ናይ ኡጋንዳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ በዓለ ልደት 2024 ዓ.ም.
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ኡጋንዳ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት UEC) ኣቦ መንበር ናይ ሃገረ ስብከት ኪይንዳ - ሚትያና ጳጳስ ኣንቶኒ ጆሴፍ ዝዚዋ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ፡ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ምሕብሓብ ፍቕሪ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎም ተራ፡ ብመሰረት ኣብነት ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤት ከስተንትንዎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ናይ ኡጋንዳ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣብ በዓል ልደት ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር ምህናጽን ምሕዳስን
ጳጳስ ዝዚዋ በዓል ልደት ነቲ ብስም ኣማኑኤል ዝተመሰለ ምስጢር ስጋዌ ኣምላኽ ዳግማይ ንምንባርን እዚ መለኮታዊ ህላወ ዘንጸባርቕ ስድራቤታዊ ምትእስሳር ንምድልዳልን ዕድል ዝህብ ምዃኑ ኣስሚሮም፥
"በዓል ልደት ኣባይቲ ስድራ ብዛዕባ ትምህርቲ ክርስቶስ ዘስተንትኑሉን ፍቕራውን ተደጋጋፍን ኣባይቲ ንምፍጣር ዘለዎም ተወፋይነት ዘሐድሱሉ እዋን እዩ” እንብሉ የስተብህሉ።
ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ከስዕቦ ዝኽል ሃሳዪ ጽልዋ
ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ኣባይቲ ስድራ ዘጋጥሞም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብድሆታት፡ ማለት ልዑል ወጻኢታት መነባብሮ፡ ጸቕጢ ዘመናዊ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ዘይብቑዕ ክንክን ጥዕና ዝብሉ ጠቒሶም፥ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ንጥፈታት ኣባይቲ ስድራ ዘስዕቦ ሃሳዪ ጽልዋን ዘሰክፍ ጥራሕ ዘይኮነስ እናገደደ እውን ይኸይድ ምህላዉ ሓቢሮም፡ ዓመጽን ሸለልትነት ወለድን ምብትታን መሓውር ስድራቤትን የተኣታትው ኣሎ እንክብሉ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
"ብዝሕ ዝተጠንጠኑ ወይ ዝተበደሉ ህጻናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብተስፋ ዝቖረጹ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጽልዋ ዘለዎ ተግባራት ብዙሕ የሰንብደናን የተሓሳስበናን” ዝበሉ ጳጳስ ዝዚዋ፡ ንጽል ወላዲ ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ ሓዊሱ ክብሪ ስድራ ቤት ንምምላስን መሰል ህጻናት ክሕሎን ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንቤተሰብ ዝምልከት መንግስታዊ ደገፍ ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም፣ ንጽህና ሓዳርን ስድራቤታዊ ህይወትን ዝድግፍ ሕግታት ክትግበር ኣተሓሳሲቦም፡ “ንስድራ ቤት ዝድግፍን ዝኸናኸንን ሕግታት ክጸድቕ ኣለዎም፡ ቀንዲ ክብርታታ ኣባይቲ ስድራን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ክኽበር መታን” እንክብሉ ኣስሚሮምሉ፡ ማሕበረሰብ ሕጊ ኣብ ምዕቃብ ማሕበራዊ ምርግጋእ ዘለዎ ኣገዳሲ ተራ እውን ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንድሕነት ሃገር ንጸሊ
ብተወሳኺ ኣብ ሰፊሕ ማሕበረ - ቁጠባውን ፖለቲካውን ብድሆታት ኡጋንዳ ሃገራዊ ኣስተንትኖ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ስእነት ስራሕ፡ ፖለቲካዊ ምፍልላይን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን፡ እውን ብምምልካት፥ "በዓል ልደት ነዚ ስክፍታታት እዚ ናብ እግዚኣብሔር ንምውፋይ ዝያዳ ንሰላማውን ምዕቡልን ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ንምሕታት ፍጹም ግዜ ምዃኑ ብምዝኽካር” ምእንቲ እዚ ክጽለ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንመንፈሳዊ ሕዳሴ ዓመት ኢዮቤል ብምሉ ምንባር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንምእመናን ኣዘኻኺሮም፣ ካቶሊካውያን ጉዕዞ መንፈሳዊ ሕዳሴ ሓቚፎም ምስ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ነንሕድሕዶምን ምስ ዓለምን ዝምድናታት ከደልድሉ ኣዘኻኺሮም . . . ስድራ ቤት መሰረት ሕብረተሰብ ኣብ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ብምዝኽኻር፥ መንግስትን ዜጋታትን ነዚ ኣገዳሲ ዓንዲ ሕብረተሰብ ዝኾነ ስድራ ቤት ክከናኸንዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ንኹሎም ኡጋንዳውያን ብሩኽ በዓል ልደትን ምዕባለን ዘለዎ ሓድሽ ዓመትን ተመንዮም፡ ኣብ ዝመጽእ 2025 ዓ.ም. ብዛዕባ ማእከልነት ስድራቤት ቀጻሊ ኣስተንትኖ ክግበር ብዘቕረብዎ ጻውዒት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ፡