MAP

ቓዛ፡ ህልቂት ህጻናት ቓዛ፡ ህልቂት ህጻናት 

ቓዛ፡ ህልቂት ህጻናት

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ከተማ ደይር ኤል - ባላህ ኣብ ዝርከብ መዕደሊ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ረድኤት ዝጽበዩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ሕጻናት ከም እተቐትሉ ምስ ተሰምዐ ናይ ሕቡራት ሃገርት ውድብ ሓልዮ ሕጻናት ነዚ ተግባር “ክትሓስቦ ዘይከኣል” እንክብል ኮኒኑ፣ ካብዚ ሓሊፉ "ጥሜት ይውስኽ ምህላዉ ሓደጋ ዓጸቦ እውን ይዓቢ ኣሎ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ናይቲ ውድብ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ከየቕረብካዮ ዘይሕለፍ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ይደጋግም ኣሎ። ስለምንታይ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ዕሽአላት ናብ ዓብይ ዕድመ ክይበጽሕ ዝገብር ዓመጽ ዘጋጥሞም? ዕለት 10 ሓምለ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ካልእ መቕተልቲ ከም እተፈጸመን፣ ትሽዓተ ኣብ ከተማ ደይር ኣል - ባላህ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሰብኣዊ ሓገዝ መግብን ረድኤትን ክቕበሉ ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ ከም ዝኾኑን እቶም ህጻናት ህይወት ዘድሕን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝተመጣጠነ መግቢ ንኽዕደሉ ዝጽበዩ ዝነበሩ እዮም። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣስታት 20 ሽሕ ህጻናት ከም እተቐትሉ ይንገር።

ጥርዓን ውድብ ሓልዮ ህጻናት

ነዚ ስነ - ቓላዊ ሕቶ እዚ ዝኾነ ኣእማኒ መልሲ የለን። ሕርቃንን ቁጥዐን ጥራይ ከም ዝተርፍ ንጹር እዩ። "ዘይሕሰብ" ጥራይ እዩ ክትብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ ሓልዮ ህጻናት ፈጻሚት ሓላፊት ካትሪን ራስል ዕለት 11 ሓምለ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ፣ ኣብቲ ህዝቢ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብጥምየትን ተስፋ ምቝራጽን ዝሳቐዩ ህጻናት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነት ብዝርከባ ኣዴታቶም ዝተሰነዩ እዮም ዝነበሩ፣ እቶም ዝተጎድኡ ወለዲ እቶም ቆልዑ ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ኮይኖም ብዝተቐትሉ ደቃቶም ክንብዑ እዮም ዝረኣዩ፣ እዚ "ሎሚ ንብዙሓት ኣብ ቓዛ ዘጋጥሞም ዘሎ ሕሱም ክውንነት" እዩ: ፈለማ ብሰንኪ ሕጽረት "እኹል ሓገዝ ናብቲ ግዝኣት ክኣቱ ብዘይፈቅድ ውሳኔ" ብጥሜት ዝሞቱ፣ ሕጂ ድማ "መሰረታዊ ሓላፍነት ምክልኻል ሰላማውያን ሰባት" ዕሽሽ ብዝብል ግጭት ይቕተሉ ኣለዉ፣ ህጻናት "ብጥሜት ናይ ምሟት ሓደጋ ክጋጥሞም እንከሎ፡ ሓደጋ ዓጸቦ ድማ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጥሜት ከም ኣጽዋር ኲናት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ ሕርሻን መግብን ኣብ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ እቲ “ጥሜት ከም ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም” ዝብል ዘጸይፍ ተግባር ምኽንያት ናትናን ናቶምን ጓሂ ገሊጾም። ህጻናት ምቕታል ማለት መጻኢ ምጥፋእ ማለት እዩ፣ ንቓዛን ፍልስጤምን ኣብ ሓቀይና ሰላም ዘለዎም ተስፋ ምቕታል ማለት እዩ። እቶም ብህይወት ዝተረፉ ውሑዳት ነቲ ንሳቶም እውን ከጥፍእዎ ዝደልይዎ ጽንፈይናነትን ጽልእን እናተመገቡ ክዓብዩ ዝገብር ሓደጋ ክሀልው ዝኽእል ምዃኑ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ድሕሪ 130 መዓልታት ንፈለማ ግዜ ናብ ውሽነጥ ቃዛ ነዳዲ የእትው  

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ 130 መዓልታት ንፈለማ እዋን፡ ሕቡራት ሃገራት ነዳዲ ከእትው ምኽኣሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበረን፣ እዚ ግን "ዋላ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዘድሊ ጸዓት ንምሽፋን እኹል ኣይኮነን" ከም ዝበለን፣ ክሳብ ሕጂ ካብቲ ኣብ ዶሓ ዝቕጽል ዘሎ መድርኽ ዘተ ገለ ውዱእ ሓበሬታ ከም ዘየለ ክንገር እንከሎ መራሐ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዋሽንግተ ዘካየዶ ምብጻሕ ዛዚሙ ከም እተመስሉ ዜና ቫቲካን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ምንጭታት ጠቒሱ የመላኽት።

12 Jul 2025, 17:18