MAP

ኣስተንትኖ በዓለ ልደት 2024 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያዊ ናይ ሰበኻ ኦዮ ጳጳስ ኤማኑኤል ኣደቶቨዘ ባደጆ ኣስተንትኖ በዓለ ልደት 2024 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያዊ ናይ ሰበኻ ኦዮ ጳጳስ ኤማኑኤል ኣደቶቨዘ ባደጆ 

ኣስተንትኖ በዓለ ልደት 2024 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያዊ ናይ ሰበኻ ኦዮ ጳጳስ ኤማኑኤል ኣደቶቨዘ ባደጆ

ኣብ ናይጀሪያዊ ናይ ሰበኻ ኦዮ ጳጳስ ኤማኑኤል ኣደቶቨዘ ባደጆ ንበዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥ ልደት ብሓቂ እንተ ኣኽቢርናዮ ሕጂ እውን ኣብ ዓመት እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ናይ ሓጎስ ግዜ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓቀይና በዓለ ልደት ክኸውን እንተፈቒድና ኩላትና ሕጂ’ውን መላእኽቲ ቤተልሔም ክንርእን ጥዑም መዝሙሮም ክንሰምዕን ንኽእል ኢና። ከምቶም ጓሶት፡ ነቲ ኣምላኽ ንዓለም ኣዝዩ ከም ዘፍቀራን ሓደ ወዱ ንኹሎም ዝኣመኑ ከድሕን ከም ዝለኣኾን ዘሐጉስ ብስራት እንተ ኣኽቢርና ኩላትና ንኣምላኽ ክብሪ ክንህብን ኣብዛ ምድሪ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰላም ከነምጽኣሎም ንኽእል ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስጢረ ስጋዊ ንሓቀይናታት ክርስትያን ንታሪኽ ወዲ ሰብ ቅድሚ ክርስቶስን ድሕሪ ክርስቶስን ናብ ዝብል ክልተ ህሞት ከም ዝመቐሎ እሙን እዩ። ነብያት ንዓለም ድሕነትን ረድኤትን ከም ዘምጽኣላ ኣቐዲሞም ዝተነበይዎ ፍጻመ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኢየሱስ ሕጂ እውን መርትዖ ናይቲ ኣብ ኩሉ ዓመታት ዝነበረ ተስፋን ሕልምን እዩ። ኣማኑኤል ሕጂ ውን ምሳና ኣሎ።

ካብ ሰላም ኣምላኽ ምርሓቕ

ኣምላኽ ካባኻ ዝረሓቐ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ፡ እቲ ምርሓቕ ካብ መን ምዃኑ ገምት! ኣምላኽ ፈጺሙ ዝርሕቕ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኰይኑ ግና፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ንብዙሓት ሰባት፡ በዓል ልደት ሓጐስን ተስፋን ማለት ኣይኰነን። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፡ በቲ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዘዕኑ ዘሎ ግጭታት፡ ኲናትን፡ ጥሜት፡ ሓደጋታት፡ ገበናትን ተዋሒጦም፡ ቃንዛን ሞትን ጥራይ እዮም ዝፈልጡ። ብዙሕ ሰብ ይሳቐን ይሓዝንን ኣሎ ምኽንያቱ ውሑዳት ሰባት ኩሉ ክረኽቡን ብዙሓት ድማ ርካብ ዘይብሎም ኣብ ሕሱም ድኽነት ስለ ዝርከቡ። ተስፋ ንብዙሓት ትርጉሙ ዘይብሉ እዩ ዝመስል፣ እቶም እፎይታን ምጽንናዕን ንምምጻእ ዝተመርጹ መራሕቲ ኣብ ክንድኡ ጨካናት፣ ኣክንዲ ንህዝቦም ሓለፋ ዝብሉ ፈተውቲ ርእሶምን ምልካውያን፣ ዓፈንትን መዝመዝትን ብምዃኖም ንሓጎስ ቦታ ነሲኦም ይርከቡ።

