MAP

2025.01.02 thailand bishop Arpondratana jubilee opening chiang mai 2025.01.02 thailand bishop Arpondratana jubilee opening chiang mai  (Diocese of Chiang Mai)

ጳጳሳት ታይላንድ መኽፈቲ ዓመተ ኢዮቤል ይምጽምብሉ፣ ተልእኾ ተስፋ ውን ይውድቡ

ጳጳስ ሰሜናዊ ሰበኻ ቺያንግ ማይ ታይላንድ ብፁዕ ኣቡን ፍራንሲስ ዛቪየር ቪራ ኣርፖንድራታና ንካቶሊካውያን ምእመነን ኣብ መኽፈቲ ዓመት ኢዮቤል 2025 ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልብና ኺኸፍቱሉ ክብሉ ተማሕጸኑ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡን ፍራንሲስ ዛቪየር ቪራ ኣርፖንድራታና ንመኽፈቲ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ንምጽንባል መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ።

እቲ ብዕለት 28 ታሕሳስ ኣብ ደብረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ካቴድራል እተኻየደ ጽምብል ዓለምለኻዊ ፍረ ነገር ዘለዎ ናይ እምነት ጕዕዞ ዝጀመረሉ እዋን ‘ነጋድያን ተስፋ’ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘመልክት ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ፍጻመ እዚ ብዛዕባ እምነትን ንስሓን ምስ ኣምላኽ እንደገና ርክብ ንምምስራት ንምስትንታን ጥራይ ዘይኰነስ ስጕምቲ ንኽንወስድን እንተላይ ንእተሸገሩ ንኽንሕግዝ እውን ዜነቓቕሕ እዩ።

ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገለጽዎ ብዛዕባ ተስፋ "ነገራት ክሳዕ ዚፍጸም ጥራይ እትጽበ ዘይንቀሳቐስ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣይኰነትን ።፡” ኣብ ክንድኡስ "እዚ ንኽፍጸም ዝሕግዝ ኣዝዩ ንጡፍ መንፈሳዊ ሓይሊ ኢዩ" ክብሉ ጠቐሱ።

ኣብዚ እዋን እዚ ሓዋርያዊ መስተናብር ሰበኻ ባንግኮክ ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡን ኣርፖንድራታና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ "ዝዀነ ይኹን ዜግነት ዓሌትና ወይ መዓርግና ብዘየገድስ ብእኡ ንኽንኣምን ልብና ንኽፈተሉ" በሉ።

ገለ ኻብተን ቤተክርስቲያን በዚ ኢዮቤል ተስፋ ንምርካብ ዘቕረበቶ ጻውዒት ተደሪኸን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሰበኻ ታራይ ዝኾና ክልተ ኣሓት ደናግል ካብ ማሕበር ኣፍቀርቲ ቅዱስ መስቀል በዚ ጻውዒት እዚ እተነቓቕሓ ኢያተን ዝነበራ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ህይወቶም ንመሳኪን ቈልዑ ንምግልጋል ዝወፈዩ እናቴ ታኖምስሪ ራኽፓንያን ከምኡ ውን እናቴ ሚንግክዋን ታሴፑን ነቶም ኣብ ወሰናስን ከተማ ቺያንግ ማይ ኣብ ዚርከብ ባን ፎንሳዋን (ቤተ ጸጋ) ዚከናኸንዎም ቈልዑ "ነጋድያን ተስፋ" ንኪዀኑ ቘሪጻን ኣለዋ ።

እዘን ክልተ ኣሓት እዚኣተን ኣብቲ ነዞም እተጠንጠኑ ቘልዑን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉን መዕቈቢ እትዀኖም ቤት ጸጋ ብሓላፍነት ዘገልግላ ዘለዋ ኢያተን ።

