ሰንበት ዘናዝሬት ጥሪ 7 2015 ዓ.ም.(1/15/2023)
ንባባት፡. ኤፈ 3፡2-6፥ 1ዮሕ. 3፡18-ፍ፥ ግ.ሓ. 15፡22-36፥ ማቴ 2፡1-12። ምስባክ፡. ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ፥ ወረክብናሁ ውስተ አመ ገዳም ንበውእ እንከሰ ወስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር።
፫ይ ክፍሊ ዓመት ኢና ሒዝና ዘሎና ካብ 26 ታሕሣሥ 25 መጋቢት ሓጋይ ይብሃል። አብ ዘመነ ሓጋይ አዋርኅ ነቕጽን ደርቅን እዩ አብኡ ዘመነ አስተርእዮን ዘመን ጾምን ይርከብ።ናይ ሎሚ ሰንበት ዘናዝሬት ተባሂሉ ይፍለጥ ካብ 5-10 ጥሪ ዘሎ እዋን ይሕዝ።
ካብ ሃገርና ወጻኢ እንርከብ አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ስለ እንርከብ ገለና ከቢድ ክረምቲ ቁሪ ዝበዝሖ ከምኡ በረድን ካልእን ዝበዝሖ ነሕልፍ ንህሉ ገለ ከአ እዋን ዝናም ጥዑም ጊዜ ገለ ኸአ ብርቱዕ ሙቐት፥ እቲ ኾይኑ እቲ እዚ እዋን ልደት ክርስቶስ መድኃኒና እንዝክረሉ ቁዱስ እዋን እዩ። ብፍሉይ መንፈስን ትግሃትን ክንዝክሮ ይግባእ። አብ ሕይወትና ምስ ኢየሱስ መድኃኒና ክንራኸብ ክንበጽሖ ምስ ህያባትናን ምሉእ ፍቕርናን አብ ቅድሚኡ ክንቀርብ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና። ንዑናይ አብ ኢየሱስ ክንብሃሃል እሞ ብምሉእ ፍቕርን ምትሕግጋዝን ክንቀርቦ። ንኢየሱስ ክንረክብ መገዱ ድለቱ ክንፈልጥ አሎና ንሱ ኸአ ብምሉእ ልብኻ/ኺ ናቱ ኮንካ ምርካብ እዩ።
ሓደ ካብቲ አብ እዋን ልደት እንዝክሮ አስተርእዮ ወልደ አምላኽ ንዝተፈላለዩ ሰባት እዩ። አስተርእዮ ክብሃል እንከሎ ግልጸት ምርአይ የስምዕ። ልደት አምላኽ አብ መንጎና ከም ዝኃደረ ዝገልጽ እዩ በዚ ቀዳማይ ግልጸት ንብሎ፥ አብ ልደት ሓንቲ ዘይብሉ ሕጻን፥ ማኅደር/ቤት አልቦን ድኻን ብድኻታትንን ብዝተሓቱ ጓሶት ተማእኪሉ መጺኡና። እዚ ግልጸት ምስቲ ሉቃስ ዘቕርቦን ትሕዝቶ ወንጌሉን ይሰማማዕ አብ ካልኦት አይንረኽቦን።
ወንጌል ማቴዎስ ንልደት ክርስቶስ ብዝርኢ ብዝተፈልየ መገዲ የቕርበልና እቲ አትኩሮ አብ ካልኦት ወጻእተኛታት ጓኖት ዘይፍለጡ ካብ ካልእ ዝመጽኡ እዩ ዘተኩር። እዚ ካልአይ ግልጸት ንብሎ። ነቶም ካብ ርሑቕ ምስራቕ ዝመጹ፥ ሰብአ ሰገል ጓኖት ወጻእተኛታ ጨሪሶም ደቂ ዓዲ ዘይኮኑ ንዝተወልደ ሕፃን ክብርን መባእን ክህቡ መጺኦም። ማቴዎስ ንትሕዝቶ ወንጌሉ አብ ግምት አእትዩ አብቲ “ኪዱ ንኹሉ ዓለም አርድእተይ ግበርዎም” ዝብል መሰረት ገሩ ነዚ ይነግረና። ከም ኩሉ ጊዜ ማቴዎስ ብዙሕ ግሉጽ ገሩ አይነግረናን፥ ብዙሕ ሕቶታት ከም እንሓትት ይገብረና፥ ምአስ እዩ ልክዕ እዚ ኾይኑ? ድሕሪ ክንደይ ኢየሱስ ምስ ተወልደ ኮይኑ? አበይ እዩ ኮይኑ?ብዛዕባ መብልዕ ማል ዝብል ዝጥቀስ የለን ብዘይካ ቤተ ልሔም።
