MAP

Cry my Beloved Country Cry my Beloved Country  (ANSA)

ፊደስ ኣብ ጸብጻቡ ኣብ ዓመተ 2024 13 ልኡካነ ወንጌል ከም እተቐትሉ ኣመልኪቱ

ፊደስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ብዓመተ 2024 13 ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ከም እተቐትሉ ኣመልኪቱ፣ እዚ ኸኣ እቶም ብዓመጽን ድኽነትን ብልሽውናን ኣብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኸባቢታት ዘገልግሉ ዘለዉ ዜጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ዘጕልሕ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ   ኣብ ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዚዓዪ ትካል ኣገልግሎት ዜና ፊደስ ዓመታዊ ብዛዕባ እቶም ኣብ መላእ ዓለም እተቐትሉ ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ኣገልገልትን ዚገልጽ ጸብጻብ የቕርብ ። ብዛዕባ ዓመት 2024 ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ናይዛ ዓመት እዚኣ ጸብጻብ ነቲ ሸሞንተ ካህናትን ሓሙሽተ ምእመናንን ዝርከብዎም 13 ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ብዜሕዝን መገዲ ኸም እተቐትሉ የጕልሕ ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ነታ "ልኡካነ ወንጌል" እትብል ስያመ ኣስፍሓ፣ ኵሎም እቶም ኣብ እምነቶም ብምጽናዕ ኣብ ዕዮ ሓዋርያዊ ጉስነት እተቐትሉ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት እውን ዘጠቓልል ኢዩ፣ እዚ ድማ እቲ ዝሞቱሉ ምኽንያት ሰማእት ንምዃን ዘድሊ ጽኑዕ መለክዒታት ዘማልእ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ሓደ ምስክርነት ኢዩ ዘርእየና።

ዓለምለኻዊ ጕዳይ

ልኡኽ ወንጌል ንምዃን ልዕሊ ዅሉ ሓደገኛ ዝዀና ኽልተ ኽፍለ-ዓለም ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ምዃነን ብምምልካት፣ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ሓሙሽተ ሰባት ከም እተቐትሉለን ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ቡርኪኖ ፋሶ ካመሩን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምኡውን ደቡብ ኣፍሪቃ ይርከብወን ። ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኮሎምብያ ኤኳዶር መክሲኮ ብራዚል ኣብ ዝኣመሳላ ሃገራት እቶም ልኡካነ ወንጌል እተቐትሉለን ሃገራት ኢያተን። እቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ ኣብ ኣውሮጳ ኽልተ ሰባት ከም ዝሞቱ እውን ይገልጽ ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ፖላንድን ስጳኛን እዩ ዝነብረ ። ኣብ ልዕሊ ልኡካነ ወንጌል ዚወርድ ዓመጻ ኣብ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኣስፋሕፊሑ ምህላዉን፣ እቶም ኣብቲ ብተዛማዲ ሰላማዊ ጌርካ ዚርአ ኸባቢታት እውን ከይተረፈ በጃ እምነት ዝሓለፉ ሰባት ዜጋጥሞም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሓደጋታት ዜጕልሕ እዩ።

ቃልሲ ንማሕበራዊ ፍትሕን ኣንጻር ብልሽውናን

ሓደ ኻብቶም ዚዝከሩ ሰባት እቲ ኣብ ጎማ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጋዜጠኛን ኣተሓባባሪ ረድዮ ማሪያ ዝዀነ ኤድመንድ ባሃቲ ሞንጃ እዩ ። ሞቱ ሓደ ኻብቲ እቶም ብውግእ ኣብ ዝዓነወ ዞባታት ንዚፍጸም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዚጻረሩ ሰባት ዜጋጥሞም ቀጻሊ ቓልሲ እዩ። ካልእ እተቐትለ ሰብ ከኣ ዃን ኣንቶንዮ ሎፐዝ ዝበሃል ካብ ሆንዱራስ ዝኾነ ምእመን ልኡኽ ወንጌል ኢዩ ብልሽውናን ኣብ መንጎ መንግስታትን ማሕበራት ገበነኛታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትእስሳርን ድሕሪ ምዅናኑ ኸኣ ተቐትለ።

"ኣምላኽ በዞም ሰባት ኣቢሉ ተኣምራት ይገብር ኣሎ"

ካብ 2000 ዓ.ም. ኣትሒዙ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ መላእ ዓለም ንዝሞቱ 608 ልኡካነ ወንጌል መዝጊቡ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣገዳስነት መስዋእቶም ብዙሕ ግዜ የዘኻኽሩና እዮም ። ኣብ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖ እውን ከምዚ በሉ - "እቲ ዝሞተ ዝመስል ዘርኢ መስዋእቶም ይበቍል ፍረውን ይፈሪ። ኣምላኽ በዚ ተኣምራት እዚ ገይሩ ንልቢ ደቅሰባት ይቕይር ንሰብኡትን ኣንስትን ከኣ የድሕን ኣሎ።"

31 Dec 2024, 16:03