MAP

2025.02.20 Fr Cornelius Damulak, kidnapped from Abuja escaped from his abductors 2025.02.20 Fr Cornelius Damulak, kidnapped from Abuja escaped from his abductors 

ናይጀርያ፦ ሓደ ካቶሊካዊ ካህን ብዕለት 6 ለካቲት ኣብ ኣቡጃ ተጸውዩም ዝነበሩ ካብ ጨወይቶም ኣምለጡ

ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነት እቶም ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 6 ለካቲት 2025 ወጋሕታ እተጨውዩ፣ ናይ ካቶሊካዊ ሰበኻ ሸንዳም ካህን ክቡር ኣባ ኮርነልየስ ማንሳክ ዳሙላክ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ - ሰናብቲ ኻብቶም ጨወይቶም ኣምሊጦም። ድሕሪ ምምላጦም ድማ ኣብ ሓደ ጐዳና ኣኽበርቲ ጸጥታ ረኺቦም ከም ዘድሓንዎም ተፈሊጡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ኣብ ዙማ ኣቡጃ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም እተጨውዩ ክቡር ኣባ ዳሙላክ ካህን ሰበኻ ሸንዳም ኣብ መንበረ ጥበብ ቨሪታስ ኣቡጃ ዝመሃሩ ዝነበሩ ኢዮም።

ፊደስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ነዚ ምዕባለ ኣመልኪቱ ካብ ሰበኻ ሸንዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣፈኛ ትእዛዝ ፖሊስ መንግስቲ ናይጀርያ ዝዀነ ዋሲዩ ኣቢዮዱን፣ ክቡር ኣባ ዳሙላክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሚና ዚርከብ ዓቢይ ጽርግያ ፖጎ-ፓይኮ ብጕጅለ ዓቀብቲ ጸጥታ ከም እተረኽበ ንመራኸቢ ብዙሓን ሓቢሩ።

"ብዕእለት 14 ለካቲት 2025 ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ሓደ እተጨውየ ዝነበረ ሰብ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ፖጎ-ፓይኮ ብጕጅለ ኣኽበርቲ ጸጥታ እና ኸደ ከሎ ተረኽበ ብኡንብኡ ድማ ኣድሓንዎ" በለ።

ፖሊስ ናይጀርያ ወሲኹ "ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ምምርማር ወዲ 36 ዓመት ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ቨሪታስ ኣቡጃ ዝኾነ ኮርነልየስ ደሙላክ ከም ምዃኑ ተፈሊቱ ኣሎ" በለ።

ካብ ዱር ናብ ካልእ እተወስደ

ብዕለት 6 ለካቲት 2025 ሰዓት 5 ቅ. ቐ. ድሕሪ ምጭዋዩ፣ ክቡር ኣባ ዳሙላክ ካብ ሓደ ጫካ ናብ ካልእ ጫካ የገዓዕዝዎ ከም ዝነበሩን፣ ኣቀብቲ ጸጥታ ድሕሪ ምርካቦም ውን ከይተረፈ ንነዊሕ ይደልይዎም ከም ዝነበሩ ንጹር ኢዩ ። ብድሕርዚ ንኽምርመሩ ናብ ሕክምና ተወስዱ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዋና ጸሓፊ ሰበኻ ሸንዳም ዶ/ር ጆሹዋ ዳፉ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጭውያ ምእዋጅ ድሕሪ ምእዋጅ ጸሎት ኪግበረሎም ከም ዝተማሕጸኑ ውን ዝፍለት ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ "ንሓውና ክቡር ኣባ ቆርኔሊዩስ ማንሳክ ደሙላክ ናብታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴናን ናብ ዅሎም ቅዱሳንን ምእንቲ ኼጽንዕዎምን ብደሓን ናባና ምእንቲ ኺመልስዎምን ብሕድሪ ነወፍዮም ኣሎና" በሉ።

21 Feb 2025, 16:11