ተልእኾን ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዘቕረብዎ መልእኽቲ ዝሰማማዕ ኢዩ፣ ንካቶሊካውያን ከኣ "ክርስትያናዊ ተስፋ" ክቕበሉ ንምምሕጻን ንምሕዋይን ለውጢ ንምግባርን ኣብ ዘድልያ ዓለም ከባጽሕዎ ተማሕጺኖም ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካውያን ምእመናን ህያዋን መሰኻኽር ተስፋ ክዀኑ ብምምሕጻን "ተስፋ ቀንዲ መልእኽቲ ኢዮቤል 2025 ኢዩ " በሉ ።

ምኽፋት ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ታይላንድ
ምኽፋት ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ታይላንድ   (Diocese of Chiang Mai)

ሓለቓ ባን ፎንሳውን (ቤተ ጸጋ) ዝዀና ክብርቲ እናቴ ታኖምስሪ ነቶም ዚከናኸንዎም ቈልዑ ዜጋጥሞም ከቢድ ብድሆታት ከምዚ ብምባል ይገልጻ - "ንገሊኦም በቶም ኪከናኸንዎም ዚደልዩ ማህሰይቲ ዝወረዶም ቈልዑ ነቶም ብኣካላውን ጾታውን ስምዒታውን በሰላ ዚሳቐዩ ቘልዑ ንወስዶም ኢና ። ነጋድያን ተስፋ ክንኮኖም ድማ ንደሊ ኢና" በላ።

ባን ፎንሳዋን (ቤተ ጸጋ) ቺንግ ማይ ድኽነት ኣብ ዝበዝሖ ኸባቢ ንዝነብሩ ሒደት ቀቢላታት ቈልዑ ትምህርትን መዕቈብን ንምሃብ ተባሂሉ ብ2000 ዓ.ም. እተመስረተ ኢዩ።

እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ንትምህርቲ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎም ኢዩ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ናይ ታይላንድ ናይ መንነት ሰነዳትን ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታትን ስለ ዝነበሮም ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ - ትምህርቲ ንኽካፈሉ ኣጸጊምዎም ነበረ ።

ብ2002 ዓ.ም. ኣብ ሆንግ ኮንግ ቻክ ሞን-ሂን ዚነብር ወዲ 9 ዓመት ቈልዓ ነቲ ዘዋህለሎ ገንዘብ ንቤት ቈልዑ ንምድጋፍ ምስ ወፈየ እቲ ማእከል ነጥበ-መቐይሮ ገበረ።

ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃታት ሉኪምያ ዝነበረ ቻክ ናብ ዲዝኒላንድ ክኸይድ ኢዩ ዝምነ ዝነበረ፣ እንተዀነ ግን ትምህርቲ ንምርካብ ዝቃለሱ ዘለዉ ቈልዑ ቀቢላታት ዝገልጽ ፊልም ምስ ረኣየ ገንዘቡ ነዚ ቤት ቈልዑ ክህብ መረጸ።

እቲ ማእከል ነቲ ስስዐ ዘይብሉ ተግብሩ ንምኽባር "ቤት ጸጋ" ዝብል ስም ተዋህቦ  እዚ ድማ ነቲ መልኣኽ ዘርእዮ ሕያውነትን ኣኽብሮትን ኢዩ ዘመልክት ዝነበረ።

ብ2005 ማሕበር ደናግል ኣፍቀርቲ ቅዱስ መስቀል ንባን ፎንሳዋን (ቤተ ጸጋ) ከም መሰረት ግብረ - ሰናይ ገይረን ብወግዒ ብምምዝጋብ ምምሕዳሩ ተቐቢለን ከገልግላ ጀመራ ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘን ክልተ ኣሓት ነዚ ናይ ቈልዑ ቤተ ጸጋ ከካይዳ ተመደባ ። ክብርቲ እናቴ ታኖምስሪ ነቲ ነባሪ ኣገዳስነት ናይዚ ተልእኾ እዚ ከምዚ ብምባል የጕልሓ - "ወትሩ ዘኽታማትን እተጠንጠኑን ቈልዑ ክህልዉ ኢዮም፣ ገሊኡ ነገራት ፈጺሙ ኣይቅየርን እዩ" በላ።

