MAP

2025.07.09 ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፥ ሰፋሮ ኣይሁድ ንነበርቲ ታይቤህ ኣጥቂዖም 2025.07.09 ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፥ ሰፋሮ ኣይሁድ ንነበርቲ ታይቤህ ኣጥቂዖም 

ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፥ ሰፋሮ ኣይሁድ ንነበርቲ ታይቤህ ኣጥቂዖም

እቶም ሰለስተ ናይ ላቲን፣ ግሪኽ ኦርቶዶክስን መለካውን ስርዓት ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያናት ቆሞሳት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ነበርትን ንብረቶምን ዝፍጸም ተደጋጋሚ ዓመጽ ኮኒኖም ኣህጉራውን ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብን ነቲ ዝወርድ ዘሎ ጉድኣትን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታትን ንምስናድ ኣብቲ ከባቢ ዝወርድ ፍልዩ ጉጅለ ልኡካን ክሰድዱ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕጂ ኣብ ፍልስጤም ብሰፋሮ ኣይሁድ ዝፍጸም ዓመጽ ነበርቲ እታ እንኮ ምሉእ ብምሉእ ክርስትያናዊት ፍልስጤማውያን ዝኾነት ቁሸት ታይበህ እውን ከም ዝተኣታተወን፣ ታይቤህ ጥንታዊት ኤፍሬም ዝብል መጸውዕ ዝነበራ ከተማ፣ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዝተጠቕሰት፣ ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤ ኣልኣዛር ዝተዓቝበሉ ቦታ (ዮሃ 11፡ 54) ዝርከበሉን ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ታሪክ እዚ እቲ ናይቲ ዞባ ማሕበረሰብ ክርስትያን ኣዝዩ ጥንታዊ ሱር ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኮይኑ። እታ ቁሸት ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያናት ዘለዋ ኮይና፡ ላቲን፡ ግሪኽ ኦርቶዶክሳውያንን መለካውያንን ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን - ጎሶት ኣባ በሻር ፋዋድለህ፣ ኣባ ጃክ ኖቤል ዓበድን ኣባ ዳውድ ኩሪን ዕለት 9 ሓምለ ሰበስልጣን እስራኤል ተወሳኺ ዓመጽ ሰፋሮ ከይፍጸም ክገብሩ ጸዊዖም፡ እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ብዓቢኡ ኣብ ቅድሚ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወተሃደራ እስራኤል ዝፍጸም ምዃኑ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ልዕሊ ታይቡህ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ዕለት 8 ሓምለ ሓደ ጉጅለ ሰፋሮ ኣይሁድ ኣብ ጥቓ መካነ መቓብር ክርስትያን ቢዛንታይንን ኣብ ቤተክርስትያን ኣል - ካደር (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ሓዊ ከም ዘቃጸሉን፣ እዚ ድማ ካብ 5ይ ክፍለ ዘመን ዝጅምርን ኣብ ፍልስጤም ካብቶም ጥንታውያንን ዝኽበሩን ናይ ክርስትያን ኣምልኾን ስግደትን ቦታታት ሓደ እዩ። እዚ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ነበርቲ እታ ከተማ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ዓመጽ ስዒቡ ዝመጸ ኮይኑ። እቶም ሰፋሮ ንኣታኽልቲ ኣውሊዕ - ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ታይበህ - እውን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉን፡ ሓረስቶት ድማ ናብ መሬቶም ከይከዱን ከይሰርሑን ይኽልክሉ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ናይቶም ጓሶት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ጻውዒት ናብ ማሕበረሰብ ዸም

ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ፡ "ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ሓለዋ ሰራዊት እስራኤል ዝሰፍሑ ዘለዉ ዘይሕጋውያን ሰፈራታት ኣይሁድ ክፉት ዒላማ ኮይኑ ኣሎ" እንክብሉ ኣቶም ሰለስተ ካህናት ጓሂኦም ገሊጾም፣ ዸምለኸን ማሕበረሰባት ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብቲ ከባቢ ዝወርድ ዘሎ ጉድኣትን ኣስገዳድ ስደትን ዝስንድ ፍሉይ ጉጅለ ክልእኽ ከም ዝጸውዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሰፋሮ ዝፍጸም ዓመጽ 

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ሰፋሮ ኣብ ታይበህ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጥቓ ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ኣይሁዳውያ ዝርከባ ካልኦት ሓያሎ ዓድታት ፍልስጤም ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ከም በዓል ኣይን ሳሚያን ኩፍር ማሊክን፡ ሰፋሮ ኣባይትን፡ መካይንን ምሕርቲ ሕርሻን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ ነቲ ዓመጽ ክቃወሙ ዝፍትኑ ዝነበሩ ኣርባዕተ መንእሰያት ፍልስጤማውያን ብጭካነ ከም እተቐትሉን ኣብታ ኣብ ጎልጎል ዮርዳኖስ እትርከብ ዓይን ሳሚያ፡ ሰፋሮ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መስመራት ማይ ኣጥቂዖም ኣዕንዮምን፣ እዚ ፈልፋሊ ማይ እዚ ብዘመነ ሮማውያን ብዝነበረ ስርዓተ መትረብ ኣቢሉ ክሳብ ሕጂ ክሳብ ራማላህ ዝኸይድ ንኣማኢት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ማይ ዝህብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሓደጋ ሓደሽ ምምንዛዕ መሬት

ታይበህ ኣብ ማእከላይ ከበሳታት ራማላህ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 850 ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ዞባ ኮይኑ፡ ምሸት ብርሕቐት እውን መብራህቲ ከተማ ኢየሩሳሌምን ኣኽራናት ኣል - ሶልት ዮርዳኖስን ዝረኣየሉ፣ ክርስትያን ነበርቲ ታይበህ ምስ ጎረባብቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብሰላም ዝነብርሉ ክኸውን እንከሎ፣ ሽግሮም ዝጀመረ ኣብ 1977 መንግስቲ እስራኤል ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ዓሰርተታት ሄክታር መሬት ብምምንዛዕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሪሞኒም ዝበሃል ሰፈር ምስ ዘቖመ እዩ። ዝተፈላለዩ ሰፈራታት ኣይሁድ ዘራኽብ ጽርግያታት ንምስራሕ ካብ ሓረስቶት ታይበህ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታታት ይምንዛዕን ኣብቲ ትማሊ ኣብ ክርስትያናዊ ቦታታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ቅድሚ መዓልታት ሰፋሮ ድሮ ኣብ ወሰን ዓዲ ዒላማ ብምግባር፡ ኣብ ሓደ ገዛን ሓያሎ መካይንን ሓዊ ከም ዘንደዱን፣ ሰፈራታት ዝያዳ ንምስፋሕ ዝኣመተ ተወሳኺ ሄክታር መሬት ፍልስጤም ናይ ምምንዛዕ ሓደጋ ይቕጽል ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዓበየ ስክፍታ ክርስትያን ነበርቲ ታይቤህ - ኤፍሬም፡- ዓለማዊ ኣቓልቦ ኣብቲ ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ ዘይተኣደነ መዓት ዝተኮረ ብምዃኑ - እቲ ኣብ ህላወ እቲ ዝዓበየ ዕድመ ዘለዎ ማሕበረሰብ ክርስትያን ዸምና ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ኣቃልቦ ዘይረኸበ ኮይኑ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ።

10 Jul 2025, 16:45