MAP

ፍልሰታ ለማርያም 2012 ዓ.ም.ግ ነሓሰ 16 2012 ዓ. ም. (8/22/202)

ወትቀውም ንግስት በየማኒከ፥በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወሑብርት፥ ስምዒ ወለትዮ ወርኢ ወአጽምዒ እዝንኪ። “ንግስቲ ብወርቂ ተሰሊማ አብ የማንካ ትቐውም፥ ጓለይ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ ርአዪውን እዝንኺ ኸአ ጽለዊ” መዝ. 45፡9-10።
ብድምጺ ንምክትታል!

ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ ምስለ ነፍስኪ ኢመዋቲ ሰአሊ ለነ ማርያም እምነ።

ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡20-27፥ ራእ 11፡19-12፡1-6፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ሉቃ 1፡39-56 ምስባክ፡በእግዚአብሔር እሴብሕ ቃልየ፥ በእግዚአብሔር ይከብር ዘነበብኩ ወእግዚአብሔር ተከልኩ ኢይፈርህ ምንተ ይሬስየኒ ሰብእ።

ብዓለ ፍለሰታ ለማርያም  ዘኪርና ነብዕል አሎና በዚ አጋጣሚ ንኹልኹም አብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎኹም መፍቀርቲ ማርያም ርሑስ ብዓል እናበልኩ አብዚ ዓለምና በዚ ወሪዱ ዘሎ ሕማም ኮሮና ድሓን ክትህልዉን ኩሉ ጊዜ ብጸሎታ ክትሕልወኩም ጸሎተይን ሰናይ ትምኒተይን እዩ። አብዚ ቤት አምላኽ ኮና ንጽሊ ንልምን አብ ሓደ ልብን መንፈስን ንርከብ አሎና። ማርያም አብ እምነትና አምላኽ ስለ ዘኽበራን ጸግኡ ስለ ዝዓደላን ልዕሊ ኹሉ አደ ወዱ ክትከውን ስለ ዝሓረያን ካብ ኩሎም ፍጡራት ዝለዓለ ቦታ ሒዛ ትርከብ። ካብ ጽንሰታ ክሳብ ፍልሰታ ዘሎ ሕይወታ መለክዒኡ ምስ ወዳ ዘልአ ርክብ እዩ። ናይ ሎሚ ብዓል ብፍሉይ ናይ ማርያም ብሥግአን ብነፍሳን አብ ሰማይ ዝፈለሰትሉ ዕለት እንዝክረሉ እዩ። ካብቶም ካብ መጀምርያ ዝተባዕሉ በዓላታ እዩ። አብ ሓዲስ ኪዳን አይጥቀስን እንተኾነ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን አትሒዙ ክብዓል ከምዝጀመረ ትውፊት ይነግረና። ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያን ከም ጽኑዓት አይሁድ ሙሴ ምስ ሞተ መላእኽቲ ስጋኡ ናብ አምላኽ ወሲዶሞ ንዝብል አብ ማርያም ዘልኦም አኽብሮ ክገልጹ ከለዉ ንሳ እዋን አደ አምላኽ ስለ ዝኾነት ብስግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ ክብሉ አየጸገሞምን። እቲ ብፕዮስ 12 ብ1950 ፍልሰታ ለማርያም ከም ዓምዲ እምነት ክእወጅ እንከሎ ነዚ አብ ቀዳሞት ክርስትያን ዝነበረ እምነት መሰረት ብምግባር እዩ። እቲ ዓምዲ እምነት ማርያም ቅድሚ ናብ ሰማይ ምፍላሳ ብስግአ መይታዶ ወይስ አይመተትን አይ ኮነን ዝአወጆ ማርያም አብ ሰማይ ምስ ወዳ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምእትነብር ዘላ እዩ። እዚ ሎሚ ዘላቶ ሕይወት ንሕና አብ መጻኢ ክንረኽቦ ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ አብ መልእኽቱ” ኩሉም ብክርስቶስ አብ ሕይወት ክመጽኡ እዮም፥ ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ከከም ስርዓቱ እዩ፥ ቅድም ክርስቶስ ድኃር አብ ካልአይ ምጽአቱ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ” (1ቆር 15፡23-24)። ቤተ ክርስትያን ማርያም ብፍሉይ መገዲ ናይ ክርስቶስ እያ ድሮ ንሳ ነቲ ሓዲስ ሕይወት ብምልአት ሒዛቶ አላ።  አብ ባህሊ ሃገርናን አብ ካልኦት ምስራቓውያን አብያተ ክርስትያናት “ናይ ማርያም ምልእተ ጸጋ አደ አምላኽ ምድቃስ” ንብሎ። ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚርና ብጾምን ጸሎትን ምህልላን ገርና ንዝክሮ፥ ዓቢ ብዓል እዩ።