ሳልሳይ ግልጸት አብ ሩባ ዮርዳኖስ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ እንከሎ አብ ቅድሚ ብዙሓት ንንስሓ ዝቐረቡ እንከሎ ሰማያዊ አብኡ ብቃሉ ንወዱ ንተልእኮ ክሰዶ እንከሎ ተሰሚዑ፥ “እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ ብአኡ ዝተሓጎስኩ ስምዕዎ”። አብ ኩሎም ወንጌላውያን እንረኽቦ ቃል እዩ።
ራብዓይ ግልጸት አብ ወንጌል ዮሓስን ጥራሕ እንረኽቦ መርዓ ቃና ዘገሊላ እዩ። ክፍሊ ዘመን ልደት አይ ኮነን ግን ድሕሪኡ ቀጺልና እንዝክሮ እዩ። መርዓ (እዚ ኸአ ናይ ፍቕሪ፥ ሓቅን ሰላምን መንግስቲ ነቲ ብኢየሱስ ዝምስረት ዘመልክት እዩ)። ማይ (ንብሉይ ኪዳን የመልክት) አብ ሓዲስ ወይኒ ተለዊጡ (ንሓዲስ ኪዳን እዩ ዘመልክት አብ መስቀል ቀራንዮ ምልክትን ማሕተምን ክኸውን ዘለዎ)። ማርያም (ንቤተ ክርስትያን ንህዝበ አምላኽ ትውክል) ከም መንጎኛ ኮይና ነዚ ከም ዝኸውን ገራ። እዚ ሓደ ካብቲ ሸውዓት ምልክታት አብ ወንጌል ዮሓንስ ኢየሱስ እንታይነቱ/መነቱ ዝገለጸሉ እዩ።
መንእዮ እዮም እዞም “ሰብአ ሰገል” “ሰብ ጥበብ” ተባሂሎም ዘለዉ? ብግሪኽ “magoi” ብእንግሊዝ “magi” ይብል። መበቆሉ ንካህናት ምድረ ፋርስ (ፔርስያ) ዝውሃብ ስም እዩ ነሩ፥ እዚ ስም ነቶም ብፍልጠት ካብ ካልኦት ክብ ዝበሉ እዩ ዘስምዕ። መብዝሕትኡ ስርሖም ሕልምታት ምፍታሕ፥ ምልክታት አብ ሰማይ ተዓዚቦም ይነግሩ፥ ይትርጉሙ፥ ብዛዕባ ከዋኽብቲ ይፈልጡ፥ ጠንቋሎ እውን እዮም።
አብ ዳሕራዋይ ዘመናት ብጽልዋ ናይ ዕብራዊ መጻሕፍቲ ኪዳን ሰለስተ ነገስታት ምስራቕ እዮም ዝብል ጀሚሩ። እዚ ኸአ ብጽልዋ መዝ 72፡11 ነገሥታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ ነገሥታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም” ካብ ዝብል እዩ። አብ ኢሳ 49፡7 ነገሥታት ሓራ ምውጻእካ ርእዮም ንኽብርኻ ኺትንሥኡ እዮም መሳፍንቲ ድማ ነዚ ርእዮም ክሰግዱልካእዮም ይብል። ከምኡ አብ 60፡10 ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎ፥ ነገስታቶም ከአ ኼገልግሉኺ እዮም ይብል።
