MAP

ቤተ ክርስቲያን ዚምባብዌ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ንምሕላው መንግስታዊ ሽርክነት ክህሉ ትጽውዕ ቤተ ክርስቲያን ዚምባብዌ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ንምሕላው መንግስታዊ ሽርክነት ክህሉ ትጽውዕ  (ANSA)

ቤተ ክርስቲያን ዚምባብዌ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ንምሕላው መንግስታዊ ሽርክነት ክህሉ ትጽውዕ

ቤተ ክርስቲያን ዚምባብወ ንህይወት ዘኽብርን ተኣፋፍያን ሰባት ዝከላኸልን ሕብረተሰብ ንምህናጽ፣ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ግብረ ገባዊ ክብርታትን ንምድልዳልን ንምድንፋዕን ምስ መንግስቲ ምትሕብባር ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ምንጭታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዚምባብዌ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዚምባብወ ዕለት 31 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ኤመርሰን ምናንጋግዋ ካብ ናይ ሃገሩ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቅድ ዓንቀጽ ክስረዝ ከም ዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ዚምባብዌ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን(CCJPZ)፡ መንግስቲ ብመንፈስ ናይ ኢዮቤል ዓመት ተስፋ፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ሰብኣዊ ክብሪ፡ ግብረ ገባዊ ክብርታትን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ምድንፋዕ ክሰርሕ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዚምባብዌ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን(CCJPZ) ኣቦ መንበር፣ ናይቲ ጉባኤ ጳጳስት ጉዳያት ርክብ ምስ ካቶሊካውያን ኣባላት ህዝባዊ ባይቶን ሓላፊ (CPLO)፣ ናይ ሰበኻ ጒየሩ ጳጳስ ሩዶልፍ ንያንዶሮ ኣብ ዝኸተምዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ትካላትን መንግስትን ዝያዳ ፍትሓውን ርህሩህን ሕብረተሰብ ንምፍጣር፣ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ዋጋ ዝወሃበሉን ዝሕሎን ምሕዝነት ክደልድል ይጽውዑ።

እቶም ጳጳስ መልእኽቶም ኣብቲ ‘ነጋድያን ተስፋ’ ዝብል ኣርእስቲ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. መሰረት ብምግባር፡ እቲ ዓመት “ብሕድገት ሓጢኣትን ብፍላይ ድማ በቲ ኩላትና እንናፍቖ ምሕረት እግዚኣብሔር ምሉእ መግለጺ ብዝኾነ ምሕረት ዝልለ” ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ስለዚ "ነቲ ዝተዋህበና ሃልሃልታ ተስፋ፡ ኩሉ ሰብ ብኽፉት መንፈስን ብፍቕሪ ልብን ምሕረት ዝመልኦ ራእይን ናብ መጻኢ ብምጥማት ሓድሽ ሓይልን ርግጸይናነትን ክረክብ ክንሕግዞ እዋኑ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጌጋ ንኹንን ክብሪ ውልቀ ሰባት ግን ንሓቁፍ

ኣብዚ ናይ ኢዮቤል ዓመት ተስፋ፡ ጽባቐ እምነት ዳግማይ ክንረክብን “ስጋውን መንፈሳውን” ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንምዃን ቃል ኪዳን እንሕደሰሉ እዋን ምዃኑ ዝገለጹ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ “ቤተክርስትያንን መንግስትን ብሓባር ኮይኖም ንኣባያቲ ስድራ ግዳያት ማይ ደገፍን ምኽርን ኣገልግሎት ክህቡ፣ ንኽሓውዩን ንቕድሚት ንኽስጉሙን ክሕግዙ ንላበው . . . እዚ ምስቲ ንሓጢኣት ክንጸልእ እምበር ነቲ ሓጥእ ክንጸልእ የብልናን ዝብል እምነት ዝሰማማዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ክብሪ ኩሉ ክሕቆፉ፡ ሓጋጊ ኣካል ንሕግታት ፍርዲ ፍትሓውን ቅኑዕን፣ ኣብ ነባሪ ክብርታት ወንጌል ሱር ዝሰደደ ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ሰብኣዊ መሰላት ተሰማሚዑ ከም ዝቕጽል ብምግባር፣ ብስሩዕ ክግምግሞ ምትሕብባርን ምጉስጓስን ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሮም፣ ብተወሳኺ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን “ኣብ ክንዲ ኣብ መቕጻዕትን ሕነ ምፍዳይን ኣብ ምፍዋስን ምኽሓስን ዘተኮረ ናይ ምሕዋይ ፍትሒ ልምድታት ንምድንፋዕ” ብሓባር ክሰርሑ ኣተባቢዖም፣ እዚ ድማ “ንግዳይ፡ ገበነይና፡ ንዝተጎድኡን ንዝተሳቐዩን ዘገልግል ኩለንተናዊ ኣገባብ ጽገናን ምሕዋይን ይህብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት ምክልኻል

ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ናይ ሞት ፍርዲ ንምስረዝ ዝተገብረ ምዕራፍ ቅዱስን ክቡርን ህይወት ወዲ ሰብ ንምሕላው ርኡይ ስጉምቲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምትሕብባር ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ግብረ ገባዊ መምርሒ ምስ ሕጋዊ ማዕቀፋት ብምውህሃድ፣ ማሕበራዊ በደላት ክፈትሕ፣ ሰላም ከስፍሕን ሰብኣዊ መሰላት ዝሕሉ መምርሕታት ከሐይልን ይኽእል።

“ኣኽበርቲ ሕጊ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን ዝምልከቱ ዓውደ መጽናዕትታትን መደባት ሕንጸት ምትብባዕ፣ ማሕበረሰባዊ ሕግታት ምድንፋዕን፣ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለታት ዝሕብሩን ዝምርምሩን ኣገባባት ምትካል ዘጠቓልል እውን ክኸውን ኣለዎ” ዝበሉ ጳጳስ ሩዶልፍ ንያንዶሮ፣ “ቤተክርስትያን ኣንጻር ፍርዲ ሞትን ዓመጽን ምዃና ድማ ገሊጾም፣ ህይወት ክህሉን ከህይሉን ስልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ኢላ ትኣምን” እክብሉ ብኣጽንዖት ሓቢሮም፣ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት ዝያዳ ንምክልኻል፡ “ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ መደባት ትምህርቲ፡ ንቕሓትን ህንጸት ስነ ኣኣእምሮን ክውስኾ ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ እዚ ምትሕብባር እዚ፣ መጠን ገበን ንምንካይ፡ ንገበነይናታት ንምሕዋይን ዳግማይ ንምውህሃድን ንምድንፋዕን፡ ዋጋ ህይወት ወዲ ሰብ ንምድጋፍን ክሕግዝ ይኽእል እዩ - ቢሎም - ምስራዝ ናይ ሞት ፍርዲ ብኹሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ከም ሓደ ዝያዳ ርህሩህ ሕብረተሰብ ዘዕቢ፣ ኣብ ምሕዳስ ፍትሕን ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወትን ዘተባብዕ ዓቢይ ስጉምቲ ምዃኑ ኣስሚሮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Feb 2025, 16:27