አብ ራእይ ዮሓንስ ዘሎ፡ “ዓቢ ትእምርቲ ድማ አብ ሰማይ ተራእየ፥ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት፥ ዓሠርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ዝደፍኤት፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተራእየት” ዝብል ንፍልሰታ ማርያም ዝርኢ ኢሎም ብዙሓት አበው ይትርግምዎ። አብዚ ራእይ መጀመርያ ናይ እግዚአብሔር ግልጸት አብ መቕደስ አብ ሓዳስ ኢየሩሳሌም አብ ውሽጡ ታቦተ ኪዳን ዝርከበሉ ይነግረና። እታ ቀዳመይቲ ታቦተ ኪዳን አብ ቅድስተ ቅዱሳን እያ እትቕመጥ ነራ። አብዚ ሓዲስ ታቦተ ኪዳን ግን እታ ቀዋሚት ማሕደር አምላኽ አብ መንጎ ህዝቡ ዝኾነት አብአ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ብሥግኡ ዝርከባ ቤተ ክርስትያን እያ። እዚ ንማርያም እውን የስምዕ እዩ፥ ንሳ ነቲ ሓዲስ ኪዳን ዝገበረ አብ ከርሳ አሕዲራቶ እያ። በዚ ምኽንያት ታቦተ ኪዳን ንብላ።

ሰበይቲ አብ ሰማይ ተርእየት ዝብል ነንብብ እዚአ ሰበይቲ ተመሲላ እስራኤል ካብአ መሲሕ ዝተወልዳን ናይ እታ አብኡ ዝአመነት ማሕበር እያ። እዚ እውን ንማርያም የመልክት “ፀሓይ ተወንዚፋ ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት. . . . ዓሰርተ ክልተ ኸዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ዝደፍኤት”። አብዚ ራእይ ዮሓንስ መብዝሕትኡ ንማርያም ዘስምዕ ይኩን እምበር ገሊኡ ንማርያም ዝምልከት አይኮነን። አበው ኩሎም ነዚ አብ ግምት ገሮም ብዛዕባ ፍለሰታ ማርያም መሰረቱን ትርጉሙን ይነግሩና።  

ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ ክንብል ከሎና እምብአር ማርያም አደ አምላኽ ብምዃናን ከምኡ ብሕይወታ ንድላይ እግዚአብሔር ክትቅበል ፍቓደኛ ስለ ዝኾነት አብቲ እግዚአብሔር ነቶም ዘፍቕሮም ዝህቦ ግርማ ክብሪ ቀዳምነት ከምዘልአ እዩ ዘስምዕ። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ብእምነት ተጓዒዝና ክንከይድ ከሎና ዝጸበየና ክብሪ እዩ። ንሳ ከማና ሰብ እያ ካብ ወዳ እቲ ዝተሓተ ቦታ ሒዛ ትርከብ፥ ብብዙሕ ናባና ትቐርብ። ንአና አብ አኽብሮት ስላሴ ትመርሓና። ንአአ ንስላሴ ዝግባእ ክብርን አምላኾን አይንህባን ኢና። ንሳ ምእንታና ክትልምን ትኽእል አብ ክንዳና ጸሎት ክተዕርገልና ትኽእል።

አብ ሓዲስ ት/ክ አብ ቍ 967 ንእምነትና አመልኪቱ ብጽቡቕ ተገሊጹ ንረኽቦ፥ “ንፍቓድ እግዚአብሔር ብምልአት ፈጺማ፥ አብ ናይ ወዳ ስራሕ ድኅነት ሠሚራ፥ ንኹሉ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሕሹኽታ ብምቕባላ ድንግል ማርያም ንቤተ ክርስትያን ናይ እምነትን አፍቅሮትን አብነት እያ። ምእንትዚ ከአ ንሳ አዝያ ልዕልትን ብዅልንትንአ ፍልይትን ዝኾነት አባል ቤተ ክርስትያን እያ” ይብል። 

