ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 'ናይ ጽባሕ ቁጠባ' ዝብል ዘቕርብዎ ጻውዒት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ 2019 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ሊቃውንቲ ስነ ቁጠባን ነጋዶን ሰብ ትካላትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ህይወት ዘምጽእ ደኣ እምበር ሞት ዘየምጽእ ንኣከባቢ ዝግደስን ዘይዘምትን ዝሕቁፍ እምበር ዘይንጽል ሰብኣውነት ዘማእከለ ንሰብ ስብኣውነት ዘየጥፍእ ቁጠባ” ክሃንጹ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ “ንቁጠባ ጽባሕ ነፍሲ ንምሃብ” ዝዓለመ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ሰብ ሞያ ቁጠባን ሰብ ትካላትን ነጋዶን ዝሓቖፈ ማሕበረሰብ ዝብል ምንቅስቓስ ክቐውም ምኽንያት እውን ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ካብ ፐሩ ዝመጸት በዓልቲ ሞያ ዘላቒ ምዕባለ ኣባል ባይቶ ናይቲ ዝቖመ ማሕበር ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ ማርሲያ ኪንግ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፣ ሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ብዙሕ ሓዘን” ከም ዝፈጠረ ገሊጻ፣ እቲ “ዝተጸገሙን ዝተናዕቁን ናይ ሓባር ገቤትና ክንከናኸንን” ዘቕረብዎ ጻውዒት ንኹሉ ዝምልከት ዕማም እዩ . . . ኣብ መስከረም 2024 ዓ,ም, ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብቲ ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ ኣብ ዝብል መደብ ከም እተራከበት ኣዘኻኺራ፣ በቲ ንተሳተፍቲ ዝሃብዎ ሰለስተ መዘኻኸሪታት፡ “‘መሰኻኽር ኩኑ፣ ‘ኣይትፍርሑ’፡ ከምኡ’ውን ‘ከይደኸምኩም ተስፋ ግበሩ’” ዝብል ምዃኑ ገሊጻ፣
ኣብ ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ምንቅስቓስ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዚዮም ክናፈቑ እዮም፣ ይኹን እምበር “ሕድሮም ኣብ ልብና ሒዝና ከነቐጽል ኢና . . . ዓቢ ሕልሚ ንኽንሓልምን ብኣምላኽ እውን ክንግረምን” ዘቕረቡላ ጻውዒት እናነበርና ኩሉ ግዜ ለበዋኦም ብምኽባር ክንዝክሮም ንደሊ” ኢላ።
ኣብ ፔሩ ዘካየድዎ ብምጻሕ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መጀመርታ ላቲን ኣመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ምስ ተመረጹ፣ ዋላ’ኳ ኣብ መንጎ ሮማን ሊማን ርሕቀት እንተሃለወ፣ ኩሉ ርሑቐት ዘየለ ኮይኑ ክስምዓና ገይሮም እዮም . . . ካብ ርሑቕ ዝመጹ ርሑቕ ዘሎ ማእከል ዝገበሩ . . . እዮም።
ብተወሳኺ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘኪራ፣ እዚ ድማ "ዓቢ ህያብ" ኢዩ ቢላ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይቲ ዓመት ናብታ ሃገር ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ዕደት ብምግባር ምኽባር ደቀባትን ምክልኻል ከባብን ምቅላስ ምግባረ ብልሽውናን ኣገዳስነቱ ከም ዘስመሩሉን ንፐሩ መካነ ንግደት እንክብሉ ከም ዝገለጽዋም ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን ንኣመንትን ኢኣማንያንን ብማዕረ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተስፋ ኣዘካኺራ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።