ምኽፋት ዓመተ ኢዮቤል ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ሰበኻታት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዕለት 29 ታሕሳስ መኽፈቲ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ኣብ ካተድራላቶምን ዓበይቲ ኣድባራትን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፣ ኣብ ተስፋ ብምትኳር ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ድሮ ክብረ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ኣፍ ደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ዝኣወጅዎ ቅዉምም ሓሳብ ኣመልኪቶም ውን ስብከት ቃል ኣማልኽ ኣካፈሉ።
ቅድስቲ ምድሬት
ፓትርያክ ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊ ት ቤተክርስቲያን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒዛባላ ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዚርከብ ካቴድራል ወግዓዊ ሥርዓት ምኽፋት ዓመተ ኢዮቤል ንምምልካት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም። ኣብቲ እተኻየደ ጽምብል በቲ ብሓባር ናብ ተሓድሶን ተስፋን ብዝግበር ጕዕዞ ንምምልካት ብሓደ ዓቢይ ዑደት እዩ ተጀሚሩ ።
እዞም ናይ ላቲን ሥርዓት ናይ ትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ እቲ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዝቕጽል ዘሎ ዓመጻን መከራን ንዅሎም ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ነዚ ኩነታቶም "ንኻልኦት ብምትእምማን ንኸይርእይዎም እኳ ደአ ብተስፋ ንኸይርእይዎም ትብዓት ንኸገብሩ" ከም ዘይዓቶም ገለጹ።
ካርዲናል ፒዛባላ ነቲ ናይዚ ዓመተ ኢዮቤል ቅዉም ሓሳብ ብምጥቃስ "ኣብ ከባቢና ዘሎ ዅሉ ብዛዕባ ውግእን ዓመጻን ድኽነትን ጸገማትን ክዛረብ ከሎ" ብዛዕባ ተስፋ ምዝራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ "ተስፋ እምነት ከም ዘድልያ" ከምኡውን ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝመሃረና "ትዕግስቲ ይሓትት" ብምባል ውን ኣጕልሑ። " ተስፋ ዘይብሉ ትዕግስቲ ኻብ ዕላማኻ ምውጻእ ጥራይ እዩ " ከምኡውን "ተስፋ ብዘይ ትዕግስቲ ምድንጋር እዩ" በሉ ።
ፓትርያርክ ፒዛባላ ኣብ ኣስተንትኖኦም ነቶም እሙናን ዓመት ኢዮቤል ኣምላኽ ንሓጢኣትና ይቕረ ንኺብለልናን ልብና ንኼሐድስን ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍት ኣዘኻኸርዎም፣ እዚ ኸኣ ንጕዕዞና ብተስፋን ብሓጐስን ንኽንቅጽል የኽእለና" በሉ።
ለንደን
ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮላስ ኣብቲ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዌስትሚኒስተር ካቴድራል ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ መኽፈቲ ኢዮቤል 2025 ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ህጹጽነት ኩነታ ኣለምና ብምጥቃስ "ብዜሕዝን ፍጻመ ግጭት ከምኡውን ጭካነ ዝመልኦ በሰላ" ኸምኡውን ነቶም "ጕዕዞ ህይወት ጭካነ ዝመልኦን ዘየቋርጽን" ዝመስሎም ሰባት ኣብ ህጹጽ ተሓድሶ ዘተኰረ እዩ ዝነበረ። ዓመተ ኢዮቤል ይብሉ ኣብ ስብከቶም "ቤተ-ክርስትያን ከም ብሓድሽ እጅምረሉ ኣጋጣሚ ኢዩ" በሉ። እዛ ቅድስቲ ዓመት እዚኣ ኸኣ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ተስፋ ንኸነዕምቖን ንኸነሐድሶን ትዕድመና" በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ኒኮላስ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተነበ ንባብ ወንጌል ነቲ እታ ቅድስቲ ስድራ ናብ የሩሳሌም ዝገበረቶ ጕዕዞ ዘዘንቱ ብምምዃኑ ንጕዕዞ ህይወትና ኣገዳሲ ምሳሌ ከም ዝዀነ ውን ኣመልከቱ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
እዚ ቅዉም ሓሳብ እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካው ውን ተዘኪሩ ኢዩ፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ሰበኻታቶም ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ንምጽንባል መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓዕሪጎም።
ኣብ ገሊኡ ሰበኻታት ምእሙናን ነቲ መኽፈቲ ዓመተ ኢዮቤል ንምምልካት ናብ ካተድራል ወይ ኣብ ውሽጢ ካቴድላ ምዕሩግ ዑደት ኣካይዶም ኢዮም። እዚ ዑደት እዚ ድማ መስቀል ዓመተ ኢዮቤል ሒዞም ብዓቦይ ዓጀባ ኢዮም ዝገብርዎ ዝነበሩ፣ እዚ መስቀል እዚ ነታ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ፍሉይ ምልክት ንምዃን እተመደበት ኣብ ሕቡራ መንግስታት ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ዘሰናደወቶ ኣገዳሲ ምልክት እዩ ዝነበረ ።
ዩክሬን
ኣብ መላእ ሃገረ ዩክረይን ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያን እውን ዓመት ኢዮቤል ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ ኢዩ፣ ብድሕረ በይታ ግና ሩስያ ንኸተማታት ዩክረይን ብቐጻሊ ደብዳባት ቦምብ ንከተማታት ዩክረይን ተጥቅዕ ነበረት።
ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዮክረይን ብፁዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ኣብቲ ኣብ ከተማ ክየቭ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ደብረ ትንሳኤ ክርስቶስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ንምእመናን "ሎሚ ተስፋ ዩክረይን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኸሩ። እዞም ዓቢይ ሊቀ-ጳጳሳት ክየቭ-ሃሊኽ ኣብታ ቅድሚ ቅድስቲ ዓመት ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም "ክርስትያናዊ ተስፋ ምስጢር ርግኣትን ዘይስዕረትን ህዝቢና እዩ፣ ሕዝብና ኣብ መንጎ ውግእ ህይወቶም ብምስዋእ ንናጽነት ብኸመይ ከም ዚከላኸሉሉ ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚምነዩ ከምኡውን ሎሚ ንደቆም ዝሓሸት ዓለም ከም ዚሃንጹ ይፈልጡ እዮም" ክብሉ ጸሓፉ።