ዛምብያን ሲኖዳውነትን፡ ምስማዕን ኩሉ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሳተፍ ምፍቃድን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣባ ክሌተስ ምዊላ ሓደ ካብቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ‘ካህናት ሰበኻ ንሲኖዳውነት’ ዝተሳተፉ ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝመጹ ካህናት ሰበኻ ከም ዝኾኑን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ሮማ ኣህጉራዊ ኣኼባ ዛዕባ ካህናት ሰበኻ ንሲኖዳውነት ዝተሳተፉ ካህናት ሰበኻታት ልኡካን ሲኖዳውነት ክኾኑ፥ “ ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ሃገርኩም ምስ ተመለስኩም፡ ምስ ኣሕዋትኩም ካህናት ሰበኻታት ልኡካን ሲኖዳውነት ክትኮኑ እልምነኩም ኣለኹ” እንክብሉ ከም ዝሓትቱ እውን ኣባ ምዊላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የዘኻኽሩ።
ሕመረት ሲኖዳውነት ክርስቶስ እዩ
ኣባ ምዊላ ናይ ሰበኻ ሞንዘ ካህን ኣብ ቾማ ቆሞስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም፡ ኣብታ ኣባል ዝኾኑላ ሰበካ ንቕሓት ሲኖዳውነት ክብ ንምባል ብዙሕ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፥ መልእኽቲ ሲኖዳውነት ኣብ ዛምቢያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘደንቕ መንፈስ ከም እተቐበለቶ ሓቢሮም፥ ንኹሉ ንምስማዕ ዝግበር ጻዕሪ ብዙሕ ዝምስጥን እቶም ዝስምዑ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉ ክሳተፉ ዝተጸውዑ ምዃኖም ስለ ዘለልዩ ድማ ኣዚዮም እዮም ዝሕጎሱ . . . ኣስዒቦም ይብሉ ማዕረ ማዕሪኡ ግና ሲኖዳውነት ከም ካልእ ቲዮሎጊያዊ ኣምር ኣብ ቤተ ክርስቲያ ዝተፈጥረ ዘምስል ብጌጋ ናይ ምርዳእ ተኽእሎታት ከም ዝበዝሐ ኣሚኖም፥
“ሲኖዳውነት ምስ ቲዮሎጊያዊ ህልዩ ዝኾነ ርክብ የብሉን፡ ቲዮሎጊያዊ መሰረት ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ብርግጽ ግና ሲኖዳውነት ቲዮሎጊያ ምግባር ወይ ካብ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝኾነ ‘ጌጋ ነገራት’ ምቕባል ማለት ኣይኮነን። ሲኖዳውነት ማለት ኩሉ ሰብ፣ ደረጃኡ ብዘየገድስ፣ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ክሳተፍ ምፍቃድ ማለት እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም፥ “ማእከል ሲኖውነት ናብ ኩሉ - ድኻታትን ዝተነጸሉን ዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ህይወት ዝነብሩ ሰባትን ክራኸብ ዝወጽእን ዝበጽሕን ክርስቶስ እዩ ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ትርጉም ጌጋን ዝተዛበዐን ምርዳእ ጥራሕ እዩ ዝንቅል” ኢሎም።
ሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያን ምዃን ዝብል ብስራት
ከም ናይ ተልኾኦም ኣካል ድማ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትን ጽላታትን ሕብረተሰብ ዛምብያ ኣብ ሲኖዳውነት ክሓበሩን መልእኽቲ ሲኖዳውነት ብትኽኽል ክርድእዎን ምግልጋል ምዃኑ ገሊጾም፥ ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ዝዕድም ሓድሽ ዛንታ ቤተ ክርስቲያን እዩ ቢሎም፥ “ንሕና ኣብ ቅዱስ ቁርባን ሱታፌ ዘለዎም ማሕበረሰብ ኢና። ስለዚ ኩሉ ሰብ ከም ኣገዳሲ መሻርኽቲ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ክሳተፍ ይግባእ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥
ስማዕ እምበር ኣይተፍረድ
ወሲኾም ኣባ ምዊላ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ልዕሊ ኩሉ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ምስማዕን ብሓባር ምጉዓዝን ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ምዕዳምን ዘተሓሳስብ እዩ . . .
“ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ዝብል ጻውዒት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ‘ንሲኖዳውነት’ ንውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ግብሪ እተተግብረሉ ሓደ መገዲ እዩ።”
ሰባት ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ፡ ዛንታታቶም ከካፍሉን ዝተፈርዱ ኮይኑ ከይተሰምዖም ከም እተሰምዑ ክስምዖም፥ መልእኽቲ ሲኖዳውነት ንካቶሊካውያን ጥራይ ኣይኮነን . . . ንኹሉ ሓራ ዘውጽእ መልእኽቲ እዩ።
በዚ ምኽንያት እዚ እዩ “ንማዕከናት ዜና፣ ከም ሃገራዊ ፈነወ ቴሌቪዥንን ራዲዮን ዛምብያ፣ ሃገራዊ፣ ብሕታውን ማሕበረሰባውን መደበራት ሬድዮ፣ ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ሰባት እውን ከይተረፉ ንመልእኽቲ ሲኖዳውነት ዘለዎም ኣድናቖት ዘረጋግጽ ሓበሬታ ክቐርብ ዝረኣ ዘሎ ሓቂ እዩ” ይብሉ።
ጻውዒት ሓድነት
ኣብ ዓለምን ኣብ ሕብረተሰብ ዛምብያን ከይተረፈ ንዘሎ ናይ ዘይምስምማዕ ጉዳያት ምኽንያት ብዓሌት፡ ብብሄር፡ ብፖለቲካ ወይ ብሃይማኖት ከይተመቓቐሉ ነፍሲ ወከፍና “ሓላዊ ሓድሕድ” ምዃኑ ሲኖዳውነት ዘተሓሳስቦ መልእኽቲ እዩ . . . ኢየሱስ ንማንም ዘየገልል እዩ . . .
“ኢየሱስ ትሕትናን ኣገልግሎትን ንምግላጽን ንሓጥኣን ከይተረፈ ኣእጋሮም ብምሕጻብ ከምኡ’ውን ከም ምልክት ኢዱ ዘርጊሑ ንኹሉ ናብ መኣዲ ብምዕዳም የአንግድ ። ሰለዚ፥ “ኩላትና ኣሕዋት ኢና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።