ፍልሰታ ዝሕብረና እቲ ፈቃር አምላኽ እቲ ካብ መጀምርያ ተፈጥሮአ ብዘይ ኃጢአት ከም እትጽነስ ዝገበረ አብ መወዳእታ ሕይወታ እውን ፍሉይ መደብ ከም ዝገበረላ ዘርእየና እዩ። አብ መጀመርያ ሕይወታ ብፍሉይ ጸጋ አምላኽ ማርያም ካብ ዝኾነ ኃጢአትን ሳዕበናቱን ነጻ ኾይና ተወሊዳ። አብ መጨረሽታ ሕይወታ ብኻልእ ፍሉይ ጸጋ ካብ ዝኾነ ብሞት ዝመጽእ ምብራስ ሰውነት አብ መቓብር አይገጠማን ። አብ መወዳእታ ሕይወታ ብስግአን ነፍሳን አብ ሰማይ ፈሊሳ። አብዚ መይታዶ አይመተትን ንዝብል ዝተፈላለየ ርድኢት አሎ። አብ መብዝሕትኦም ምስራቓውያን መይታ ዝብል ይድግፉ ምኽንያቱ ወዳ አምላኽ እንከሎ ካብ ሞተ ንሳ እውን ክትመውት ግድን እዩ ዝብሉ ይበዝሑ። አብ ምዕራብ ብፍሉይ አይሞተትን ምኽንያቱ ሞት ፍረ ኃጢአት እዩ ንሳ ኸአ ኃጢአት አይተንከፋን ስለዚ አይሞተትን ንዝብል ሓሳብ ይድግፉ እዚ ክልቲኡ ንመጽናዕቲ ክፉት ትሓድጎ ቤተ ክርስትያን። ሓበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ማርያም አብ ሰማይ ምስ ወዳ ብስግአን ነፍሳን ከም ዝፈለሰት እዩ።

ብዛዕባ ጽንሰታ ክንዛረብ ከሎና ብዛዕባ ነፍሳ ኢና እንዛረብ። ብዛዕባ ፍልሰታ ክንዛረብ ከሎና ኸአ እቲ ዝያዳ አትኩሮ ብዛዕባ ሰውነታ እዩ። ክልቲኡ አድልያን ቀንድን እዩ። ክልቲኡ ንጥቅሚ ሓድሕድ እዩ። አብ ጊዜ ሞት ግዝያዊ ሓጺር ምፍልላይ እዩ ዘሎ። አብ ጊዜ ትንሣኤ ሙታን ክልቲኡ ከምብሓድሽ ክወሃሃድ እዩ። ፍልሰታ ማለት እቲ መዋቲ ሥጋ አብዚ ሕይወት ዝነብር ዝነበረ አብ ትንሣኤ አብቲ ክብሪ ሓዲስ ሰማይ ክሳተፍ እዩ።

አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ኩልና ናይ ሕይወትና መወዳእታ ከምዘሎ አብ ዝኾነ እዋን ብሞት ስጋናን ነፍስናን ከም ዝፈላለያ ንፈልጥ ኢና። ስጋና ብዝኾነ ክጥቃዕ ስለ ዝኽእል አብ አመጋግባና ንጥንቀቕ ከምኡ ምውስዋስ አካላት ንገብር። ብዝሒ ደምን ከሎስትሮን ከይንገብር ንጥንቀቕ። ሰውነትና ናይ ሕይወትና መንቀሳቐሲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። አብዚ ዓለም እንነብር ሰውነትና ክሳብ ንነፍስና ዝጾራ ኢና፥ ስጋና ምጻር ምሕጋዝ ምስ ሰአነ ሞት መጺአ ትፈላልየና። አብ ሕይወትና ሰውነትና ናይ ሓጎስ፥ ደስታ፥ ቃንዛ፥ ከምኡ ናይ ምፍራይ መጋበሪ ምዃኑ ንፈልጥ።

ከምኡ ሰውነትና መጋበሪ ፍልጠት እዩ። ኩሉ ፍልጠትና ወላእውን እቲ ዝደቐቐ አፍልጦና ካብ መጀመርትኡ ካብቶም ዘለዉና ሓምሽተ ሕዋሳትና እዩ ዝምንጩ። ሰውነትና ፍልጠት ክነመሓላልፍ ዝጠቕመና መጋበሪ እዩ። ወላ ሓደ አብ አእምሮና ዘሎ ከንብብ ዝኽእል የለን። ሓሳባትና ብሰውነትና አቢልና ብእንዛረቦ ቋንቋ ገርና ንገልጽ። ሰውነትና መጋበሪ ጸጋ እዩ። ንምስጢራት መተሓላለፊ ጸጋ ብቤተ ክርስትያን ዝውሃቡና አብ ሰውነትና ንቕበሎም ሽዑ አብ ጸጋ አምላኽ ከም እንሳተፍ ይገብሩና። ሰውነትና መጋበሪ አምልኾና እዩ። እቲ ሓቀኛ አምላኽ አብ መንፈስን ሓቅን እዩ ዝርከብ፥ ነዚ እንገልጾ ብቃላት፥ ብምልክት፥ ብስግደት እዩ። ልጡርግያ ናይ አምልኾ መግለጺ ጥራሕ አይኮነን እንታይድአ ንአምልኾ ዝፈጥር እዩ።