በዚ ኸምዚ ደቂ ሰባት ካብ ቅዱስ መደባት ኣምላኽ ይወጹ ኣለዉ። ስነ ፍልጠትን እደ ጥበብን ብእግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ንኽከናኸንዋን ከፍርይዋን ዝተወሃቦም ምድርን ኣብ ግምት ዘየእትዉ ህዳጣን ኣካላት ንናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ረብሓ መዓላ ብምግባር ዝኽተልዎ ንኻልእ ዘግልል ዘይምዕሩይ መገዲ ኣብ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ዘሎ ዘይምስምማዕን ምግምማዕን ብምምጻእ ንኢየሱስ ይጠልሙ። ኣብ ዙርያና፣ ንብዙሓት ንጹሃት ህጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ሰባት ዝወርድ ሞትን ጥፍኣትን ክንጻወርን ክፍጸምን ኣናፈቐድናን እናረኣናን ወይ ከኣ ኣናፈጸምናን ከመይ ጌርና ንጐይታ ሕይወት ክንጽብል እንደፍር? ኣብ ጽሕዲ ልደት፡ ድሙቕ መብራህቲ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ህያባትን ጽቡቕ መኣድን ዘተኮረ ዘመናዊ ኣበዓዕላ ልደት፡ ኢየሱስ ኣብ ማእከል ናይዚ ኩሉ እንተዘይገበርናዮ ንዓለም ሓጎስ ኣይኸውንን እዩ። ንሱ ናይዚ ፍጻመ ኣዚ ማእከል ምዃኑ ምስትውዓልን ንዓኡ ምብዓልን የድሊ’ ሓጎስን፡ ሰላምና ብእኡ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ።

ኢየሱስ ክኣትው ምፍቃድ

ንናይ ኢየሱስ ርህራሄን ፍቕርን ብምምሳል ጥራይ ኢና ነቲ ዝሓመመ ሰብኣውነትና ክንፍውሶ እንኽእል። ብርሃን ኢየሱስ ናብቲ ጸልማት ኩርናዓት ዓለም ምስሉይነትን ተንኮልን ርእሰ ፍትወትን ክፍኣትን እንተዘይኣእቲናዮ ዓለምና ሰላም ክህልዋ ዘይሕሰብ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝላበዉና ኣብዚ ናይ ተስፋ ኢዮቤል ሕልሚ ዝሓሸ ዓለምና ሒዝና ነቲ ሕልምና ብቖራጽነት ምእንቲ ከነተግብሮ ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ኩሉ ነገር ምህላው ክንቅጽል ቆራጽነት ሒዝና ክንጓዓዝ ይግባእ። ናይ ጽልእን ዓመጽን ሃጸያዊ ስርዓት ኣብ ዝኸበበሉ ዓለም ነቲ ምንጪ ተስፋን በይኑ ሓቀይና ፍቕሪ ዝዀነ ኢየሱስ ክንሕዝ ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ ሽምዓታት ምጽኣት ተስፋን ሰላምን ሓጐስን ፍቕርን ንደቂ ሰባት ዘመልክቱ፡ ኣብቲ ዝቕየር ክውንነትና ዳግማይ ከነቕርቦን በዚ ኸኣ ለውጢ ንምምጻእ ዘድሊ ኩሉ ከም ዝህብ ከነረጋግጽን ይግባእ።

ድሕነት ብውልቂ ውሰዶ

ኩላትና ንኢየሱስ ኣብ ውልቃዊ ቦታታትና መንገድን ሓቅን ህይወትን ምዃኑ እንተ ኣዊጅናን እንተተናንዚናን፡ ክፍኣት ንሓጺር ግዜ ጥራይ እዩ ክቃወሞ ዝኽእል። ኣብዚ ድማ ኣምላኽ፥ “እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ” (2 ዜና መዋእል 7፡14) እንክብል የረጋግጸልና፡ መራሕቲ ዓለም እወ ከምቶም ሰለስተ ነገስታት መራሕቲ ዓለም በቲ ኮኾብ ሓቂ ተመሪሖም ብብርሃን ፍትሕን ጽድቅን እንተዝሰርሑ፤ ነገራት ዓለምና ብዝቐልጠፈ ናብ ዝሓሸ ኵነት ምተቐየረ!

