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ መጠን ምስቶም ኣብ ሶርያ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ከኣ ምስቶም ከቢድ ጸበባ እኳ እና ወረዶም ኣብ ጐይታ ዘለዎም እምነት ዝመስከሩ ዘለዉ ክርስትያን ሓድነት ኣሎና" በሉ።

ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም እዞም ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ሶርያ ሰላም ንኽሰፍን ብምጽላይ ከምኡውን ኵሎም ሶርያውያን ብናጽነትን ብደሓንን ብተስፋን ክነብሩሉ ዝኽእሉ መጻኢ ንምርካብ "ደኺመ ኸይበሉ ኽዓዩ" ብምምሕጻን መልእኽቶም ዛዘሙ። "ኣማላድነት እታ ኣደ ምሕረት ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ተልእኾና መሳርሒ ሰላም ኣምላኽ ክንከውን ይሓግዘና" ክብሉ ውን ጸለዩ።

21 Feb 2025, 16:09