ልደት መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ታሕሣሥ 29 2015 ዓ.ም. (1/7/2023)
ንባባት፡. ቲቶ፡ 2፡11-14፥ 1ዮሓ 4፡1-9፥ ግ.ሓ.7፡17-23፥ ሉቃስ 2፡1-14. ምስባክ፡ ወአነሂ በኲርየ እረስዮ፥ ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ። አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ እውን ከጽንዓሉ እየ መዝ. 89፦27-28።
ክቡራን መፍቀርቲ አምላኽ ህዝበ እግዚአብሔር በዚ ብሩኽን ፍሉይ ዕለት ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና እንቋዕ አብ ብርሃነ ልደቱ አብጽሓና ናይ ሰላምን ፍቕሪን ምሕረትን ልደት ገሩ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ፍቕሪ አምላኽ ዘሕድር ይግበረልና። ከምኡ አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ በተሰብኩምን ፈተውትኹምን ጸጋ አምላኽ ዝበዝሖ ልደት ክገብረሎም፥ አብ ሃገርናን ዓለምናን ከአ ሰላም ነጊሱ ደቂ ሰብ ጣዕሚ ሰላምን ፍቕሪ አምላኽን ዘስተማቕሩሉ ዘመን ከውርደልና ብልቢ እና ተመነኹ ንኹልኹም ርሑስ ልደት እብል። ከምኡ ነቶም አብ ዝተፈላለየ ጸገም ዝርከቡ በዚ ብሩኽ ልደት አምላኽ ራህዋ ከውርደሎም ክንጽሊ፥ ኃጥአን አብ መገዲ አምላኽ ክምለሱ ዝተባእሱ ክዕረቑ ዝጠፍኡ ክርከቡ ዝተሸገሩ ክርህዎም አብ ስደት ዘለዉ ብሰላም ዓዶም ክምለሱ። ውግእን ግፍዕን ካብ ዓለምና ጠፊኡ ሰብ ሰላም አምላኽ ዘስተማቕረሉ ዘመን ክህበና አብዚ እነዕርጎ ዘሎና ፍሉይ ጸሎትን መስዋዕትን ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና እናአዕረግና ብዳግም ብሩኽ ልደት እብል።
ልደት መድኃኒና ፍሉይ ምዕራፍ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝኸፍት እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ነቶም አብ ጸልማት ዝነበሩ ብርሃን በሪቕሎም እናበለ ናይ ክርስቶስ ልደት ዘምጽኦ ምሕረት ይነግረና። ኢሳያስ ነብይ አብ 9፡1-6 ዘሎ እንተ አንበብና፡ እቲ አብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ፥ ነቶም አብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም እናበለ ክርስቶስ ዘምጽኦ ምሕረትን ለውጥን አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ተነብዩ። ኢሳያስ ንጉሥን አማኸርቱን ንአምላኽ ምእማን ስለ ዝአበዩ አብ ጸልማትን ፍርሕን ከም ዝነበሩ ይነግር። ንአምላኽ ዝሓደገ ሕይወት መለለይኡ ፍርሒ ስግአት ጥርጠራ እዩ። ናይ እግዚአብሔር ድለት አብ ህዝቡ ክርእዮ ዝደሊ ሰላምን ሓጎስን እዩ። ነቲ ዝነበረ አርዑት ዘውርደሎም መድኅን ከም ዝሰድድ አቐዲሙ ነጊሩ ነሩ እዩ። ነቲ ብነብያት ዝተነግረ ተስፋ ኩሉ ጊዜ ምስ ሓለዎ እዩ።
