ቤተክርስትያን ኣብ ሜክሲኮ ደቆምን ኣባላቶም ዝጠፍእዎም ኣባይቲ ስድራ' ትድግፍ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንግስቲ ወይ ሓይሊ ጸጥታ ተጸጊዖም ዝጠፍኡ ፍቑራቶም ንምርካብ፡ ልዕሊ 200 ጉጅለታት ኣዴታትን ኣቦታትን፡ ብደለይቲ ዝጠፍኡ ደቃቶምን ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝፍለጡ ኣብ መላእ ሜክሲኮ ኣብ ባዶ ቦታታት በእዳዎም ከም ምልክት ናይ መቓብር ስፍራ ዝዂዕቱን እዞም ኣብ ጭንቀት ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ፡ ብዛዕባ ኣቀማምጣ ሕቡእ መቓብር ስሞም ዘይተገልጸ ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ናይ መቓብር ስፍራ ከም ምልክት ዘቑሙን ብዙሓት ከም ዚኦም ዝኣመሰሉ ማሕብራት "ሳንጹን ሰላም" ብዝብል መጸውዕ ዝግለጹ፣ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ዝተተኽሉ መሰል ናይ መቓብር ስፍራ ዘቑሙ ክኾኑ እንከለዉ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሜክሲኮ፡ ካብ 2006 ዓ.ም. ጀሚሩ ልዕሊ 125 ሽሕ ሰባት ከም ዝፍጠፍኡ ይፍለጥ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ ካልኦት ትካላት፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝጠፍኡ ግዳይ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣንቀሳቀስቲ ዕጸፋርስ ወይ ንግድ ዕጸ ፋርስ ንምጥፋእ ንዝዓዪ ፖለቲካ ዝጻረሩ ኣብ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ዝንቅሳቐሱ ናይ ገገብን ጉጅለታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ክንገር እንከሎ፣ ነዞም ኣባይቲ ስድራ ኣብ ቃንዛኦምን ቃልሶምን ተሰንዮምን፣ ካልኦት ድማ በቶም ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣካላት ደቂ ሰባት ዘካይዱ ተታሒዞም ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል ግምት ከም ዘሎን፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ዝጠፍኡ ህጻናትን ዕሸላትን ሓዊሱ ደሃዮም ዝይተረኸበ ዝተፍኡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ምህላዎም ዘረድእ እዩ።
ጳጳሳት ቁጥዐን ሓዘንን ይገልጹ
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ግዝኣት ጃሊስኮ፡ ብናይ ገበን ጉጅለታት ከም መሰልጠኒን መዓስከር ምጽናትን ዝጥቀሙሉ ቦታ፡ ብሓዊ ናይ ዝተቓጸለ ናይ ብዙሓት ሰባት ዓስኬረን ከም እተረኽበን እዚ ብሓቂ ሃገራዊ ስንባደ ከም ዝፈጠረን፣ ኣብቲ ዘጽሪ ራዕዲ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ቦታ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝተቓጸሉ ኣካላት ደቂ ሰባትን ልዕሊ 1800 ውልቃዊ ተንቀሳቓሲ ንብረትን - ክዳውንቲ፡ ጫማ፡ ቦርሳታትን ጥራዝን ሓዊሱ - ከም እተራኽበን፣ ኣባይቲ ስድራ፣ ሓይሊ ጸጥታ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ቦታ ምህላዉ ነጺጎም ስለ ዝነበሩ ብዙሕ ከም ዘቖጠዖም እውን ይንገር።
ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሜክሲኮ ነቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ገበናት እንክብል ኮኒኑ፡ ሰበስልጣን ኣብ መንጎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ፖለቲካዊ ጽላታትን ዘሎ ርክብ ክጥፍኡን ጸዊዑ። ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ሜክሲኮ ናይ ሰላም ዘተ ንምጅማር ዝሓገዙ ጳጳስ ኣሴሮ ወርሓዊ ምስ ጉጅለታት ደቃተንን ኣባላኣት ኣባይቲ ስድራን ዝደልያ ኣዴታት ከም እተራከቡን ንርህራሄ፣ ንሓድሕዳዊ ምድግጋፍን ሓድሽ ሓበሬታ ንምክፋልን ዝኽእሉ ዕዳላት እውን ይፈጥሩ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምስ ሰበስልጣን ትዋሳኡ ዲኹም ወይስ ኣብ ምድጋፍ ኣባይቲ ስድራ ጥራሕ ኢኩም ተተኩሩ?
