MAP

ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ሓጎስ ልደት ንቃላት ውግእን ሓያላትን የምክን ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ሓጎስ ልደት ንቃላት ውግእን ሓያላትን የምክን  (EPA)

ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ሓጎስ ልደት ንቃላት ውግእን ሓያላትን የምክን

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዋዜማ ልደት ኣብ ቤተልሔም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ኣብ ጎደናታትና ኣብ መንጎ ብግጭት ዝዓነወ ገዛውትናን ነጋድያን ተስፋ ኮይንና ንኽንጓዓዝ ኣይንድከም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

2024 ዓ.ም. "ብንብዓት ብደም ብስቓይ ብተስፋ ምቝራጽ ከምኡውን ንሰላምን ፍትሕን ብዘፈርስ ውጥናት ዝተመልአ ኣድካሚት ዓመት" ዝበሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፥ ነቲ ብውግእ ዝልለ ኣጸጋሚ ዅነታት ብዛዕባ ልደት መድሓኒ ንምእዋጅ ዚግበር ጻዕሪ ኣይክውሎን እዩ” እንክብሉ ዕለት 24 ታሕሳስ ኣብ ቤተልሔም ኣብ መካነ ንድገት ደብረ ልደቱ ዘኢየሱስ ክርስቶስ ንዋዜማ በዓለ ልደት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፥ “መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ስቓይ ከም ዘሎ ዝሕብር ዘሕዝን ስምዒታት" ከም ዘሎ ኣጒሊሖም፥

ኣብ መንገዲ ፍትሒ ብዘይ ፍርሒ ጽኑዓት ምዃን

ይኹን እምበር፥ "እግዚኣብሔር ብወዱ ኣቢሉ ብውልቁ ኣብ ታሪኽና ኣትዮ ጾርና ናቱ ገይሩ . . . ኣብ መከራናን ንብዓትናን ክሳብ ምእንታና ደሙ ብምፍሳስ ይካፈልን መንገዲ ህይወትን ተስፋን ድማ የቕርበልና፡ . . .  ሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ክንጸንዕን ንሓይልታት እዛ ዓለም እዚኣ ከይንርዕድ ይሓትተና"። እዚ እምነትን ምትእምማንን ዝሓትት ኩነት እዚ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ውሑድን ምናልባት'ውን ኣብቲ ናይ ቁጠባን ፖለቲካውን ረብሓታት ጸወታ ኣብ ዝካየደሉ ዓውዲ ውሑዳትን ምናልባት'ውን ትርጉም ዘለዎ ቁጽሪ እንተኾነ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ እቶም ሓጐስ ልደት ዝካፈሉ ሰባት ዝውከሉ እዮም . . .” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ሓጎስ ልደት ንቃላት ውግእን ሓያላትን የምክን
ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ሓጎስ ልደት ንቃላት ውግእን ሓያላትን የምክን   (EPA)

ነጋድያን ተስፋ ኣብ መንጎ ፍርስራስ ኲናት እውን ከይተረፈ

“ንሕና ክንኣምን ንደፍር -  እቲ ቃል ኣብዚ ስጋ ካብ ዝኾነሉ መዓልቲ ኣትሒዙ፡ ኣብ ኩሉ ስጋን ኣብ ኩሉ ግዜን ታሪኽ ህልው እዩ . . . ናብ ምልኣት ክብሪ ድማ የቕንዖ” . . . ኣብቲ ንተስፋ ዝተወፈየ ዓመት ኢዮቤል እምበኣር፡ መዝሙር ሓጎስ ልደት መድሓኒና "ካብ ቅኒት ወጻኢ ኣይኮነን፡ ንጫውጫው ኩናትን ባዶ ቃላት ሓያላትን ካብ ቅኒት ወጻኢ ይገብር! ቅኒት ልደት ድኹም ኣይኮነን ኣብ ውሽጢ ንብዓት እቶም ዝሳቐዩ ሰባት ብትሪ ዝስማዕ እዩ፣ ሕነ ምፍዳይ ብይቕሬታ ክንፈትሖ ድማ የተባብዓና። እቲ ገንሸል ኣብ መንጎናን ኣብ ክውንነትናን ህልው ብምዃኑ ኣብ ጎደናታትን ኣብ መንጎ ዝዓነዉ ኣባይቲ ምድርናን ከይተረፈ ናይ ተስፋ ነጋድያን ክንከውን የኽእለና” ቢሎም፥

ብትብዓት ዕርቅን ይቕሬታን ኣበግስ

ቅድስቲ መሬት "ካብ ዝኾነ ዞባ ንላዕሊ ሓቀይና ኢዮቤል የድልያ"፡ "ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ሓድሽ ጅማሮ፡ ሓድሽ ራእይ፡ ንቋንቋ ዓመጽ ኢዳ ከይሃበት ንመጻኢ ብተስፋ ክትጥምት ትብዓት የድልያ" . . .  ከምኡ'ውን ጽልኢ ኩነት መጻኢኣ ክይክውን ተኽእሎ ዝዓጽው እዩ . . . ዕዳታት ይቕረ ክበሃል እዩ፣ እሱራት ሓራ ክወጹ እዮም፡ ንብረት ክምለስ እዩ፡ ብሓቂ ድማ ብትብዓትን ቆራጽነትን ዕቱብን ተኣማንን መንገድታት ዕርቅን ይቕረ ምብህሃልን ክንጅምር የኽእለና፣ ብዘይ እዚ ድማ ሓቀይና ሰላም ፈጺሙ ኣይክህሉን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ሓጎስ ልደት ንቃላት ውግእን ሓያላትን የምክን
ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ሓጎስ ልደት ንቃላት ውግእን ሓያላትን የምክን   (EPA)

ቓዛ በይና ኣይኮነትን

ቀጺሎም ካርዲናል ፒዛባላ ነቶም "ዘደንቕ ምስክርነት ሓይልን ሰላምን" ዘቕርቡ "ኣሕዋትን ኣሓትን ቓዛ" እናሓሰቡ፥ "በይንኹም ኣይኮንኩምን - ብሓቂ ኣብ ማእከል እቲ ከቢቡኩም ዘሎ ናይ ፍጹም ጥፍኣት መዓት ርኡይ ምልክት ተስፋ ኢኻትኩም። ኣይጠፋእኩምን . . . ሕጂ እውን ተጠርኒፍኩም፣ ብተስፋ ጸኒዕኩም ትርከቡ።"

ተስፋ ኣይነጥፍእ

ምስ በሉ ሓሳባትና ናብቶም "ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ቤተልሄም" ንግብር፥ ሎሚ ዓመት እውን "ብዘይውሕስነት፡ ድኽነት፡ ዓመጽ ዝልለ ልደት ኣብ እነብዕለሉ ዘሎና እዋን ምስቲ ኩሉ ዘሎ ሕልኽልኻት ዝሓሸ መጻኢ ኣሚትና ብተስፋ ንኽንጓዓዝ ሓይሊ ይህበና “ትብዓት ይሃልወና፥ ተስፋ ክንስእን የብልናን። ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ነሐድስ ንሱ ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ" እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Dec 2024, 12:40