ሰውነትና ልዑል ክቡር ፍጥረት እዩ። አብኡ ፈዋሲ ሓኪምን አብኡ መድኃኒትን ዝብይን ስርዓት ዘልኦ እዩ። ባዕሉ ንርእሱ ከሕዊ ይኽእል እዩ። ሓደ ነዚ ናይ ሰውነትና ተፈጥሮን ምስጢርን ዝርኢ ከመይ ኢሉ አብ አልቦ እግዚአብሔር ከምዝአምን ምስጢር እዩ ብኻልእ አዘራርባ ሰውነትና ብደቂቕ እንተ ተዓዘብናዮ ምስጢርን ዕሞቕ ተፈጥሮናን ክሕብረና ይኽእል። ሰውነትና ሓደ ሚእቲ ትሪልዮን ወሃዩ “cells” አልኦ። እዞም ደቀቕቲ ወሃዩ ብሃንደበት ናይ ልብና ስራሕ ከምኡ ኩሉ እቲ ስርዓት ምሕቃቕ መግቢ አብ ሰውነትና ዝርከብ፥ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ሰውነትና ብሃንደበት ወይ ብዕድል መጺኦም ክንብል ንኽእልዶ?እቲ ዝዓበየ ምስጢር ሕማም አይኮነን እንታይድአ ጥዕና። እዞም አብ ሰውነትና ዝርከቡ ዋህዮታት፥ አካላት፥ ከመይ ኢሎም ኩሎም ነናቶም መገዲ ሒዞም ብስሩዕ ብዛዕብኡ ከይሓሰቡ ብሓደ ይሰርሑ?ንሕና ብዛዕብኡ ክንሓስብ እንከሎና ነደናግሮ። አብ ትዕዝብቲ ሕይወትና ብሓፈሻ ክንአቱ ከሎና አብቲ ፍልጠቱ ዘልካዕ ዝኾነ አምላኽ ክንአምን ይሕግዘና።

ብሰንኪ ውድቀት ቀዳሞት ወለድና ነቲ ተፈጥራዊ ሓድነት አብ ሕይወትና ዝነበረ አጥፊእና፥ አካላትና ብኻልእ ክምለኹ ጀሚሮም። አብ ሰውነትና ሓዲስ ሕጊ አትዩ አብ አእምሮና ዘደናግር ኩነት ተፈጢሩ። ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ ዘይምለኽ ባሕሪ ፈጢርና። እዚ ምሉእ ዘይ ኮነ ምልኪ ርእስና እውን ድሕሪ ነውሕ ተመክሮን ምርብራብን ዝመጽእ እዩ። ስርዓት ሕጊ እቲ ቀንዲ ዘድሊ እንከሎ አብ ግብሪ ግን እቲ ድሕሪ ኩሉ እንደልዮ እዩ። አብዚ እዋን ዘይስሩዕ ግዳማዊ ዝኾነ ተገድሶ ዘይምግባር አብ ሰውነትና እነርእየሉ ዘመን እዩ። ሎሚ ሰብ ንኃጢአት ተኾልኪሉ ዝነብር ስሩዕ ኮይኑ ዝርአዮ ግን ካብ አምላኽ ርሒቑ ዝነብር እዩ። ዓለምና ነቲ ግዳማዊ ነገራት እንተ አጸበቐት ኩሉ ዘጸበቐት ኮይኑ እዩ ዝርአያ እንተኾነ ንክርስትያን ከምኡ አይኮነን። ተሓድሶ መንፈስ ካብ ውሽጢ ክብገስ አልኦ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ፍሉይ ትምህርቲ ይህበና፡ ማርያም ንኢየሱስ አብ ከርሳ ሒዛ ንእንዳ ዘከርያስ ክትሕግዝ ከም ዝኸደት ይነግረና። አምላኽ ከንሱ አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ከገልግል ንርእዮ፥ ማርያም እውን ምስኡ ንአገልግሎት ክትከይድ ንረኽባ። ዮሓንስ አብ ከርሲ እንከሎ ሓጎሱ ይገልጽ። ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹላ ክተመስግን ንርእያ። ናይ ኢየሱስን ማርያምን ምምጻእ ከም ጸጋን ቡራኬን ገራ ተመስግን። አደ ጎይታ አብ ገዛይ ክትመጽኢ ከመይ ኢሉ ኮይንለይ ትብል። ንሕና አብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ እዚ እዩ ዝገጥመና። አምላኽ ብቃሉ ብሥግኡን ደሙን አብ መንጎና ይርከብ። ኤላስቤጥ ንማርያም ክተመስግና ከላ ነቲ ዝተነግራ ስለዝአመነት ብጽእቲ ትብላ” እዚ አብቲ ናይ ማርያም እንታይነት ክንፈልጥ ይሕግዘና እምነታ ከምኡ ኩሉ ኩልንትንአ ንአምላኽ ምሃባ፥ እዚ ኸአ አብቲ ዝደገመቶ መዝሙር ምስጋና ክንርእዮ ንኽእል። ማርያም ንአምላኽ ብምሉእ ልባ እያ ሕራይ ኢላቶ። እዚ ልዕሊ ኩልና ይገብራ። አብ ሕይወት ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ገርካ ምኽአል። ንአና ክብሪ ዝህበና እቲ አብና ዝወረደ ጸጋ አይኮነን እንታይ ድአ ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ተቐቢልና ዝግብኦ መልሲ ክንህበሉ ከሎና እዩ።