ሰብአ ሰገል ክንደይ እዮም ነሮም አስማቶምከ መነመን ይብሃሉ? ማቴዎስ ክንደይ ምዃኖምን አስማቶምን አይነግርን። እዚ ሰለስተ ዝብል ሰለስተ ዓይነት ህያባት ስለ ዘቕረቡ ክኸውን ይክእል እዩ። ህያባቶም ምስቲ አብ ኢሳ 60፡10 ዘሎ ይሰማማዕ። አብ ዳሕረዎት ዘመናት አስማቶም ይጥቀስ Caspar, Balthazar, and Melchior ካስባር ከም ጸሊም እዩ ዝፍለጥ እዚ ኸአ ንኹሎም አይሁድ ዘይኮኑ አረማውያን ዝውክል ናብ ኢየሱስ ዝመጽኡ እዩ ዘመልክት።
ማቴዎስ ካብ ምስራቕ እዮም መጺኦም ይብል እዚ ካብ ፐርስያ፥ ምስራቕ ሶርያ ወይ ካብ ዓረብ ወይ ካብ ዝኾነ ርሑቕ ቦታ ክኸውን ይኽእል። ሓደ አስያዊ ካህን ኣባ አሎይሲዩስ ፕየረስ ዝተባህለ ከም ዝብሎ ንኣሳውያን ብፍሉይ ከምዝርአዩ ዝገብሮም እዞም ሰለስተ ሰብ ጥበብ እዮም ካልኦት ነቲ አብ ኢየሱስ ዝመርሕ ኮኾብ ከለልዩ አይክአሉን ንሶም ግን አለልዮም ይብል።
ኮኾብ ይመርሖም ነበረ ይብል። እዚ ኮኾብ ድዩ ወይስ ካልእ ነገር ፍሉይ ትርጉም ነዚ ዝተወልደ ሕፃን ዝህብ? ከምኡ እንተ ኾነ ሰብ ከመይ ገሩ ኮኾብ ክኽተል ይኽእል። ኮኸብ አብ ልዕሊ ሓደ ቦታ ከም ዘሎኸ ከመይ ገርና ንፈልጥ? አማእት ኪሜ ካባና ርሒቁ ዘሎ ከመይ ገርና ክንፈልጦ ንኽእል። ነዚ ሕቶታት ክንምልስ እንተ ፈተና ጊዜና ምሕላፍ ጥራሕ እዩ ትርጉም የብሉን። እዚ ኮኾብ ተባሂሉ ዘሎ Symbol ምልክት እዩ ብርሃን ንኢየሱስ ብርሃን ዓለም የመልክት። አብ ምስራቕ ከምኡ አብ ዓድና ፍሉይ ኮኾብ እንተ ተራእየ ምውላድ ወይ ሞት ናይ ሓደ ዓቢ ሰብ ከም ዝኾነ ዝብል አሎ። ማቴዎስ ብዙሕ ጊዜ ካብ ብሉይ ኪዳን ከም ዝወስዶ እዚ እውን ከምኡ እዩ። አብ ዘኁ 24፡17 ካብ ያዕቆብ ኮኸብ ኪወጽእ እዩ ዝብል ካብ ትንቢት በልዓም ንረክብ።
ካልእ ትውፊት ብዛዕባ ሄሮዱስ ንሊቃውንቲ ብዛዕባ ክርስቶስ አበይ ከም ዝውለድ ዝሓተቶ ዝነግር አሎ። መንፈሳውያን ጸሓፍቲ ንፈርዖን ንእስራኤል ካብ ግብጺ ሓራ ዘውጽእ አብዚ ሓጺር እዋን ክውለድ ምዃኑ ከም ዝነገርዎ እሞ ንጉሥ ፈርዖን ከጥፍኦ መደብ ከም ዝገበረ ዝነገር ብሂል አሎ።
አብዚ እንታይ እዩ እቲ መንፈሳዊ መልእኽቱ ክንብል ይክአል። ዘገድሰና እቲ ታሪኽ ዘይኮነ ትርጉሙ እዩ። ኩሎም አብ ማቴዎስን ሉቃስን እንረኽቦም ብዛዕባ ሕጻንነት ኢየሱስ ዝነርግዎ ንመጻኢ ሕይወት ኢየሱስ እዩ። እዚ ታሪክ ብዛዕባ መራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲካውያን አመሓደርቲ ህዝቢ ምቕባል ከም ዝአበይዎ አረማውያን ህዝቢ ግን ከምተቐበልዎ አቐዲሙ ዝነግር እዩ።