እተን ተሓጋጋዚት ሓለቃን ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ናይዚ ቤት ጸጋ ቈልዑ ዝዀና ክብርቲ እናቴ ሚንግክዋን ውን ብወገነን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብዛዕባ እቲ ንቈልዑ ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ኣስተንተና ።

"ምስ እተሰብሩ ሰባት ኣብ እተበላሸወት ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና ሰብኣውነት እናሓሸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር እውን የለን" በላ።

"ዕቤትን ቍጽርን ናይቶም እተሸገሩ ቘልዑ እቲ ለውጢ ኢዩ። ዝያዳ ብስድራ ቤቶም ጸቕጢ እናወረዶም ብዝኸዱ መጠን ቈልዑ ዝያዳ ግዳያት ይዀኑ ኣለዉ።"

ነዞም ቈልዑ እዚኣቶም ተስፋ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ውን ኣጕልሓ፣ ከምዚ ድማ በላ - "ታሪኾም ፈሊጥና ፍቕርናን ሓልዮትናን ተስፋናን ምትብባዕናን ንህቦም ኣሎና።"

ኣብዚ እዋን እዚ ባን ፎንሳዋን (ቤተ ጸጋ) ቈልዑ ን30 ቈልዑ ዝኣሊ ድሕንነትን ክንክንን ዘለዎ ሃዋሁ ድማ ዝህብ ኢዩ ።

እቶም ቈልዑ ኻብ ሕጻንነት ኣትሒዝካ ኽሳዕ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ይምገቡ ካብ ኣሕምልቶምን ፍረታትን ስፍራ ኣታኽልትን ይምገቡ ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ተመዝጊቦም ይመሃሩ ኣለዉ።

ይኹን እምበር እቲ ማእከል ከቢድ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞ ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ሒደት ገንዘብ ምርካብን ቈልዑ ኣብታ ኸተማ ኣብ ዚርከብ ካቶሊካዊ ኣብያተ - ትምህርቲ ንኺካፈሉ መጓዓዝያ ምድላውን እዩ ።

እዚ ዅሉ ዕንቅፋታት እናሃለወ ኽነሱ እተን ኣሓት ተልእኾአን ንምፍጻም ቈራጽነት ገይረን የገልግላ ኣለዋ። ክብርቲ እናቴ ሚንግክዋን ከምዚ ክብላ ይምስክራ - "እዚ ቐሊል ተግባር እዚ ንኣካላት ቈልዑ ይምግብ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዑደት ድኽነት ንኸቋርጽዎ እውን ትምህርቲ ዝህብ ኢዩ።

"ነዞም ቈልዑ እዚኣቶም ተጻዋርነት ንኸማዕብሉ፣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንኽምረቑ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንገዛእ ርእሶምን ንስድራቤቶምን ንምእላይ ስራሕ ንኽረኽቡ ክንሕግዞም ተስፋ ንገብር።"

እተን ኣሓት ነቶም መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝወድኡ ቘልዑ ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ቈልዑ ናብቲ ኣብ ታራ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይን ካልኣይ ደረጃ ብምልኣኽ ተወሳኺ ትምህርቲ ንምሃብ ውን ይዓያ ኣላዋ።

እዚ (ቤተ ጸጋ) ባን ፎንሳውን ዘካይዶ ዘሎ ኣገልግሎት ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክርስትያን ምእመናን ህያው መስውኻኽር ተስፋ ንክዀኑ ምስ ዘቕረቡሎም ጻውዒት ዝሰማማዕ ኢዩ ።

ክብርቲ እናቴ ታኖምዝሪን ከምኡ ውን ክብርቲ እናቴ ሚንግክዋንን ብኣገልግሎተን ንእተሸገሩ ቘልዑ ብምክንኻንን ብምድጋፍን ብእምነትን ኣገልግሎትን ኣወንታዊ ለውጢ ኽገብራ ኸም ዝኽእላ ብምግላጽ ኣብ ናይ 2025 ዓመት ኢዮቤል ተበግሶ ኣበርክቶ ይገብራ ኣለዋ ።

03 Jan 2025, 16:55