ሰብ አብ ከቢድ ባርነትን ጭቆናን እንከሎ ምልክት ነጻነት እንተ ረአየ ዝስምዖ ሓጎስ ኩልና ንርድኦ ኢና። ብተፈጥሮና ንጭቆና ንጸልማት ስለ ዘይተፈጠርና አይውሓጠልናን እዩ። ወላ እውን ብድኽነት ንገዛእ ኩሉ ጊዜ ነጻነትን መሰልን ንደሊ እዚ አብ ባኅርና ዘሎ ነገር እዩ። አብ ልደት ነዚ ኢና እነስተማቕር። ልደት ክርስቶስ ካብ ጸልማት አብ ብርሃን ካብ ባርነት አብ ነጻነት አውጺኡና። ነዚ አምላኽ ዝገበረልና ሰናይ ነገር ደጋጊምና ነስተማቕሮ ነብዕሎ ካብኡ ዝዓቢ ጉዳይ ስለ ዘይብልና።
መዝሙር ናይ ልደት እቲ አምላኽ ካብ ጥንቲ ዝሃቦ ተስፋ ሎሚ አብ ግብሪ አግሂዱ ከም ዝንገለጸልና ይነግረና፥ ምጽአቱ ንደቂ ሰብ ካብ ግዝአት ኃጢአት ነጻ አውጺእዎም። ሎሚ መዓልቲ ሓጎስን ዓወትን ስለ ዝኾነ ኩሉ ፍጡር በቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ጸጋ ተሓዲሱ አብ ደምበ አምላኽ ክርከብ ዘዘኻኽር ቅዱስ መዓልቲ ከም ዝኾነ ተገንዚብና ብሓጎስ በዓልና ክነብዕል የዘኻኽረና።
ልደት ርክብ ምስ አምላኽ እዩ።
ብልደት ክርስቶስ አምላኽ አብ ባህርና አብ ዓለምና አባና መጺኡ። ሓዋርያ ከም ዝብለና ባህሪ አምላኽ ባህሪ ድኹም ፍጡሩ ወሲዱ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ። አምላኽ ንአና ደቂ ሰማይ ክገብረና መጺኡና አሎ። ክንቅየር ክንሕደስ ንአኡ ክንመስል ኢሉ መጺኡና አሎ። ነፍስወከፍና መልሲ ክንህብ እዋኑ እዩ። ነዚ መጺኡ ዘሎ ዓቢ ጋሻና ዘየቐብል እንታይ አሎና። ስለዚ አሕዋተይ ንአምላኽ ዝበቅዕ ልብን ሕይወትን ሒዝና ክንርከብ እሞ አብ ልብና ክሓድር ሎሚ ሕራይ ኢልና ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክንሕዝ ክንቅደስ ምስ አምላኽ መብጽዓ እንአትወሉ ዕለት እዩ። ነቲ አባና ዝመጸ አምላኽ እምብአር ንቀበሎ አብ ገዛና አብ ልብና አብ ዓድና ነእትዎ።
ክርስቶስ አብ ልብና ክውለድ ይግባእ።
አምላኽ ንሰብ ከድኅኖ ተስፋ ዝሃቦ አብ ገነት ኤደን እዩ። ድሕሪ ምፍጣርና ነውሕ ከይጸንሐ አምላኽ መርገም ንተመን ተስፋ ኪዳን ከአ ንደቅ ሰብ ሂቡ። አብ መንጎኻን አብ መንጎ እዛ ሰበይትን አብ መንጎ ዘርእኻን አብ መንጎ ዘርአን ከአ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፥ ንስኻ ድማ ሸኼናኡ ኽትነክስ ኢኻ (ዘፍ 3፡15)። እዚ ኪዳን ናይ ተስፋ አብ ዘመናት በብእዋኑ ተሓዲሱ። ሉቃስ ወንጌላዊ ከም ዝህበና አምላኽ ድሕሪ 77 ወለዶ ንደቂ ሰብ ቀሪብዎም ይብለና። አብ መንጎ እዚ ዘመናት ነብያት ግሉጽ እንታይነት እቲ መስሕ ነጊሮም። ዓለቱ፥ ዝውለደሉ ቦታ፥ ዝጓነፎ ፈተነታትን ዝወርዶ ውርደትን አብ መጨረሽታ ኸአ ከም ዝዕወት ተነብዮም። አብ ትንቢት ኢሳያስ 9፡2-7 ዘሎ እንተ አንበብና እቲ አምላኽ ዝሃቦ ተስፋ መድሃኒ ብግሉጽ ንርእዮ። ሕፃን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና እዩ፥ ንሱ ኸአ ገዛኢና ክኸውን እዩ ንሱ ግሩም መኻሪ ብርቱዕ አምላኽ ዘለዓለማዊ አቦ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ኺጽዋዕ እዩ፥ አብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ ነቶም አብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም (ኢሳ 9፡2)። እዚ ትንቢት ኢሳያስ ናይ ሰላም መስፍን፥ ብርሃንን ሕይወትን ዘምጽእ ከም ዝውለድ አቐዲሙ ነጊሩ። ኢሳያስ ብዛዕባ መስፍን ሰላም ክዛረብ እንከሎ ብዛዕባ ንሱ ዝቅንጥጦ ጸልማት እውን ይዛረብ። እዚ ብርሃን ንጸልማት ዝቕንጥጥ ዝብል አገላልጻ ሕመረት ርድኢትና ብዛዕባ ትስብእት ወልድ ዝገልጽ እዩ። ወልድ ከማና ሰብ ምስ ኮነ ሓዲስ ባሕሪ ኢና ፈጢርና። ተቐይርና ሓደስቲ ፍጥረት ኮና ምኽንያቱ አምላኽ ከማና ስለ ዝኾነ። ኢሳያስ እምብአር ነዚ ቅድሚ አማእት ዘመናት አብ ትንቢቱ ገሊጽዎ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ጸልማት ብዙሕ ሓሳባት ዘጠቓለለ እዩ ንክፉእ ከምኡ ንፈሊጥካ እትገብሮ ኃጢአት ብጸልማት ይግለጾ።
ሰብ አብ ኃጢአት ምስወደቐ ጸልማት ተጎልቢቡ ነቲ ምንጪ ብርሃን አምላኽ ከይርኢ ባዕሉ ብዘምጽኦ ስኢንዎ። ሰብ ጸልማት ስለ ዝመረጸ አብ ቅድሚ አምላኽ ክቐውም ራዕዲ ወሪድዎ። አዳም ድምጺ አምላኽ ምስ ሰምዐ አብ ዱር ክሕባእ ፈቲኑ። አብ ደብረ ሲና እስራኤላውያን ግርማ አምላኽ ክርእዩ ክኢሎም እንተኾነ “እግዚአብሔር አይዛረበና እንተ ዘይኮነ ክንመውት ኢና” ኢሎም ንሙሴ ንሱ ጥራሕ ክዛረቦም ለሚኖሞ። እቶም ጓሶት መልአኽ ምስ ረአዩ ፈርሑ። እቲ መልአኽ ከምዚ በሎም እንሆ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም አሎኹ እሞ አይትፍርሁ፥ ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጎይታ አብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም አሎ በሎም።
እቲ መልአኽ ነቶም ጓሶት እዚ ብስራት ንአኹም እዩ ምስ በሎም ቀልጢፎም ናይ እቲ ዝተባህልዎ ግብራዊ መልሲ ክህቡ ክኢሎም። እቶም መላእክቲ ኻብአቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም ነዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ክዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ ተበሃሃሉ። እቲ መላእክቲ ዝበልዎ መልእኽቲ ሓይሊ ነርዎ ንሰባት የንቀሳቕስ። ሽቸሮ ዝተባህለ ሮማዊ ፍላስፋ አብ ባይቶ ዘረባ ከስምዕ እንከሎ ብዙሓት ብዘረብኡ ይድነቑ ነሮም፥ ሰባት ክንደይ ጹቡቕ ይዛረብ እናበሉ ብዘረብኡ ይግረሙ ነሮም ግን ካብ መንበሮም ይነቀሳቐሱ አይነበሩን፥ ብዙሓት ብርቱዕን ሓያልን ዘረባ ዘስምዑ አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዮም እዮም እንተኾነ አይ ከም እቶም መላእኽቲ ዘበሰርዎን። እቶም መላእኽቲ ዘበሰርዎ ነቶም ሰላማውያን ሰባትን ከምኡ ነቶም ሓይልታት ጸልማት አንቀሳቒስዎም እዩ። እቶም ጓሶት አብቲ በዓቲ ገጾም ቀልጢፎም ከይዶም፥ ሰብአ ሰገል ነቲ ኮኾብ ተኸቲሎም አብቲ ዝነበሮ ካብ ርሑቕ ምስራቕ መጺኦም፥ ሄረዱስ ፈሪሑ ምሉእ ለይቲ ላዕሊ ታሕቲ ክብል