ቤተልሔም ወላ እኳ ካብ ኢየሩሳሌም ቀረባ ትኹን ወላ ሓደ ካብ መራሕቲ ሃይሞኖት ወይ ሃገር ንዝተወልደ ሕፃን ክበጽሕ ዝተበገሰ የለን። ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ክኢላታት ቅዱስ መጽሓፍ መስሕ አበይ ከም ዝውለድ ይፍለጡ እምበር ብዛዕብኡ ክመራመሩ ዝኾነ መጽናዕቲ አይገበሩን። ሄሮዱስ ጨካንን ህሩፍን ክበጽሖ ይደሊ ነሩ ግን ምብጽሑ ክቐትሎ ኢሉ እዩ፥ በዚ እዩ ምውላድ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ ተረቢሹ ምልእቲ ኢየሩሳሌም ከአ ምስኡ። ዘገድሶ ነዚ ዝተወልደ ተጻራሪኡ ቀልጢፉ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኦ ክቐትሎ እዩ። እንተ ኾነ እዞም ወጻእተኛታት ብአንጻሩ ነውሒ ጉዕዞ ተጓዒዞም ንንጉሥ አይሁድ ክበጽሕዎ መጺኦም።
ሰብአ ሰገል አብ ርእሲ እቲ ዝገበርዎ አኽብሮት ምስኦም ህያባት አቕሪቦሙሉ ወርቂ ከርበን ዕጣንን እዚ ኸአ አብቲ አብ ኢሳ 60፡6 ዘሎ መሰረት ብምግባር ክንርእዮ ንኽእል። ወርቅን ዕጣንን ጽዒኖም ካብ ሳባ ኺመጹ እዮም ይብል። አብ ዳሕረዎት ትውፊታት ወርቂ ንንግሥነት ክርስቶስ የመልክት፥ ዕጣን አምላኽነቱ፥ ከርበ ኸአ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ዝቕበሎ ሕማማትን ሞትን የመልክት ዝብል ትርጉም ተዋሂብዎም።
ኩሎም ናይ ሎሚ ንባባትና ዝሕብርዎ አብ ቅድሚ አምላኽ ወጻእተኛ ወይ ወዲ ካልእ ዝብሃል ከምዘየለ ኵልና ሓደ ምዃና፥ ፍቑራት ደቁ ምዃና ዝገልጹ እዮም። ኵልና ግዳማዊ ሕብርናን ቅርጽናን ወይ ባህልናን ዝተፈላለየ ይኹን እምበር አብ ሓደ ስድራ ደቂ ሓደ አቦ ኢና ንሱ ኸአ አቦና እዩ። እዚ ኸአ ነፍሲወከፍና አሕዋትን አሓትን አብነነድሕድና ከም ዝኾና እዩ ዝገልጽ። ብዓሌት ሃይማኖት ሃገር ደረጃ ወይ ብዘሎና ሓላፍነት ክንፈላለ ቦታ ከም ዘይብሉ እዩ ዝሕብረና።
ዝንገረና ዘሎ መልእኽቲ ብሩህ አይመስልን ይኸውን እንተኾነ ዓው ዝበለን ንጹርን እዩ። ንአምላኽ ነመስግኖ ምኽንያቱ አብ ቅድሚኡ ምሩጽ ህዝቢ አይሁድ ወይ ክርስትያን ዝብሃል የለን። ክንርድኦ ዘሎና አምላኽ ብዝያዳ ዝቐርበና ንሕና አብ ነነድሕድና ብዝያዳ እንተ ተቐራረብና እዩ። ኵልና ደቂ ሓደ አምላኽ ኢና ብዝኾነ መለክዒ ካብ አምላኽ ዝግለል የብልና ባዕሉ ፈሊጡ መገዲ ጥፍአት ክመርጽ ዝደለ እንተ ዘይኮነ። ብምርጫና ካብ አምላኽ ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ብዙሕ ጊዜ እንገብሮ እዩ ከምኡ ካልኦት ካብ አምላኽ ከም ዝፍለዩ ወጻእተኛታ ከም ዝኾኑ ንገብሮም፥ እዚ ብግልና ወይ ብስድራ ወይ ብሓባር ብጋንታ፥ ብዓሌት ክንገብሮ ንኽእል። ንሓደ ሰብ ናይ ኩልና ፍቕርን ሓልዮትን ዝግብኦ እንከሎ ከም ዝፍለ ከም ዝርሕቕ ገርካ ካብ ካልኦት ከም ዝግለል ንገብሮ ሽዑ አብ ገዛእ ርእሱ ወጻእተኛ ከም ዝኸውን ንገብሮ። እዚ ኸአ እዩ ሎሚ ንብዙሓት ዘሳቒ ዘሎ።
እቶም ከዋኽብቲ አበይ አለዉ?
