ዓቃቤ መንብር ሰበኻ ሮማ ንቅዱስ ኣፍደገ ብዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ከሪቶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ራይና ኣብ ክብረ በዓል ቅድስቲ ስድራ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሓለፈ ሰንበት ነቶም ኣባኡ ንዝተረኽቡ ነጋድያን ካብ ጾሮምን ካብቲ ዓለማዊ ህይወት ዘስዕበሎም ነገራትን ሓራ ንምውጻእ ብኸመይ ናብዚ ንግደት እዚ ከም ዚመጹ ዘከሩ ። ብፁዕ ካርዲናል ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዓቃቤ መንበር ሰብኻ ሮሜ መጠን ነቲ ቅዱስ ኣፍ ደገ ካተድራሎም ዝዀነ ብዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ከፈቶም፣ እዚ በዓል እዚ ኸኣ ኣብ ኵሎም ሰበኻታት ዓመት ኢዮቤል ከም ዝጀመረ ዝመልክት እዩ።
ከንቲባ ከተማ ሮሜ ነቲ ኣብ መንጽር እዚ ባዚሊካ ዝርከብ ቅርዓትን ከምኡውን ነቲ ኣብ መንጽር ቅዱስ መደያይቦ ዘሎ ቅርዓት ኣብ መኽፈቲ እዚ ዝጽምብል ብወፍዒ ድሕቲ ምኽፋት ኣብቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም። ብዙሓት ጉጅለታት ካብ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣዴታት ደቀንን ንኣሽቱ ሓደስቲ ስድራቤታትን ምእመናንን ተማሃሮ ከምኡውን ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ነጋድያትን ኣብቲ ሥነስርዓርት ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገን መሥዋዕተ ቅዳሴን ተኻፊሎም ።
ሓንቲ ነኣዲኣ እተሰኒ ዝነበረት ምእመን ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት "ኣብዚ ምስታፈይ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዝስምዓኒ" በለት። ሓንቲ ኻብ መክሲኮ ዝመጻ ኣባል ማሕበር ደናግል ንኵሎም እቶም ናብዚ ኽመጹ ዝደልዩ ግን ከኣ ዘይከኣሉ ሰባት ነቲ ዝነበረ ሃዋህው ገለጸትሎ ። ኣርባዕተ ውሉድ ዘለዉዎም ኣብ ኒው ዮርክ ዝመጹ ሰብ ሓዳር ውን ብወገኖም "ብዘይ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ስለ ዘይንኽእል ንዓና ኣገዳሲ እዚ እዩ" በሉ። ሓንቲ ኻብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዝመጸት ኣደ ውን "ጐይታ ተስፋ ይህበናን ቃሉ ናብ ህዝቢ ኸነምጽእ ይሕግዘናን ኢዩ" ክትብል መስከረት።
ብሓድነት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካተድራሎም
ዳርጋ ሰለስተ ሽሕ ዝዀኑ እሙናት ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን እተኻየደ ሥነ-ስርዓት ክካፈሉ ኸለዉ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ብቐጥታዊ መስመር እና ተኸታተሉ ኣብ ቅርዓት ናይቲ ብዚሊካ ተሳተፉ። ብፁዕ ካርዲናል ራይና ነቲ ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ ዝኸፈትዎ እዋን እንክጽልዩ ኵሎም እቶም በዚ ቅዱስ ኣፍደገ እዚ ዝሓልፉ ምስ ጸጋ ኣምላኽ ከተሓሕዝዎ ኸም ዘለዎም "ከምተን ኣብ ሓንቲ መጓሰ ዚእከባ ኣባጊዕ ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል እዚኣ ፍረ ከም ዘፍርያ ይኹና" ዚብል እዩ ዝንበረ። ብጽሞና ድሕሪ ምጽላይ ኣብ ቅድሚ እቲ ብነሓስ እተገብረ ቅዱስ ኣፍደገ ንጸሎት ደው ኢሎም ድሕሪ ምጽናሕ ብዓቢይ ዓጀብ ከፈትዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዓቢይ ደወል እዚ ባዚሊካ ተደወለ። እቶም እሙናት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣዛ ካቴድራሎም ብምትሕባር ድማ መንፈሳዊ ደገፎምን ሓጐሶምን መረጋገጺ ብምሃብ ኣብ ጸሎት ክሓብሩ ጻውዒት ኣቅረቡሎም ።
ምስቶም ዚሳቐዩ ደው ምባል
ብፁዕ ካርዲናል ራይና ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብፍላይ ነቶም "ዝረሓቑን ብቝዓት ኮይኑ ዘይስምዖም" ብምዝካር ከምኡውን ነቶም ኣብ ልቦም "ክበድ መሪር ጓሂ" ዝጾሩ ዘኪሮም ጸለዪሎም። ብዛዕባ እቶም ዝሓመሙን እሱራትን ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ስቓይን ጽምዋን ድኽነትን ጸገማትን ዘለዎም ሰባት ዘኪሮም ኣማለዱ። ዋላ ሓደ ሰብ ተስፋ ስለ ዝቘረጸ ወይ ሕቝፊ ኣቦኡ ምድላይ ስለ ዘቋረጸ ዝተረስዐ ዀይኑ ኸም ዘይስምዖ ብምግላጽ ዘተባብዕ ቃላት ኣመሓላለፉ ። "ኣብዛ ብውግእን ዘይምስምማዕን ዘይማዕርነትን ተበታቲና ዘላ ዓለም ንዅሉ ክንሓቁፍ ኣሎና" ክብሉ ውን ተላበዉ።
