ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዲ.ሪ.ኮ ህጹጽ ምትእትታው ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ምትህልላኽ ዝጸንሑ ዓመጽቲ ኤም - 23፡ ካብ ዕለት 11 ለካቲት ምሸት ንሓይልታት መንግስቲ ምሉእ ብምሉ ንምብታን ዝኣመተ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዘበገሱ ይንገር።
መጥቃዕትን ምፍርራሕን
ንህዳጣን ቱትሲ ንከላኸል ኣለና ብዝብል ምስምስ ዓመጽቲ ኤም - 23፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንርእሰ ከተማ ሰሜን ኪቩ ጎማ ተቖጻጺሮም ንደቡብ ገጾም ከም ዘቕንዑን፣ ዘበገስዎ መጥቓዕቲ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ንሞትን ንዝተፈላለየ መጎዳእትን የቃልዕ ከም ዘሎን፡ ካብ 24 መራሕቲ ዞባታት ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት እኳ እንተቐረበ፡ እቶም ዓመጽቲ ዘበገስዎ መጥቓዕቲ ከም ዘየቋረጹ ይሕበር።
ኣብ ደቡብ ኪቩ ከተማ ቡካቩ፡ ሰበ - ስልጣን ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ከም ዝርከቡን፡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን ተዓጽዮም፡ ብዙሓት ነበርቲ ድማ ካብቲ ከባቢ ይወጹ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ዓመጽቲ ኤም - 23 ካብ ጎማ ንምዕራብ ገጹ ናብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ብምእታው፣ ነቶም ኣብቲ መዓስከር ተመዛበልቲ ዝቕመጡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ክወጹ ከም ዝኣዘዙ፣ ካብቲ ከባቢ ዝወጽእ ዘሎ ምንጪ ሓበሬታ ከመላኽት እንከሎ፣ ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ዓመጽቲ ነዚ ዝተሃበ ሓበሬታ ሓሶት እንክብሉ ብምንጻግ፡ እቶም ነበርቲ ብወለንታኦም ናብቲ ሓራ ዝወጸ ዝቕመጥሉ ናብ ዝነበረ ከባቢታት ይምለሱ ምህላዎም ክሕብር እንከሎ፣ መብዛሕትኦም ኣብቲ መዓስክር ተመዛበልቲ ክልተ ዓመት ዝተቐመጡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝሓደግዎ ኣባይቶም ክጸንሖም ዘጠራጥር ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተመዛቢሎም
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ ዲ.ሪ.ኮ. ንሰሜንን ደቡብን ኪቪ ዝያዳ ብዝሃሰየ ዓመጽ 6.7 ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉ ይግምት። እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ካብ ዝብገስ ንደሓር ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ክሃድሙ ከም እተገዱን፣ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዛት ዝውዕል መደባት USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደው ንምባል ሓድሽ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወሰዶ ውሳነ፣ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ልዑል ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎን፣ USAID ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ 70% ናይ ረድኤት ስርሒታት ዝምውል ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ እገዳ ተኣዊጁ ኣብ ግብሪ ክውዕል ካብ ዝጅምር፡ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት - ህጹጽ ክንክን ጥዕናን መጽለልን ሓዊሱ - ከም እተዓጸወ ክሕበር እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕብረት ኤውሮጳ ንዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኸውን ናይ 60 ሚልዮን ኤውሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘጽደቐን እዚ ስጉምቲ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣቡነ ማርያኖ ክሮቻታ ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ዝቖረጸ ሰብኣዊ ኩነታት
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኩነታት ሰላማውያን ሰባት ዘሰክፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ግጭት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣመዛቢሉ ነቲ ድሮ ተስፋ ዘቑርጽ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድዶ ምህላዉ ይንገር። ብሰንኪ ቅልውላው መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ሰባት መግቢ፡ ጽሩይ ማይ፡ ክንክን ጥዕናን ይረኽቡ ከም ዘየለዉን፣ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽን ጃምላዊ ምዝንባልን ምሉእ ሕብረተሰብ ካብ ልዕሊ ዓቐን ብተመዛበልቲ ኣብ ዘዕለቕልቝ ዘለዉ መዓስከራት ክኣትዉ የገድድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ጻውዒት ናይ ኤውሮጳውያን ጳጳሳት
ኣቡነ ክሮቻታ "ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋጽ ዝያዳ ጻዕርታት" ክግበርን ንኣወሃህባ ሓገዝ ውሕስነት ክህሉን ጸዊዒት ኣቕሪቦም፣ ሩዋንዳ ንዓመጽቲ ኤም - 23 ትድግፍ ከም ዘላ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ፣ "ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ" ይሕብር ቢሎም፣ ሰበ - ስልጣን እቲ ከባብን ማሕበረሰብ ዓለምን "ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ" ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።