ካርዲናል ቦ፡ '2025 ዓ.ም. ኣብ ሚያንማር ሰላም ዝዕምብበሉ ዓመት ይኹን'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ ክርስቲያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብወግዒ ኣብ እትጅምረሉ ዘላ እዋን ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሚያንማር ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ፡ ሓድሽ ዓመት በቲ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ሓድሕድ ኲናት ኣብ ስቓይ እትርከብ ሃገሮም ሰላም ዘምጽእ ዓመት ከም ዝኸውን ልባዊ ተስፋኦም ገሊጾም።
“2025 ዓ.ም. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልብን ኩርናዓት ሚያንማርን ሰላም ዝዕምብበሉ ዓመት ይኹን” እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ያንጎን፣ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምያንማርን ካርዲናል ቦ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናብ ኣርባዕተ ዓመታት ገጹ ዘብል ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ሚያንማር
ሚያንማር ካብ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ጀሚራ፡ ሰራዊት ነቲ ብኣማኻሪት መንግስቲ ኣንግ ሳን ሱ ኪን ሃገራዊ ውድብ ንደሞክራሲ (NLD) ዝምራሕ ዝተመርጸ በርገሳዊ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝዓልው ንደሞክራሲ ዝድግፍ ተቓውሞታት ብዓመጽ ብምዕፋን ዝወስዶ ዘሎ ስጒምትታት ነታ ሃገር ዘቖሙ ሓያሎ ብሄራት ሃገር - ለኸ ዕጥቃዊ ናዕቢ ከም ዝዓደመን ካብቲ ዕልዋ መንግስቲ ጀሚሩ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 28 ሽሕ ድማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ካብ ምልዕዓል ናዕብን ምትላል ምርጫን ክሳብ ብልሽውና ብዝብል 14 ገበናዊ ክስታት ኣንግ ሳን ሱ ኪን ን27 ዓመት ማእሰርቲ ከም እተፈረደትን እንተኾነ ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ደገፍ ቻይናን ሩስያን ዝረክብ ሰራዊት ሚያንማር፡ ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ፍርቂ እታ ሃገር ዝቆጻጸር ዘሎ ዝተፈላለዩ ብሄራዊ ዕጡቃዊ ኪዳናት ዝሓቁፍ ሓይሊ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ስዕረት የጋጥሞ ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሚያንማር ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ "ስርዓታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዙሓት ካብኣቶም ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን" ዝብል ክሲ ከም ዘቕረበሉ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ጻውዒት ዓመጽ ብቕልጡፍ ንኸብቅዕን ንውሕስነትን ጸጥታን ሰላማውያን ሰባት
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ንዕርቂ ጻውዒት ዘቕረቡ ካርዲናል ቦ ኣብ መልእኽቶም፡ ሚያንማር ክብራን ተስፋን ንምምላስ ክትኽተሎ ዘለዋ መገዲ ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ምባልን ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ድማ ህጻናትን ምክልኻል ቀዳምነት ክወሃቦ ዝጠልብ ዝኾነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘየግልልን ሕይወት ዘኽብርን” እንክብሉ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት እቲ ኣብ ሚያንማር ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሙ እንክብል ዝኹንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ግጭት ኣብታ 54 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ካብ መነባብርኦም ከም ዘመዛበሉን ብተወሳኺ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ትሕቲ መስመር ድኽነት ክነብር ከምዝደረኸን ይሕብር።
ዕርቅን ፍትሕን ከም መገዲ ሰላም
ካርዲናል ቦ መንእሰያት “ሃንደስቲ ሰላም” እዮም ቢሎም፥ ሃገር ብህጹጽ ዕድላትን ትምህርትን ክተቕርበሎም ሓቲቶም፥ ከምዚ ምግባር ድማ "ንሕይወቶም ጥራሕ ዘይኮነስ መንፈስ ሃገር ዳግም ክሃንጹ ሓይሊ ንህቦም” ከም ዝበሉን፥ ዕርቂ ከም መገዲ ሰላም እዩ እንክብሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም፥ “ዕርቂ መስርሕ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ምርጫ እዩ - ኪኖ ቃንዛ ምፍቃር፡ ኪኖ ዕንወት ክትሃንጽ ምርጫ ምግባር” ማለት እዩ። ፍትሕን ክብርን ምምስራት እውን ናብ ሰላም ከም ዝመርሕ ብምምልካት፥ “ሓቀይና ሰላም ሰገር ኪኖ ዘይምህላው ኲናት፡ ህላወ ፍትሒ፡ ጸጥታን ክብርን ንኹሉ ዘንጸባርቕ እዩ . . . ኣብ መሰረት ምትእምማን ዝተሃንጸ፡ ብርህራሄ ዝድልድል፡ ብተስፋ ዝቕጽል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት
ካብታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ’ውን ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓመጽ ከብቅዕ ብተደጋጋሚ ጻውዒት እኳ እንተቐረበ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት በርማ ኣብ ብሄራዊ ዞባታት ብቐንዱ ኣብተን ብብዝሒ ክርስትያንን ዓሌት ባማር ዝበዝሑለን ዞባታት ዘሎ ወጽዓ ከቃልል ዝኽእል ምልክት ኣየርኣየን። ኣብ ግዝኣታት ካያህን ቺንን ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ብደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ከም ዘዕነወን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ክስደዱ ከም ዘገደደን ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ኩሎም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት ብፍላይ ድማ ብማሕበር ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ (ኣሴን) ዝተኻየደ ጻዕሪ ነቲ ግጭት ከብቅዕ ከምዘይገበረን እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ 2025 ዓ.ም. ናጻ ምርጫ ከካይድ ዝኣተዎ መብጽዓታት ሰፊሕ ጥርጣረታት የጋጥሞ ከም ዘሎን ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቲ ህልው ኩነታት ነታ ሃገር ናብ ሓያሎ ብሄራት ይበታትና ከም ዘሎን፡ ዋላ’ውን ደሞክራስያዊ ስርዓት እንተተመለሰ፡ ኣብ መጻኢ ዳግማይ ንምጥርናፍ ኣጸጋሚ ዝገብር ሓደ ዓይነት ባልካናውነት ከስዕብ ብዘኽእል ሓደጋ ዝተኸበት ኴይና ምህላዋ እዩ ዝንገር።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ይቕሬታ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዕለት 4 ጥሪ፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ መዓልቲ ናጽነት ሃገረ ሚያንማር ብምኽባር፡ ኣስታት 6 ሽሕ እሱራት ብይቕሬታ ናጻ ከም ዝበለ ኣፍሊጡ፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ምፍናው ንኣንግ ሳን ሱ ኪ ዘጠቓልል ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ከም ዘይተራእየ እዩ ዝንገር።