ጻውዒትና ንኹሉ ጽላታት ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ። ኣብ ቅድሚ ኩነታት ሜክሲኮ፡ ተልእኾና ምስ መንግስቲ ሓዊሱ ናይ መራኸቢ ድልድላት ምህናጽ እዩ። ገለ ዝርርብ እኳ እንተተጀመረ፡ ንመከራ እዞም ኣባይቲ ስድራ ዕሽሽ ክብሎ ወይ ንቃንዛኦም ከነኣእስ ዝኽእል ሓደጋ ኣሎ። እወ ሽማግለ ደላይ ዝጠፉኡ ቆይሙ እዩ፡ ንዓይ እቲ ሕቶ ብኸመይ ይቐውም ዝብል እዩ። እቶም ሰበስልጣን ነቶም ዝፈትውዎም ሰባት ዝሰኣኑ ረሳታቶም እውን ዘይረኸቡ ክሓዝኑ ዘይክእሉ ኣባይቲ ስድራ ክሰምዑ ጥራይ ኢና ንሓትት። እቲ እነካይዶ ዘተ ዘይውልትው ኮይኑ ተወፋይነትና ኣብ ወንጌል ዝተሰረተ እዩ፤ ነዞም ስኣባይቲ ስድራ ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ንሰምዖምን ነሰንዮምን . . . ኢሎም።
ድሮ እንታይ ድልድላት ፈጢርኩም ኣለኹም?
ከም መንጎይናታት ንሰላም ንሰርሕ፣ ኣብ መንጎ ኣባይቲ ስድራ ምትእስሳር ብምፍጣርን ንቕሓት ንምዕባይን፣ ካብ ማሕበረሰባት ሰበኻታት ክሳብ ህዝባዊ ሰበስልጣን ንሰርሕ። ዘተ ተጀሚሩ ኣሎ፡ ሕጂ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ዝተኣተወ ቃል ኪዳን ክትግበር ንከታተሎ ኣሎና።
ነዚ መዓት ንምውጋድ ኣብ ልዕሊ ጓሶት ቤተ ክርስቲያን ትገብርዎ ተስፋ እንታይ እዩ?
ሓደ ጭቡጥ ሕቶ ካብተን ኣዴታት፣ ካህናት ኣብ እዋን ቅዳሴ ኣስማት ናይቶም ዝጠፍኡ ክጠቕሱን፣ ብዙሓት ጳጳሳት ነዞም ኣብ ልዑል ሓደጋ ኣብ ዘለሉ ቦታ ዝነብሩ ኣባይቲ ስድራ ብጽሞናን ብዘይ ርኣዩለይን ስምዑለይን ድጋፎም ዘቕርቡ ምዃኖም እፈልጥ እየ፣ ንካህናትን ንህዝቢ እግዚኣብሔርን እናሓለዉ ሓበሬታ ንምክፋል ይሕግዙ። እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ፡ ልክዕ ከምቲ ብደረጃ ዞማ ንገብሮ ዘሎና፡ ኣብ መንጎ ሃገረ ስብከታት ዝዓበየ ምውህሃድ፡ መርበባዊ ምላሽና ንምሕያል እዩ እንክብሉ ተራዳኢ ጳጳስ ርእሰ ሰበኻታት ከተማ ሜክሲኮ ፍራንሲስኮ ጃቪየር ኣሴሮ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።