ማሕበራት ጳጳሳዊ ተልእኾ ዛምቢያ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. መርሕ ቃል የቃልሓ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ተቕዋም ተልእኾ ወንጌል ጨንፈር ዛምቢያ ሓለፍትን ኣብ ሰበኻታት ናይቲ ተቕዋም ኣባላትን ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ፥ ተስፋ ኣድማሳዊ ኣስተንፍሶ ሰብኣዊ ፍጥረት ምዃኑ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕንጸትን ጎስጓስን ኣብ ተልእኾ ወንጌል
ዕለት 21 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉን ስብከት ዘስምዑን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ዓ.ም. ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቆኡ ኣብ ዛምቢያ ናይ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ማሕበረሰብ ዋና ሓላፊ ናይ ምፒካ ሰበኻ ጳጳስ ኤድዊም ሙላንዱ፣ ነቶም ኣብ ሰበኻታት ናይ ጳጳዊ ግብረ ተልእኾ ማሕበረሰባት ሓለፍቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፣ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብሓባር ኣብ ትሕቲ “ነጋድያን ተስፋ” ዝብል ናይቲ ዓመተ ኢዮቤል መርሕ ቃል መሰረት ገይሮም ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣማእኪሎም ምይይጥ ከም ዘካየዱን፣ ተመክሮታቶም ከም እተለዋወጡን ኣብ ዛምቢያ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘካይድዎ መደብ ሕንጸትን ጉስጓስን ኣበርቲዖም ከሳልጡ ቃል ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ወንጌላዊ መንፈስን ስራሕን ብቋንቋ ዛምብያ
ሓለፍቲ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ኣብ ዛምቢያ፣ ካብ ተመኩሮታቶም ምክፋል ብተወሳኺ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከታቶም ዘሳልጥዎ ንጥፈታት፣ ዓወታት፣ ብድሆታትን መጻኢ መደባትን ዘጉልሑ ጸብጻባት ከም ዘቕረቡን፣ እቲ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ኣብ ዛምብያ ዘሎ ናይ ተልእኾ ወንጌል መንፈስን ስራሕን ዝያዳ ንምዕባይ ብዝተሓደሰ ተወፋይነትን ተስፋን ከገልግሉ ምዃኖም ብዝኣተውዎ መብጽዓ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።