ር.ሊ.ጳ. ንመራሔ መንግስቲ እስራኤል ናታንያሁ፡ ኣብ ቓዛ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ኵናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁን ዕለት 18 ሓምለ ብስልኪ ከም እተዘራረቡን ኣብቲ ናይ ስልኪ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቓዛ ዘተን ተኹሲ ደው ምባልን ህጹጽ ምዃኑ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒቶም ከምዘሐደሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ዕለት 18 ሓምለ ንግሆ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳስዊ ህንጻ ምስ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብስልኪ ከም እተዘራረቡን፣ እዚ ናይ ስልኪ ርክብ እዚ ድሕሪ እቲ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ቓዛ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብታ ቤተ ክስቲያን ካብ ዝተዓቖቡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት እውን መጉዳእቲ ከም ዝወረዶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።
ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ንዘተ ዳግማይ ድፍኢት ክግበርን ተኹሲ ደው ክብልን ኲናት ከብቅዕን ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ከም ዘሐደሱ” ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ብዛዕባ እቲ ደቁን ኣረጋውያንን ሕሙማትን ዘሕዝን ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ ህዝቢ ቓዛ ዘጋጥሞ ዘሎ ጽንኩር ሰብኣዊ ኩነታት ዳግማይ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹን፣ ኣብ መወዳእታ፡ ቅዱስ ኣቦና ንኣምልኾ ቦታታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ፍልስጤምን እስራኤልን ንዝርከቡ ምእመናንን ኩሎም ህዝብን ምሕላው ህጹጽ ምዃኑ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ" ኣፍሊጡ።
ኣብ ቓዛ እታ እንኮ ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ዕለት 17 ሓምለ ንግሆ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ከም እተሃረምትን፣ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ጋብሪየለ ሮማነሊ ሓዊሱ ካልኦት 10 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉን፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ተዎፍሎስ ሳልሳይን ኣብታ መጥቃዕቲ ዝወረዳ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፣ መራሕቲ ዓለም “ነዚ ብሰብኣውን ግብረ ገባውን መዳይ ዘይምኹንይ ዝኾነ መዓት ደው ንምባል ድምጾም ክስምዑ ዘድሊ ኩሉ ክገብሩ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።