ኩሉ ነገር ብናይ ኢየሱስ መንገዲ ንግበሮ

ኢየሱስ ንኹሉ ፍልጠናን ስልጣንን ሃብትን ጽልዋን ክብርን ዓልይዎ እዩ። ኩሉ ወኒኑ ንድኹማትን ድኻታትን ውጹዓትን ድማ የፍቅሮም። ከም ወዲ እግዚኣብሔር ናብ ትሑት መብልዕ ማል መጸ። ከም ንጉስ ኣብ ኣድጊ ተወጠሐ፡ ሞትና መይቱን ተቐብረ . . . ስጋና ለበሰ!

ኣብ በዓል ልደት ህጻን ቤተልሔም ንኹላትና ናይ ብሓቂ ሰብ ክንከውን ይዕድመና። ሰብ ኣብ ምዃንን ናይ ድሕነትና ሓላፍነት ኣብ ምውሳድን ምሉእ ሰብ ክንከውን ይጽውዓና። ናይቶም ኣዝዮም ዝተጸገሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ማለት ንዝሞቱ፡ ድኹማት፡ ህሙማንን፡ ዝሳቐዩን ትርጉም ህይወት ስኢኖም ኮለል ዝብሉን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ብምዃን ናብተን ዝተዘርግሓ ኣእዳው ህጻን ኢየሱስ ብትሕትና ናብ ሕቑፉ ክነቕርቦም ይዕድማና፡ ኣእዳዉ ኮይንና ክንሓቝፎም፡ ከማና ክኸውን ክሳብ ክንድዚ ትሕት ኢሉ እንተደኣ ወሪዱ፡ ንኻልኦት ብፍቕሪ፡ ብሰላምን ዕርቅን ክንሓቁፍ፡ ኪኖ ድሌታትና፡ ውሕስነታትናን ምሾትናን ክንከይድ ይግባእ። ሓቀይና ልደቱ ንኹሉ ነቲ ሎሚ እንምነዮ ጽባቐን ጣዕምን ኣብ ሕቶ የእትዎ፡ ውልቃዊ ሓጎስን ክብርን ዘይኮነስ ንናይ ኩሉ ሓጎስን ክብርን ዝያዳ ክንሰርሕን ይጽውዓና። ሽዑ እዩ ሓጎስ ልደት ብሓቂ ምሳና ዝጸንሕን ንመላእ ዓለምና ዝቕይርን እዋን ዝኸውን!

ንዓለም ናብ ኣምላኽ ክምለስ ምግልጋል

ኩላትና ነቲ ሓቀይና በዓል ልደት ብፍቕሪ፡ ብሓድነት፡ ልግሲ፡ ሕዳሴ፡ ሕድገትን ዕርቅን ብዘመላኽት ኣገባብ ንንበሮ። እወ ወዲ ኣምላኽ ንዓለም ምስ እግዚኣብሔር ክዓርቕ መጺኡ። ልደት ንኹላትና ናብቲ ፍቕሪ፡ ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ቅንዕና፡ ርህራሄን ትሕትናን ዝኾነ መብልዒ ማል ይዕድመና፡ ኩላትና ኣብ ጸልማት ከም ብርሃን ክንበርህ። ኣብዛ ዓለም ኩሉ ሰብ ሕጉስ ክኸውን ከም ዝኽእል ንእመን!

ንዓለም ሓጎስ እግዚኣብሄር ተወሊዱ እዩ ምድሪ ንጉሳ ትቀበል ዝበሉ ኣቡነ ኤማኑኤል ኣደቶቨሰ ባደጆ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ በዓለ ልደት፥ ርሑስ በዓል ልደት ንኹሎም ደቂ ኣምላኽ! ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ንኹሎም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንዝኾኑ ድማ ሰላም” ዘመሓላለፍዎ ኣስተንትኖ ይዛዝሙ።

ኣብ ናይጀሪያ ናይ ሰበኻ ኦዮ ጳጳስ ኣማኑኤል ኣደቶየሰ ባዴጆ

28 Dec 2024, 16:58