MAP

ናይጀርያ፡ ህልቂት ተመዛበልቲ ኣብ ሰበኻ የለዋታ ናይጀርያ፡ ህልቂት ተመዛበልቲ ኣብ ሰበኻ የለዋታ 

ናይጀርያ፡ ህልቂት ተመዛበልቲ ኣብ ሰበኻ የለዋታ

ኣብ ናይጀሪያ ከተማ የለዋታ ኣብ መንጎ ዕለት 14ን 15ን ሰነ ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኣሸበርቲ ብዝፈጠርዎ ባርዕ ሓዊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ከም እተቐትሉ ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣተሓባባሪ ሽማግለ ልምዓትን ፍትሕን ሰላምን ሃገረ ስብከት ማኩርዲ ኣባ ረሚጂዩስ ኢህዩላ፡ እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘሰንብድ ምንባሩ ገሊጾም፣ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 15 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ብምዝካር ምስጋና ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ቤኑዌ ንምብራቕ ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ጉማ ዝነብር ማሕበረሰብ ከተማ የለዋታ፡ ኣብ መንጎ ዕለት 14ን 15ን ሰነ  ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኣሸበርቲ ብዘስዓብዎ ባርዕ ሓዊ ኣንስትን ህጻናትን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተቐማጦ ከም ዝተቐትሉን ክሕበር እንከሎ፣ ካብቲ ከባቢ ዝወጽእ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ ክሳብ ሕጂ ርግጸይና ኣይኮነን፡ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ እቶም ዝሞቱ ኣስታት 50 ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እንክሕብሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ድማ ኣስታት 200 ሬሳታት ከምዝቖጸሩ የረጋግጹ።

መወዳእታ ዘይብሉ ራዕዲ

ኩሎም እቶም ዝተቐትሉ ኣካል ኣብቲ በታ ሰበኻ ዝመሓደረ ማእከል ተመዛበልቲ ዝተኣንገዱ ዓቢ ጉጅለ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ከም ዝነበሩን፣ ኣብ መዓልታዊ ንህይወት ብዘድሊ ነገራት በቲ ሰበኻ ዝድገፉ ኮይኖም ብጀካ ዘድሊ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞኦም እውን ከም እተሰንዮም እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ግዳያት ዝኾኑ ማሕበረሰብ ክርስቲያን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ነዚ ዘስካሕክሕ መቕተልቲ ናይቶም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠማ ቃንዛ ምዃኑ ገሊጾም፣ ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹን: ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ጸገም ፍታሕ ክርከቦ ነቲ ህልዉ ኩነታት ንዓለም ዘፍልጥን ሰበስልጣን ብግብኡ ኣቃልቦ ክህብሉን መፍትሒ ንኸናድዩ ዝድርኽ እወታዊ ጽልዋ ምዃኑ ኣባ ረሚጂዩስ ኢህዩላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

17 Jun 2025, 16:59