ፍልሰታ ዘዘኻኽሮ ሰብ ብነፍሱን ብስግኡን አብ ቃልሲ ድሕነት ነፍሱ ክወፍር፥ ሽዑ ብነፍሱን ብስግኡን አብ ናይ ዓወት መአዲ ክሳተፍ እዩ። ሎሚ ንማርያም አብዚ ምልኪ ርእስና ተዓዊትና ምስአን ምስወዳን ሓድነት ክንፈጥር ንለምና። ሎሚ ምስአ አብ ሓጎሳ ክንካፈል አሎና። ንቅድሚት እናሓሰብናን ጠመትናን ምስአ አብ መንበር ክብሪ ክንቅመጥ። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክትመርሓና ክንልምና። ንወዳ ስምዓዮም እናበለት ክተማልደልና ሎሚ ነፍስ ወከፍና ብፍሉይ ንለምና። ከም እሙናት አርድእቲ አብቲ ተሓሪናሉ ዘሎና እሙናት ኮና ክንርከብ። ነቲ አምላኽ ብዝተፈላለየ ዝገልጸልና ድላዩ ተቐቢልና ክንክእል፥ ከም ማርያም ብምሉእ ልብና ንዝብለና ሕራይ ክንብል።

ዘለናዮ እዋን ወዲ ሰብ ብዝተፈላለየ ስቓያት ዓቕሉ ጸቢብዎ የዕሎብጥ ንርእዮ አሎና፥ ብፍላይ እዚ COVID-19 አዐኒቝና አብ ዘለዎ እዋን አብ ኢየሱስን ማርያምን ንመለስ ጸሎት ንግበር ብፍላይ ነቶም መድኃኒት ክረኽቡ ዝጽዕሩ ዘለዉ አምላኽ ከብርሃሎም ኩሉ ተቐንጢጡ አብ ንቡር ክምለስ ንማሕለል ንነሳሕ ንወላዲተ አምላኽ ለምንልና ንበላ። ልብና ነቒጹ ንምሕረት አምላኽ ምልማን አብዩ አብ ካልእና ዓነው ንብል አሎና። መገዲ ዝጠፍኦ መገዲ ዝሕብር እዩ ዝደሊ እሞ ነቲ ጠፊኡና ዘሎ መገዲ ክትሕብረና ንማርያም ንለምና።

ኦ ማርያም አደና አሰርኪ ተኸቲልና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ሓግዝና ንድላይ ወድኺ አብ ልብና አሕዲርና ፍቕሪ ሰላም አብ መንጎና ክነንግስ እሞ ንመንግሰተ ሰማይ ዘእቱ ሕይወት ክንሕዝ ጸሎትክን በረኸትክን አይፈለየና ንበላ።

ብሩኽ ብዓለ ፍልሰታ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

21 Aug 2020, 22:11