ሓዲሩ። ናይ መልአኽ ዘረባ አብ ሕያላት ሰባት ዓቢ ለውጢ እዩ ዘምጽእ ከም ማንም ዘረባ ብንፋስ ዝጠፍእ አይኮነን። ብመላእኽቲ ዝተነገረ ብስራት ንሄሮዱስ ዓቕሉ አጥፊእሉ ስለዚ ወተሃደራቱ ልኢኹ ነቲ ዝተወልደ ሕፃን ክደልዩ ነቲ ከባቢ ሃዊጾሞ፥ እቶም ወተሃደራት ግን ነቲ ሕፃን ክረኽብዎ አይከአሉን ምኽንያቱ ብርሃን አይኮኑን ዝኸዱ ነሮም፥ ንሶም አብ ጸልማት እዮም ዝመላለሱ ነሮም። እቶም ጓሶት ግን ንብርሃን ስለ ዝተኸተሉ ክረኽብዎ ክኢሎም።
ሎሚ አምላኽ አብ ሕይወትና ክንረኽቦ ይጽውዓና አሎ። ብገርሄኛን ሓቀኛን ሕይወት ጽን ኢልና ክንረኽቦ እንተ ከድና ክንረኽቦ ኢና፥ ልብና ብኽፍአት ብኃጢአት ጸልሚቱ እንከሎ ግን ክንረኽቦ አይንኽእልን ኢና። እሞ ካብዚ ቅዱስ ቦታ ከይረኸብናዮ ከይንወጽእ ሓደራ፥ ህያብና ፍቕርና ነቕርበሉ። ንሱ ዝህበና ክንቅበል መጀመርያ ንሕና ልብና ንሃቦ። እቶም ገርሄኛታት ጓሶት ነውሕ ከይከዱ ካብቲ ዘለውዎ አብቲ በዓቲ ረኺቦም ንሱ ግን ካብ ሰማያየ ሰማያት ዝኾነ መንበሩ አብ ምድሪ ክረኽቦም ካብ ዘለዓለም ናብ ግዝያዊ ካብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ናብ ስቓይን ሞትን መጺእዎም። አብ መብልዕ ማል ነቲ ንኹሉ ዘሕዊ ናይ ነገስታት ንጉሥ ብዘይ ሓደ ጸገም ክርእይዎ አብ ቤቱ ክአትዉ፥ ናይ ኩሉ ፍጥረት ዋና ብዘይ ዝኾነ ዓራት አብ መብልዕ ማል ረኺቦሞ እንተ ኾነ እቲ ሓጎስ አብኡ ዝረኸብዎ መለክዒ አይነበሮን።
ሎሚ አብዚ ሓጎስ ናይ ጓሶት ክንካፈል ከሎና አብ ሓጎስ መላእኽቲ፥ አብ ሓጎስ ዮሴፍን ማርያምን ስለ እንካፈል ከንከቀሳቕሰና አለዎ። ነቲ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዘመጸ እሞ ንሰማይ ክወስደና ዝመጸ መድኃኒና ክንረክብ ንመገዲ ጸልማት ሓዲግና ንመገዲ ብርሃን ክንሕዝ አሎና። ቅዱስ አትናቴዎስ አብ ትምህርቱ አምላኽ ሰብ ከይኑ በዚ ኸአ ሰብ አብ ሕይወት አምላኽ ክሳተፍ ክኢሉ ይብል። ምስ መላእኽቲ ኮና ክብሪ ንአምላኽ አብ አርያም፥ ሰላም ከአ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዚሕጎሰሎም ሰብ ንበል።
ሰላም ዝእወጀሉ ሰብ መልእኽቲ አምላኽ ዝቕበለሉ ኩሉ ተሓዲሱ ፍቕሪ አምላኽ አስተማቒሩ አብ ሓዲስ ኪዳን ዝአትወሉ ዕለት እዩ። ንነፍስወከፍና ከካብ ተሓቢእናሉ ዘሎና በዓቲ ሕይወትና ክንበጽሖ ምስ ህያባትና ክንመጽኦ ይዕድመና አሎ። ዕድመ አምላኽ አኽቢርና ንዑናይ አብ ቤት አምላኽ ንዑናይ ንዕርቂ ንዑናይ ንሰላም ክነንግስ ኢልና በዓልና ነብዕል። ሎሚ አብ ልብና ብርሃን ክርስቶስ ክበርህ እሞ ንዝጠፍኡ ንዝተጋገዩ አብ ክርስቶስ መሪሕና ክንመጽእ እንወፍረሉ ዕለት እዩ እሞ ኦ አምላኽ አብ ልብና ተወለድ ናትካ ግበረና ካብቲ ተኸዊልናዮ ዘሎና ጸልማት ዝመልኦ ሕይወት ፍቕሪ አምላኽን ፍቕሪ ሓውናን ሓፍትናን ክነዕቢ ሓግዘና ንበሎ።
ልደትና ልደት ፍቕሪ ሰላም ምሕረት ዝእውጅ ይግበረልናን ነዛ ሰላም ስኢና እትሕመስ ዘላ ዓለም ንጉሥ ሰላም ክርስቶስ ሰላም የውርደልና።
ብሩኽ ልደት ንኹልኹም።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