አብ መወዳእታ ንርእስና ከምዚ እናበልና ክንሓትት ንኽእል። ናይ ሕይወተይ ከዋኽብቲ አየኖት እዮም? ሰብአ ሰገል ኮኾብ ምስ ረአዩ ተኸቲሎሞ። አብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ግን አይተኸተሉን። አምላኽ ሎሚ ከመይን ምእንቲ ምንታይን ይጽውዓኒ አሎ? ከገልግልን ክስዕቦን አበይ ክረኽቦ ይደልየኒ? ገለ ሰባት ቀዳምነታት አብ ሕይወቶም ስለ ዝሰርዑ ንኻልእ ቀዳምነታት ክርእዩ ወይ ክሰምዑ አቋሪጾም እዮም፥ ነቲ አምላኽ አብ ሕይወቶም ዝልእከሎም ኮኾብ ክርእዩ መደብ የብሎምን ዓጽዮም እዮም። እዚ አብ ሓደ ማእከል መገዲ ንየማን ምስ ተጠወኻ ንጸጋም ክጥወ ምድላይ እዩ። ቅ. እግናጽዮስ ብዓል ሎዮላ አብ መንፈሳዊ ልምምድ አብ ዝብል ዝጸሓፎ ብዛዕባ ቃል ኪዳን ዝአሰሩ ክዛረብ እንከሎ አምላኽ እንታይ ክገብር ይደልየኒ አሎ ይበሉ ይብል።
ሎሚ እስከ አብ ዘሎናዮ ዓይነት ሕይወት ደው ንበል እሞ ንሕሰብ እስከ። ብርግጽ ገለ ነገራት ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ክንቅይሮም ዘይክአል አለዉ፥ እንተ ኾነ ኮኾብና አበይ ከምዘሎ ክንርኢ እሞ ክንስዕቦ ገና ጊዜ አይተወድአን።
ሰብአ ሰገል ኮኾብ አበይ ከም ዝወስዶም ይፈልጡ አይነበሩን። ክሳብ ቤተሊሔም አብ ሕፃን ኢየሱስ ዘልኦ ዘብጽሖም ስዒቦሞ። ብርግጽ ነቲ ዝገበርዎ ውሳኔ አይተጣዕሱሉን። ንሕና እውን ከምቲ ንሶም ዝወሰድዎ ትብዓትን ውሳኔን ገርና ነቲ አምላኽ ዘርእየና ምልክት ኮኾብና እንተ ሰዓብና ብርግጽ አብ እንገብሮ አይክንጥዓስን ኢና። ቅድሚ ሎሚ ዘይገበርናዮ እንተ ኾና ሎሚ ክንጅምር ዕለቱ እዩ።
አምላኽ ሎሚ እውን ብዝተፈላለየ መገዲ ገሩ ዝመርሓና ምልክት የርእየና አሎ፥ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ይዛረበና አሎ ክንሰምዖ ክንስዕቦ ይጽውዓና አሎ። ህያባትና ተሰኪምና አብ ቅድሚ ክአል ኵሉ አምላኽ ክንቀውም ይግብአና። እመነት ዘልኦ ሰብ አብ አምላኽ ክቐርብ ጊዜ አይወስደሉን እዩ። አብ ልብና ተመሊስና ኮኾብና አለሊና ብእምነት አብ ቤት አምላኽ ንቕረብ።
ንብዙሓት ካባና ጸጊሙና ዘሎ ብኃጢአትና ተአሚና አብ መንበረ ንስሓ ምቕራብ ከምኡ ልብና አንጺሕና ካብ መአዲ ክርስቶስ ክንቅበል ዘይምኽአል፥ እዚ ምስ አጎደልና ዝኾነ ካልእ ክፍአት ክንገብር አይከብደናን አሎ፥ ሕሰም ሓውናን ሓፍትናን ዓወት ኮይኑ ይርአየና አሎ ስለዚ ነዚ ክንቅይር ካብ ኃጢአትና ነጺሕና አብ መድሕና ክርስቶስ ምስ ህያባትና ንቕረብ።
አምላኽ እነቕርቦ ህያብ ተቐቢሉ ሰላምን ፍቕርን የውርደልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