ኣብ ጸገም ምእንቲ ዘለዋ ስድራ ቤታት ምጽላይ
ሎሚ ክብረ በዓል ናይታ "ኣርኣያ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤታት ማሕበረሰብን፣ መስትያት ማሕበር ስላሴን" ዝዀነት ቅድስቲ ስድራ ናዝሬት ከም ዝዀነ ገለጹ፣ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክፍሊ ስድራቤት ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ንኺህብ ብምዕዳም ኣብ ሓድነትን ሓባራዊ ግብረ-ሰናይን ንኺዓቢ ጻውዒት ኣቕረቡ። ኣብ ስብከቶም ብፍላይ ከኣ ኣብ ጸገማትን መከራን ዝነበራ ስድራ ቤታት ክዝክርወን ተላበዉ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቐረበ ጸሎት ኣብ ድኽነት ዝነበራ ስድራቤታት "ኣብ ማእከል ኣቓልቦ ሲቪላዊ መራሕቲ ይኹና ዝያዳ ምዕሩግ መጻኢ ንምርካብ ድማ ኣድላዪ ደገፍ ክወሃበን" ዝብል ንጹር ጸሎት ውን ዘከሩ።
ንኣምላኽ ኣብ ልብናን ኣብ ቤትናን ክንቅበሎ
ብፁዕ ካርዲናል ራይና ኣስዒቦም ኸምዚ በሉ - "እቲ እተሳገርናዮ ድርኩኺት ቅዱስ ኣፍደገ ነቲ ድርኵዂት ኣባይትና ኽንሰግር ከለና እንገብሮ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ዘዘኻኽረና ኢዩ። እዚ ኣፍ ደገ እዚ ምስ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓሓዝ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ መዓሙቝ ልዳት ልብና እውን ምምስሳል ዝለዉኦ ኢዩ።" ኣብቲ ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቐረበ ጸሎት ምእንቲ ስድራ ቤታት ሰብኣውን ክርስተያናውን ዕቤት ቈልዑ ኣብ ስድራቤት ደገፍ ምእንቲ ኽረክቡ እታ ብማእሰር ኪዳናዊ ሓዳርን ተወፋይነትን ዘለዎም ፍቕሪ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ድኽመትን ቅልውላውን ዝሓየለት ምእንቲ ኽትከውን ንተግባራት ሰብ ሓዳር ንምምራሕ ናብ መንፈስ ልመና ቀረበ ። ብፁዕ ካርዲናል ኣብ ስብከቶም ድርኵዂት ኣፍ ደገ ኣባይትና ኽንሰግር ከለና "ንኣምላኽ ናብ ስድራቤትና ናብ መዓልታዊ ርክባትና ምስ ቈልዑ ኣብ ዘሎና ርክባት፣ ኣብ ሓዳር ኣብ ቈላሕታን ሓልዮትን ኣረጋውያን ከነእትዎ" ኸም እንጽዕር ከም ዝለና ውን ኣመልከቱ።
ውሉዳት ኣምላኽ ናይ ምዃን ውህበት
ብፁዕ ካርዲናል ራይና ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኻብቲ ምስላ ናይቲ በታኒ ወዲ ኸምኡውን ከም ውሉድ ኣምላኽ መጠን ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ እንደገና ክንርዳእ ከም ዚጽውዓናን ከምኡውን ሰባት ብዛዕባ ኣቦነት ኣምላኽ ዘለዎም ኣረኣእያ ኽሳዕ ክንደይ ቄናን ምዃኑ ዘጉልሕ ኢዩ ። እቲ ጐይታ ክምስርቶ ዝደሊ ርክብ ሓደ ካብቲ "ውሉድ ከም ምዃና መጠን ግቡዕ ወይ መሰል ዘይኰነስ ውህበት ኢዩ ። "
ምሳሊ ናይቲ ክፉት ኣእዳው ኣቦ እዚ ቅዱስ ማዕጾ ኢዩ
ብፁዕ ካርዲና ራይና ከም ዝገለጽዎ እቲ ክፉት ቅልጽም ኣቦ ደረት ብዘይብሉ ሓልዮትን ድንጋጽን ከምኡውን "ዘይነቓነቕ ተስፋን" ክብረትን ክመልሰና ከም ዝኽእል ኣጕልሑ። ኣብ ስብከቶም ብፁዕነቶም ብዛዕባ እቲ ምሳሌ በታኒ ወዲ እንክገልጹ "እቲ ክፉት ቅልጽም ኣቦ በዚ ቅዱስ ኣፍደገ ኢዩ ዝምሰል። ክሳዕ ክንደይ ሓጥኣን ምዃና ኣየገድሰናን ኢዩ፣ ዝገበርናዮ ዘባኸንናዮ ወይ ዘዕኖናዮ ውን ኣየገድስን ኢዩ። ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ምስ ወሰንና እተዓጽወ ማዕጾ ኣይንረክብን ኢና፣ የግዳስ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበለናን ዚባርኸናን ሕቝፍ ኣቢሉ ዝስዕመናን ኣቦ ኢዩ ዝሎና።"
ቀጺሎም ድማ ከምዚ በሉ - "ካብዚ ኽፉት ኣእዳው እዚ ናይ ቤተ-ክርስትያን ምስጢራት ስድራቤት ናይቲ ንሰናይ ዘሎና ናጽነትን ሓራ ዘውጽኣናን ኣምላኽ ምዃን ኢና እንመሃር።" ስለዚ ንዅሎም ሰባት በታ ቅድስቲ ኣፍ ደገ ኺሓልፉ ንሰናይ ጐይታ ኼስተማቕሩን ኬስተንትኑን ሓጐሱ ኺምከሩን ከምኡውን ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም "ደኺመ ኸይበሉ ዘራእቲ ተስፋን ሃነጽቲ ኣሕዋትን" ኪዀኑ ኣተባብዕዎም።