MAP

2021.11.26 ልደት 2024 - ንክርስቶስ ማዕጾ ልባትና ንኽፈተሉ 2021.11.26 ልደት 2024 - ንክርስቶስ ማዕጾ ልባትና ንኽፈተሉ  

ልደት 2024 - ንክርስቶስ ማዕጾ ልባትና ንኽፈተሉ

ንበዓል ልደት 2024 ዓ.ም. ኣብ መጀመርታ ኢዮቤልየ ተስፋ 2025 ዓ.ም.፡ ራድዮ ቫቲካን “ሰላም ክርስቶስ ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም” ብዝብል ኣርእስቲ ንመራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብተኸታታሊ ዘካየዶ ቃለ መሕትት መሰረት ምስ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ላዛሩስ ዩ ሄንግ-ሲክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ ልደት ኢየሱስ ኣብዛ ብጸልማትን ፍርሕን ዘይርጉጽነትን እትልለይ ዓለም እቲ ዝሓየለ ምልክትን መልእኽትን ተስፋ እዩ” ኢሎም።

መልእኽቲ ልደት ካርዲናል ላዛሩስ ንስኻ ዩ ሀኡንግ - ሲክ

ነቶም ኣብ መሮር ዝነብሩ ጓሶት መልኣኽ እግዚኣብሄር "እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ ብስራት እእውጀልኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍራርሁ” ከም ዝበሎም ብምዝኽካር፡ እዚ ንዅሉ ዓቢ ሓጐስ ዝህብ ብስራት እንታይ እዩ? እምበር እቲ መድሓኒ ምእንታና ዝተወልደ መሲሕን ጎይታን ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥

ልደት 2024 - ንክርስቶስ ማዕጾ ልባትና ንኽፈተሉ
ልደት 2024 - ንክርስቶስ ማዕጾ ልባትና ንኽፈተሉ

"ህጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡና፡ ንሱ ድማ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ" ዝብል እቲ ጥንታዊ ትንቢት ኢሳይያስ ተፈጺሙ። ሓንጎፋይ ቢልና ንቀበሎን ልብና ድማ ነዚ መስፍን ሰላም ንኽፈተሉ። ኢየሱስ ሓውና። ኣፍደገ ድሕነትና ቤቱ ኣብ መንጎና ክገብር መጺኡ ኣሎ፣ ንኣቡኡ ከም ኣቦና ንኣዲኡ ድማ ከም ኣደና ክህበና መጺኡ በዚ ኣቢሉ ምዉቕ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ገለጸልና።

ነቲ ኣብ ልዕሌና ዘሎ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ልደት ብስራት ብተስፋ ይመልኣና። እቲ ሕጻን ክርስቶስ ንነፍሲ ​​ወከፍና ዘምጸኦ ሰላም ክንቅበል ማዕጾ ልባትና ንኸፍት” ኢሎም።

ከምቲ ኢየሱስ ድሒሩ ንደቀ መዛሙርቱ “ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን" በሎም፥ እዚ በዓል ልደትን ዓመት ኢዮቤል ተስፋን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብታ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል ኣርእስቲ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ዝኣወጅሉ ሰነድ ከም ዝበለዎ፥ እዚ በዓል ልደት እዝን ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.ን እዚ ምስቲ ቤተ - ክርስትያን ወትሩ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዅሎም ሰባት እትእውጆ ተስፋ፡ ኣፍ ደገ ድሕነትና ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ናይ ሓቂ ብሕታዊውን ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ናይ ርክብ ህሞት ይኹን” እንክብሉ ዝሃብዎ ኣስተንትኖ ይዛዝሙ።

27 Dec 2024, 14:39