MAP

ካርዲናል ቪርጂሊዮ ደቪድ ኣብ ኢዮቤል ፊሊፒናውያን ብተስፋ ብሓባር ክጓዓዙ ተማሕጺኖም ካርዲናል ቪርጂሊዮ ደቪድ ኣብ ኢዮቤል ፊሊፒናውያን ብተስፋ ብሓባር ክጓዓዙ ተማሕጺኖም 

ካርዲናል ቪርጂሊዮ ደቪድ ኣብ ኢዮቤል ፊሊፒናውያን ብተስፋ ብሓባር ክጓዓዙ ተማሕጺኖም

ናይ ፊሊፒንስ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ፓብሎ ቨርጂልዮ ደቪድ ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ግብረ ኖላዊ ኣስተንትኖ ምእመናን ዋላ ሓድሽ ብድሆታት ኣብ ዝገጥሞም እዋን ብተስፋ ብሓባር ክጓዓዙ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ፓብሎ ቨርጂልዮ ደቪድ፥ ፊሊፒናውያን ምመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተስፋ ጸኒዖም፡ ንባህርያዊ ጽንዓትን እወታውነትን እሙናት ኮይኖም፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምዕድዎ ብሲኖዳዊ መንፈስ ብሓባር ክመላለሱ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፊሊፒናውያን ባህርያዊ ጽንዓት ካብቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ዓሚቝ እምነት ዝሰረተ እዩ

ካርዲናል ቨርጂሊዮ ደቪድ ኣብ መኽፈቲ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ፡ ፊሊፒናውያን ካብ ፍርሒ ንላዕሊ ተስፋ ናይ ምግባር “ባህርያዊ ድሌት” ዘለዎም ከም ዝመስሉ ኣመልኪቶም፡ እዚ ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ መጽናዕትታት ዝህቦ መርትዖ ምዃኑ ኣመላኺቶም። እቲ መርትዖ ከም ዝሕብሮ እውን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ፍሊፒንስ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ንመጻኢ እወታዊ ኣረኣእያ ከምዘለዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክኢላታት ነዚ ተስፋ’ዚ ምስቲ ፊሊፒናዊ ዓሚቝ ሃይማኖታውነትን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነትን የዛምድዎ።

“እቲ ልዑል ናይ ተስፋ ስምዒትና ምስቲ ‘ህይወት ክህሉ ከሎ፡ ተስፋ ኣሎ’ (‘habang may buhay, may pag-asa) ምስ ዝብል እምነት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ኣስተብሂሎም፥ “ዋላ እኳ ቃልስን ጭንቀትን እንተሃለወ፡ ‘ኣምላኽ ምሕረት እዩ’ (‘may awa ang Diyos’) ‘ኣምላኽ ክከናኸን’ዩ” (‘Diyos na ang bahala’) ዝብል እምንቶ ወትሩ ኣጽኒዕና ንዘክሮ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ገለ ጽኑዓት ክውንነታት፡ ከም ድኽነት፡ ኣዕናዊ ጽልዋ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር፡ ብድሆታት ጥዕና ኣእምሮን ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕን ንብዙሓት ሰባት ተስፋ “ክቆርጹን ወይ ከኣ ውሑድ ተስፋ” ክህልዎም ክግበር ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፥

ኢዮቤል ተስፋ ኣብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን ይድርኸና

ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እምነት ንምዑማቕን ተስፋ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምምልሓቕን ጻውዒት ይኸውን . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ብኽፉት መንፈስን ምትእምማን ዘለዎ ልብን ኣርሒቑ ዝጥምት ራእይን ናብ መጻኢ ብምጥማት ኩሉ ሰብ ሓድሽ ሓይልን ርግጸይናነትን ንኽረክብ ንምሕጋዝ” ተስፋ ዝብል ኣርእስቲ መሪጾም ዝበሉ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ፊሊፒስን ዓመት ኢዮቤል ንመንፈሳዊ ምሕዳስን መዋቕራዊ ጽገናን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ከም ዕድል ክቕበልዎ ጸዊዖም፡ ከም ማሕበረሰብ ኣብ እምነት ብሓባር ምጉዓዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሖም። “ጸጋ ኢዮቤል ኣይነባኽን። እቲ ብሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝተበገሰ መንፈሳዊ ሕዳሴን መሓውራዊ ጽገናን ንኸነስጉም ድርኺት ኣይንስእን” ኣንክብሉ ተማሕጺኖም፥

“እቲ ተስፋ ዘለዎ ነቲ ብርጭቆ ከም ፍርቂ ምሉእ ወይ ፍርቂ ባዶ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ። እቲ ተስፋ ዘለዎ ካብቲ ጽምኢ ደቂ ሰባት ከጥፍእ ዝኽእል ዓይኒ ማይ ህያው ማይ ይሰቲ። ንሕና ነጋድያን ተስፋ ኢና። ብሓባር ንቕድሚት ክንስጉም ተጸዊዕና ኣሎና፣ ኣብ ሲኖዳውነት።”

ብተስፋ ብሓባር ኢና ንጓዓዝ

ዝበሉ ካርዲናል ደቪድ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብታ ጃልባ፡ ኣብቲ ዕግርግር ዝመልኦ ባሕሪ እናተጓዕዙ ዝገልጽ መለለዪ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ፡ መስቀል ከም መልህቖም ከም ዝገበሩ፡ ዘርእይ ምዃኑ ብምዝኽኻር ኩላትና ኣብታ ርክብና ንምሕዳስ እተጸዋዕናላ ጃልባ ኢና ዘሎና” ቢሎም፥ “ስሩዕ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ መሰረታዊ ዓቕለስያውን ማሕበረሰብ ሰበኻታትን ሃገረ ስብከታትናን ብሲኖዳውነት ኣብ ምቛም ክንጅምር ዝበለጸ ዕድል እዩ . . .  “ብተስፋ ብሓባር ኢና ንጓዓዝ። ብፍቕሪ ብሓባር ኢና ንመላለስ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 Jan 2025, 16:38